ንኣባላት ሰዲህኤ ብዛዕባ እማመ መግለጺ ተዋሂቡ

2017-06-19 14:56:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2655 times

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣቶ ንጉሰ ጸጋይን ኣቶ ሃይለ ገብሩን ብ18 ሰነ 2017 ብዛዕባ’ቲ መሪሕነት ሰዲህኤ ብ4 ሰነ 2017 ብወግዒ ዝዘርገሖ “እመመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ” መብርሂ ሂቦም። ኣብዚ ብፓልቶክ ዝተኻየደን ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደን ኣኼባ፡ እዚ እማመ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ይቐርብ ከም ዘሎ ንምብራህ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን ብዝርዝር ጠቒሶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እዚ እማመ ናብዚ ደረጃዚ በጺሑ ንክዝርጋሕ ዝመጸሉ መስርሕ ብዝምልከት እውን ገሊጾም።

ካብዚ ሓሊፉ ደምበ ተቓውሞ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ናይ ደውታ ደረጃ ምህላዉ ብምርዳእ ብውድባትን ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኣካላትን ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ መተካእታ ከምዘየለ ክገልጹ ምጽነሖም እዚ እማመ ንክወጽእ ከም ዘተባበዐ ኣብዚ ኣኼባ ተንጸባሪቑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እዞም መብርሂ ዝሃቡ ኣሕዋት፡ እዚ እማመ ብቐንዱ ንርኢቶ ሰዲህኤ ዘንጸባርቕን ውድባት ዘማዕብልዎ ክፉት ኮይኑ ናይ ቅድመ ኩነት ባህሪ ከም ዘየብሉ ኣነጺሮም። ካልእ ኣብዚ ዝተጠቕሰ እቲ እዚ እማመ ኣተኲርሉ ዘሎ ቀዳማይ ምዕራፍ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና መሳርሒኡን ንክዕወት ግደ ሲቪካዊ ማሕበራት ዕዙዝ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ በብኩርናዑ ይካየዱ ንዘለዉ ህዝባዊ ምልዕዓላት ከም ዘተባብዕ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብቲ እማመ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት እምብዛ ከምዘይሕደሶም’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ዝተፈላለዩ ክበርህሎም ዝደልይዎም ሓሳባት ኣቕሪቦም። እዚ እማመ’ዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝቐርብ ዝነበረ ጸዋዒታት ብምንታይ ይፍለ፡ እዚ እማመዚ ምስ መን ኢና ከነተግብሮ፡ እዚ እማመ ምስቲ ተጀሚሩ ኣብ መስርሕ ዘሎ ንኡስ ጽላላት ብኸመይ እዩ ክመሓደር ዝኽእል፡ …… ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ኣቕረብቲ ኣብዚ ሕቶታት ተመስሪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣብዚ እማመዚ ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባትን መጸዋዕታ ዝቐርበሎም ዘሎ ወገናትን ሓደስቲ ኣይኮኑን። ምስኣቶም ክንሰርሕ ዝጸናሕና እዮም። እቲ ሓድሽ ዝኸውን ምስዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት ንፍልልያትና ብምውጋድ ዘይኮነስ ብምምሕዳር ብሓባር ዘስረሓና ካብ ተመኩሮና ዝተመሃርናዮ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ኣለና ዝብል እምነት ምዃኑ ጠቒሶም።  እዚ መጸዋዕታ ከምቲ ኣብቲ እማመ ብንጹር ሰፊሩ ዘሎ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ፍልልያቶም ዓቂቦም ኣብቲ ውሱን ዘሰማምዖም ነጥብታት ብሓባር ንክሰርሑ ዝቐነዐ ምዃኑ በቲ ክንሓልፎ ዝጸናሕና ተመኩሮ ኣሰንዮም  ኣብሪሆም። ከምቲ ኣብቲ እማመ ተጠቒሱ ዘሎ እዚ ሓሳብ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጽላላት ይኹን ግንባራት ዝትክእ ዘይኮነ፡ ንሳቶም ዝሓወሰን ዝያዳ ዝሰፈሓን ጽላል ኣብ ምፍጣር ዘተኮረ ምዃኑ ከኣ ተዘርዚሩ።

እዚ እማመ ካብ ዝወጽእ ንነጀውም በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ዝወሃብ ዘሎ ግብረመልሲ ዘተባብዕ ምዃኑ ኣብዚ ኣኼባ ተንጸባሪቑ። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ ምእማም ምጅማር እምበር መወዳእታ ስለዘይኮነ፡ ሎሚ ትማሊ ስለ ዘይኮነ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንዕንቀፎ ዝነበርና ከይሰጋእና፡ ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ኩሉ ዝምልከቶ ክጽዕተሉ ከም ዝግባእ ኣትሪሮም ተላብዮም።

Last modified on Monday, 19 June 2017 16:59