Print this page

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ሕ/መ/ኣን ካናዳን ዑደት የካይድ ኣሎ

2017-06-17 22:01:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3173 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዝነወሓ ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ብ15 ሰነ 2017 ኣብ በይኤርያ፡ካሊፎርኒያ ኣትዩ። ንሱ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝጸንሓሉ ኣብ ዝበጽሖ ቦታታት ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባታትን ሰሚናራት ጨናፍር ሰዲህኤን ከካይድ እዩ።

በዚ መሰረት ኣቦመንበር ሰደህኤ ቀዳም 17 ሰነ 2017 ኣብ በይኤርያ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ከካይድ እዩ። ንጽባሒቱ 18 ሰነ ድማ ኣብቲ ቦታ ምስ ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመያየጥ እዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣቦመንበር መንግስተኣብ 24 ሰነ 2017 ኣብ ሳንዲያጎ፡ ካሊፎርንያ ናይ ኣባላት ሰዲህኤ ክራኸብ እዩ። ቀጺሉ ድማ ብ25 ሰነ 2017 ካለኣይ ህዝባዊ ኣኼባኡ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ሳንዲያጎን ከባቢኣን ከካይድ እዩ። ካለኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካንዳን ዘካይዶም ኣኼባታት ብዝምልከት ዘካይደሉ ግዜ  ኣብ መጻኢ ክሕበር እዩ።

ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብዚ ዘካይዶ ኣኼባታት ዘተኩረሉ ዛዕባታት፡ ኣሻቓሊ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣዊ መሰልን ማሕበረ-ቁጠባውን ኩነታት ኤርትራ፡ ከምኡ እውን ዘይምኽኑይ ቀጻሊ ምክፍፋልን ደውታን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ፡ ከተኩረሎም ትጽቢት ዝግበረሎም እዮም። ብዘይካዚ ሰዲህኤ ቅድሚ 7 ዓመታት ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ክሓልፎ ዝጸንሐ ውሽጣውን ግዳማውን ብደሆታት ቆላሕታ ዝህቦ ጉዳይ ክኸውን እዩ። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘውጸኦ እማመ ንሰፊሕ ዘተ ምስ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ንሰፈሕ ናይ ሓባር ስራሕ መድረኽ ብዕምቆት ክበርህ እዩ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ ዑደቱ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋን) ካለኦት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዘለዉ ኣባላት መሪሕነትን ክስነ እዩ።

Last modified on Sunday, 18 June 2017 00:08