ኣኼባ ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ተኻይዱ

2017-05-31 08:35:46 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2663 times

ብዕለት 28.05.2017 ጨንፈር ፍራንክፎርት ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን እንቋዕ ድማ ኣብ መበል 26 ጽንብል በዓል ነጻነት ኣብጽሓና ብምባል ድሕሪ ምኽፋቱ ኣብቲ ኣጀንዳታቱ ተኣትዩ። ዝነበረ ስጀንዳታት ድማ ፡-

1 - ዲሲፕሊን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ምትራር፤

2 - ህልዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤

3 - እገዳ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፤ ዝብሉ ኔሮም።

ውሻጣዊ ዲሲፕሊን ሰልፊ ምሕላው፡ ንጽፈትን ጸረ ግሕምጥናን ኣሰራርሓ ስለ ዝሕግዝ ተሪርና ክንሕዞ ከም ዘሎና ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉ።

ቀጺሉ ድማ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዝምልከት ሓፈሻውን ቦታውን ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ። ኣብዚ ሓበሬታታት‘ዚ ድማ፡ ኣብዚ ቅንያት‘ዚ መበል 26 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ክንጽንብል ከም ዝቐነናን፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ሰርዓት ህግደፍን ድማ ንበበይኑ ዕላማታት ከነብዕሎ ከም ዝቐነናን ኣኼበኛ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ። ኣዚ ማለት ድማ ስርዓት ህግደፍ ን26 ዓመታት ነዚ በዓል‘ዚ ከብዕሎ እንከሎ፡ ንውልቃዊ ዝንኡን ንመሸቀጥን ዝጥቀመሉ ከም ዝነበረን ርዱእ ክኸውን እንከሎ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ግና ነቲ ብቓልስን መሪር መስዋእትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ጨውዩ፡ ኣብ ናይ ውልቃዊ ረብሑኡ ዝቐየሮ  ስርዓት ህግደፍ ክንምክቶን ስልጣን ናብ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ክምለስን ሓደራ ስዉኣትና ከይንጠልምን ኣትሪርና እንቃለሰሉ መነሃርያ ቃልስና ጌርና ከነብዕሎን ከም ዝቐነና‘ውን ኣኬበኛ ኣስሚሩሉ።    

ብድሕሪኡ ዝሰፍሐ ምርድዳእ ብዛዕባ ኣብ‘ዚ ወርሒ‘ዚ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ክካየድ ዝወርሐ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት እዩ ኔሩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንመንእሰያት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ፡ ኣታሊሉ ኣተሓሳስባኦም ንዲክታቶርያዊ ስርዓት መሳርሒ ክኾነሉ ዝኽእል ሰሚናራት ጌርካ ንምጥምዛዙን ምምልማሉን፡ ኣብ ኤውሮጳ ምፍርራህ ዝተሓወሶ ጽዑቕ ኣኼባታት ናይ መንእሰያት ከካይድ ቀንዩ እዩ። ነዚ ንምምካት ድማ፡ ብኩላቶም ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ ብመንእሰያት ናህሪ ዝተሓወሶ ሰላማዊ ሰልፍታት ክግበር ወሪሑ። ኣኼበኛ ድማ ነዚ ኣብ ሆላንድን፡ ስዊድንን፡ ዓዲ እንግሊዝን፡ ጀርመንን (ፍራንክፎርት፡ ስቱትጋርድ፡ ኮልን፡ ካስል) ብደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣሞጒሱ።

Frankfurt Branch 28.05.2017 2

 

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገርና ኩሉ መሰላትና ግሂሱ ከይንዛረብ ኣፍና ዓቢሱ፡ ኣብ ባርነት ዘንብረናን ዝገፍዓናን ዝነበረ ከይኣኽሎ፡ ሕጂ ድማ ደድሕሬና ስዒቡ ኣብ‘ዚ ዓዲ ዲሞክራሲ ቅሳነት ክኸልኣና እጓየ ስለ ዘሎ ዕድል ክንህቦ ኣይግበኣናን እዩ፤ ኣብ ሕጊ ናይ ዘሎናዮ ሃገራት ተሞርኲስና ከይፈራህና ክንዛረብን ክንምክቶን ኣሎና ብምባል ኣኼበኛታት ቃልሶም ከትርሩ ከም ዘለዎም ተመባጺዖም።

እቲ ካብ ኩሉ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደ ዘዘራረበ ጉዳይ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣውሪዱዎ ዘሎ እገዳ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ብኣህጉራዊ ትካላት ተኣጊደ ኢሉ ብዙሕ ክግዕር ንሰምዖ ኣሎና። እቲ እገዳ ግን ባዕሉ እቲ ስርዓት እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጀሚሩዎ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ቅዋማዊ ምሕደራ ከይህልዎ ተኣጊዱ፡ ናይ ምንቅስቓስ፡ ምዝራብ፡ ምሕራስ፡ ንግዲ፡ እሱራት ቤተሰብካ ምብጻሕ፡ ገዛ ምስራሕ፡ ናይ ሰሪሕካ ምብላዕ፡ መሰል ፕረስ፡ መሬትካ ምውናን፡ ውሉድካ ምውናን፡ ትምህርቲ፡ ውደባ፡ ናይ ሃይማኖት መሰል፡ ብመንግስቲ ክወሃብ ዝግብኦ ቀረብ (ማይ፡ ኤለትሪክ ኣገልግሎት ጥዕና)፡ ኣብ ዓድኻ ብሰላም ምንባር፡ ሬሳኻ ኣብ ዓድኻ ምቕባር ከይተረፈ፡ ወዘተ… ብሓፈሻ ኩሉ መሰላቱ ተኣጊዱ ከም ዘሎ ባኼበኛታት ብዝርዝር ተዘራሪቦሙሉ። እዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኣውሪዱዎ ዘሎ እገዳ ንምምካቱ እምበኣር ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኢና እገዳ ክንገብረሉ ዝግባእ። እተን ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣካይደን ዝተዓወታ ሃገራት፤ ኣብ ልዕሊ ገዛእተን ወጻእተኛታት ይኹኑ መለኽቲ ደቂ ሃገር፡ ብኣንጻር እቲ እገዳታት ናይ መለኽትን ገዛእትን፡ ህዝበን እገዳታት ኣብ ልዕሊ መለኽቱን ገዛእቱን ብምግባር፡ ብኣብያ ወይ እምቢታ ወይ‘ውን ህዝባዊ ናዕቢ ብምጉህሃር ምዃኑ ብቑዕ ኣብነት እዩ። ስለዚ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኩልና፡ ሓድነትና ኣትሪርና ነዚ ዝእግደና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እገዳታት ክንገብረሉ ከም ዘሎና ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።

በዚ ድማ ልክዕ ሰዓት 4፡30 ኣኼባ ብዝክረ ሰማእታት ተዛዚሙ።

 

      

Last modified on Wednesday, 31 May 2017 10:48