Print this page

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-05-10 18:58:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2393 times
Rate this item
(0 votes)

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ7ን 8ን ጉንበት 2017 ስሩዕ ኣኺኣቡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ድሕሪ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ን5ይ ግዜ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ ጸብጻባት ሰሚዑን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱን። ድሕሪኡ ድማ ኣብቲ ጸብጻባት ኣድላይ ምትዕርራያት ብምክያድን ኣድላይ ዝበሎ ውሳነታት ብውሳንን ከም ሰነዳት ሰልፊ ኣጽዲቕዎ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ርእሲ እዚ ጸብጻባት፡ ኣገደስትን እውናውያንን ኣብ ዝበሎም ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ዞናውን ጉዳያትት ተመያይጡን ገምጊሙን። ኣብዚ  ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም፡ ውሽጣዊ ሃለዋትን መስርሕ ተሓድሶን ሰልፊ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢና ዘካይዶ ዘሎ ዘይንጹር ዝምድናታትን ሓደገኛ ሳዕቤናቱን፡ ጉዳይ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጥሮ ዘሎ ረቂቕ ኣገባብ ጭቆናን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ኣሉታዊ ሳዕቤንን፡ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ወጻኢ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕዉት ቃልስን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝምድናኡ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከተኣታትዎ ዝደሊ ዘሎ ሓድሽ ፖሊሲን ዘበገሶ ክተዓትን  ዝተፈላለዩ ወገናት ዝህብዎ ዘለዉ ግምታትን ካብቶም ግቡእ ግዜ ወሲዱ ዝተመያየጠሎም እዮም።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ብፉሉይ ዝገምገሞም ዛዕባታት፡ ንዝጸንሖ ሰልፋዊ መርገጺ ዳግማይ ኣነጺሩ። ጉዳይ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዘይስገር መሰረታዊ ጉዳይ ክነሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ምዃኑ መዚኑ፡ ንመጻኢ ንምብርባሩ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰደህኤ እጃሙ ከበርክት ድልዊ ምህላዉ ኣመልኪቱ።  ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ኣብ ሃገር ሆላንድ ጀሚሩ ዘሎ መኸተ ኣንጻር ህግደፍ ምቕጻሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቡ። ሓድሽ ፖሊሲ ዝምድና መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሰላምን ርግኣትን ክልቲኡ ህዝብታት ዘውሕስን  ልኡላውነት ኤርትራ ዝዕቅብን ክኸውን ዘለዎ እምነት ኣነጺሩ።

ኣብ መወዳእታት ፈጻሚ ሽማግለ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰልፊ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝቐረብሉ ለበዋታት መዚኑ። ድሕሪ ሚዛን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ውሳነታት ክውስን እንከሎ፡ ናብ ማእከላይ ባይቶ ክምርሑ ዝግበኦም ጉዳያት ድማ ኣለልዩ። ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰህኤ ብመሰረት ዓንቀጽ 6፡2፡4 ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ዓመት 3ተ ግዜ ዝካየድ እዩ።

Last modified on Wednesday, 10 May 2017 21:02