Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ቃለ-መጠይቕ

2017-05-07 14:48:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2931 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ወርሓዊ ኣስተምህሮኣዊ መደብ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ቃለ መጠይቕ፡ ትርጉሙ፡ ኣተገባብራኡን ኣገዳስነቱን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብዚ ናይ 6 ጉንበት 2017 መደብ ኣስተምህሮ ዝሃበ ኣቶ ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰህኤ እዩ። ኣቶ ደበሳይ ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ካብቲ ሰፊሕ ትርጉም ቃለመጠይቕ ዝተወሰነ ነጥብታት ጠቒሹ። ከም ሓፈሻዊ መግለጺ “ቃለመጠይቕ ኣብ መንጎ ሓታትን መላስን ዘሎ ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን እዩ” ብዝብል ጠቒሱ።

ብዘይካዚ ቅድሚ ቃለ መተይቕ ምክያድ ክግበር ዝግበኦ ምድላው፡ ዓይነታት ቃለመጠይቕ፡ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ዝልከዓሉ ነጥብታት፡ ቃለ መጠይቕ ዝካየደሉ ዛዕባ ምስ መረጽካ ዘተግብሮ ኣካል ኣብ ምምራጽ ዝግበር ጥንቃቐ፡ ቃለ መጠይቕ ከካይድ ዝተመዘ ክኢላ ከካይዶ ዝግበኦ ቅድመ ምድላውን ምድላው መሳርሕታትን ዝብሉ ዛዕባታት ካብቶም ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበሎም ነጥብታት ነይሮም። ኣስዒቡ ድማ ቃለ መጠይቕ ክድገፍ ዝግበኦ ተረኽቦ ንምስፋሕ ጥራይ ዘይኮነ ክቃላዕ ዝግበኦ ንምቅላዕ እውን ከም ዝካየድ ኣብሪሁ።

ቃልለመጠይቕ፡ ካብኡ ነቒልካ ሓተታ፡ ዜና፡ ርእሰ-ዓንቀጽን ጸብጻብን እተዳልወሉ፡ ናይ ኩሉ ጋዜጣዊ ስረሓት መበገሲ ስለ ዝኾነ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣብዚ ኣስተምህሮ ተገሊጹ። ንቓለመጠይቕ ከቢድን ጥንቃቐ ዘድልዮን ካብ ዝገብርዎ ጉዳያት፡ ኤክትሮኒካዊ መሳርሒ ጠዊቕካ ከም ዝሰርሕ ምግባር ዘይኮነ፡ ክኢላ ሰብ ብዛዕባቲ ከም ሸቶ ዝሓዝካዮ ዛዕባ ከም ዝዛረብ ምግባር ስለ ዝኾነ ምዃኑ ኣቶ ደበሳይ ኣብቲ ስተምህሮኡ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቃለ መጠይቕ ከም ኩሉ ጋዜጣዊ ዛዕባ ናይቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ህርኩትና ዝሓትትን ምስ ኩለመዳያዊ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ከይቀየረ ኩነታት ኣብ ግምት እንዳእተወ ዝለዋወጥን እምበር ከም ተፈጥሮኣዊ ሳይነስ ብዘይቅየር ከዋሚ ቀጥዕታት ዝቕየደ ከምዘይኮነ ገሉጹ።

ድሕሪቲ ኣስተምህሮ ኣብ ዝተኸፍተ መድረኽ እቶን ርኢቶን ምስተኸፍተ፡ ተሳተፍቲ ብሓባራ ኣገዳስነት ናይቲ ኣስተምህሮ ኣንጸባሪቖም ከምዚ ዓይነት መድረኽ ምሕያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ብዛዕባ ኣገደስቲ ዛዕባታት ቀጻሊ ክኸውን ተላብዮም። ካብዚ ሓሊፍ እቲ ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጸቢብ መድረኽ ብዝዓሞቐ ኣገባብ ዝካየደሉ መደብ ክስራዕ፡ በዚ ኣስተምህሮ ብዝረኸብናዮ ግንዛበ ብዘለና ዓቕሚ ናብ ተግባር ክንዋፈር ይግበኣና፡ እዚ ኣስተምህሮ ብደረጃ ጽሑፍት ተዳልዩ ክዝርጋሕ ዝብሉ ቅቡላት ሓሳባት  ቀሪቦም።

ብዘይካዚ፡ ካብ ሓደ ኣካል ሓበሬታ ንክንረክብ ክንሓቶ ዝግበኣና ሕቶ ብኸመይ ንውስን? ኣብ መስርሕ ቃለመጠይቕ፡ ሓታቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሓተቲ (ወሃብቲ ቃለመጠይቕ) ኮይና ክንቀርብ እንከለና ክንክተሎ ዝግበኣና ኣገባብ ከመይ እዩ?፡ ዝብሉን ካለኦት ኣብ ሓፈሻዊ ሚዛናዊ ኣሰራርሓ ሚድያ ዘተኮሩን ሕቶታት ቀሪቦም ብወሃቢ ኣስተምህሮን ተሳተፍትን መልሲታት ተዋሂብዎም።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ደበሳይ ቃለመጠይቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ስረሓት ዜና ብባህሪኡ ብዙሓት ዝሰምዕዎ፡ ዘንብብዎን ዝዕዘብዎን ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ዝሳተፍዎ ስለ ዝኾነ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣስተምህሮ ኣብ ምሕያል ዜናዊ ስረሓት ሰልፊ ዘዝዓቕሞም ከወፍዩ ተላብዩ። ነቲ ናይ ኣስተምህሮ መደብ ንዝወደበ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ብፍላይ ከኣ ክፍሊ ፓልቶክን ተሳተፍትን ከኣ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

Last modified on Sunday, 07 May 2017 16:52