Print this page

ሓቢርና ንቃለስ፣ ምልኪ ክድምሰስ!!

2017-05-03 18:49:14 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማግለ Published in EPDP News Read 2172 times
Rate this item
(0 votes)

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 04-06 ነሓሰ 2017 ዝካያድ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ  ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ምድላው ዘሎ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ብዕለት 01.05.2017 ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ምስንዳእ ንምግምጋምን መጻኢ ስራሓት  ፈስቲቫል ኣብ ምምላእ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትታት ንምርኣይን እዩ ነይሩ።

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2017፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ሓያሎይ ኣገደስቲ መደባት ንምእንጋድ ኣብ ምስራዕ ኣብርእሲ ምህላዉ ብፍላይ ብምትእስሳር መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መድረኻውያን ዝኮኑ ድራማታትን ኩነታት መእሰያት ኤርትራ ዘመልክት ኣስተምህሮታት  ኣብምስንዳእ ብምህላዎምን ፍሉይን ኣገዳስን ዝገብሮ ምንኑ ርእዩ። ብዘይካዚ ፈስቲቫል ኮነ ካልእ ኣንጻር ምልኪ ደው ብዝበሉ ተቓወምቲ ኣካላት ዝጽዋዕን ዝዳሎን ዕማማት ናይ ኩለን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልትትን ማሕበራትን  ስራሕ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ዓዳምን ተዓኣምን ዘድልዮ እዃ እንተዘይኮነ፡  ዝጸንሐ ኣታሓሕዛ ዕድመ ዳግመ ግምት ከምዘድልዮ ተሓቢሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ናይዚ ዓመት ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ሓቢርና ንቃለስ፣ ምልኪ ክድምሰስ!! ኣብትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ክካየድከምዝኾነ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ፈስቲቫል 2017 ፍራንክፎርት ውራይ ናይ ኩልና ምኑ ተገንዚቡ ንኽሳተፍ ደጊምና ብኽብሪ ነዘኻኽር።

 

Last modified on Wednesday, 03 May 2017 21:08