ትማሊ ዕለት 07/04/2017 ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 14.53 ኣብ ድሮትሪንግስ ጋታን ዝተባህለ ዓቢ ጎደና ርእሲ ከተማ ስቶኮልም ሃገር ሽወደን ዝርከብ፡ ሓደ ኣሸባሪ ሓንቲ ናይ መግቢ መመላለሲት ዓባይ መኪና ጨውዩ ትኽ ኢሉ ኣብ ዓቢ ዱኳን ኦለንስ ሰላማዊ ህዝቢ ረጊጹ 4 ሰባት ክመቱ ከሉዉ 15 ሰባት ድማ ቆሲሊም። እቲ ሰዓት 20.00 ናይ ምሸት ኣብ መርሽታ ዝተባህለ ዞና ስቶኮልም ብጭቡጥ ምኽንያት ተታሒዙ ዘሎ ገባር እከይ፡ ካብ ኡዝበኪስታን ወዲ 39 ዓመት ከምዝኮነ ፖሊስ ሃገር ሽወደን ሓቢሩ።
መራሕ መንግስቲ ሃገረ ሽወደን ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ጉባኤ ናይ ሕብረተሰባዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ንምቅናዕ ኣብ ዮተቦርግ ይንበር እምበር፡ እቲ ኣሕዛኒ ፍጻሜ ምስተሰምዐ ብቅጽበት ንስቶኮልም ተመሊሱኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ዕንባባ ኣቐሚጡ ። ንጊዜይኡ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ገይሩ ንጡፍን ጽኑዕን ቁጽጽር ከተማታትን ዶባትን ሽወደን ክግበር ወሲኖም። እቲ ፍጻመ ንሙሉእ ዓለም ኣሻቂሉ ስለ ዘሎ፡ ኩሉም መራሕቲ ሃገራት ምሕዝነቶ ምስ ህዝብን መንግስቲ ሽወደን ይገልጹ ኣለዎ።