Print this page

ዝኽሪ መበል 103 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

2017-03-15 20:20:01 Written by  ወኪል ዜና ሰ.ዲ.ህ.ኤ.ስቶክሆልም Published in EPDP News Read 2776 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኽሪ መበል 103 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኣባላት 

ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨናፍር ስካንዲናቭያን ከቢሩ ኣምስዩ ።        

ብዕለት 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም.ፈ. ብተሳታፍነት ምሉኣት ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ነብርቲ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያንን  መሪሕነትን ኣባላት ደምበ ተቋዉሞን ኣብ ሸወደን ዝተሳተፍዎ መብል 103 ዓመታት ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ሓርነት ጓል ኣንስተይቲ ክረጋገጽ ኣተሓሳስባ ደቂ ተባዕትዮ ይማዕብል !!! ዝብል መሪሕ ጭርሖ ከቢሩ ኣምስዩ።

እቲ ዝኽሪ ብኣባል ማእከላይ ባይቶን ምክትል ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅን፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ወ/ገርጊሽ ነጋሽን ዝተዋህበ መግለጺ ፡ ኣብዚ ምዕቡል ጊዜ ብዓለም ደረጃ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዋዕሮ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ  እዛ ፍርቂ ኣካል ሕብረሰብና ዝኾነት ዝወርድ ዘሎ ድርብ ወጽዓ ግፍዕን ዘርዚረን ምስ ኣቅረባ ብሓልዮታውን ኣታባብዕን ክትዕን ደገፈታን እቲ ዝኽሪ ሃብቲሙ ክሳብ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ምስዮት ከም ዝነበረ ወኪል ዜና ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ካብ ከተማ ስቶክሆልም ሓቢሩ።

Last modified on Wednesday, 15 March 2017 21:28