ድርቅን ሕጽረት መግብን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ

2017-03-02 19:23:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2169 times

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ኤልኒንዮ እተባህለ ንፋስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድርቅን ናይ ጥሜት ሓደጋታትን ተኸሲቱ ኣሎ። በዚ ድርቂ’ዚ ዝተሃሰያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ከንያ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ኢየን። ኣብ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ናይ ህይወት ኣድሕን ህጹጽ ጻውዒት ብወግዒ ተኣዊጁ ኣሎ። ብዛዕባ ኤርትራ ግን ዛጊት ብስርዓት ህግዲፍ ይኹን ብናይ ረዲኤት ትካላት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

 

ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ርእሲ’ቲ ድርቂ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ውግኣት እውን ነቲ ኵነታት ዝያዳ ከምዝብእስ ገይሩ ኢዩ።

 

ብሰንኪ’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ድርቂ እንስሳታት ክሞታ ምጅማረን ጥራሕ ዘይኰነስ ዋግአን እውን ባይታ ዘቢጡ ኣሎ። ሓረስታይ ከብቱ ሸይጡ ንስድርኡ ክዕንግል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወዲቑ ኣሎ። ብኣንጻሩ ድማ ናይ ኣእካል ሕጽረት ስለዝተኸስተ ዋጋ ኣእካል ሰማይ ዓሪጉ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ዝናም እንተዘይተረኺቡን ህጹጽ ረዲኤት እንተዘይተገገይሩን ድማ፡ ሳዕቤኑ ቀሊል ከምዘይከውን ነቲ ኵነታት ዝከታተሉ ዘለዉ ክኢላታትን ናይ ረዲኤት ትካላትን የጠንቅቑ ኣለዉ።

 

ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወጻኢ እውን ኣብ ናይጀርያን የመንን ናይ ጥሜት ደመና ይዝምቢ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ናይ ዜና ምንጪታት ይሕብሩ ኣለዉ።

Last modified on Friday, 03 March 2017 09:59