Print this page

ኣብ ኤርትራ ዕሸላት‘ውን ግዳይ ግፋ ይኾኑ ኣለዉ

2017-02-03 09:12:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2167 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት ቀውዒ ዝበጽሑ ደቆም ናብ ግዱድ ኣገልግሎት ዝተወስድዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን፡ ብደቂ-ደቆም እውን ክሕገዙ ከም ዘይከኣሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ኤርትራ ገይሾም ናብቲ ዝነብርሉ ወጻኢ ሃገር ዝተመልሱ ምንጭታት ሓቢሮም። ከም ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት እዞም ዝኣኸሉ ደቆም ብግፋ ዝተወስድዎም ሽማግለታት ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣኑ ካብ 14 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ-ደቆም ናብ ስረሓት ቀውዒ ምስ ኣዋፋሩ እቶም ህጻናት እውን ብሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ከም ዝተገፈፉን ናበይ ከም ዝተወስዱ ከም ዘይለጡን ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ብዕድመ ንዝደፍኡ ዜጋታት መሬት ኣይወሃብን ዝብል ዘይፍትሓዊ ሕጊ ስለ ዝወጸ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት እታ ሃገር ተቓውሞታት የስዕብ ከምዘሎ እዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ምንጭታት ይሕብሩ። ዋላ‘ኳ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት „መሬት እንተዘይተዋሂብዎም ደኣ ብምንታይ ክነባበሩ“ ዝብል ሕቶታት ይልዓል እንተሃለወ ላዕለዎት ሰብ መዚ ናይቲ ስርዓት ግና ክምልስዎ ከም ዘይደለዩ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ምናልባት ብዝሕን ዋሕድን ስድራቤት ወይ ተወሳኺ ኣታዊ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ካብ ምሉእ መገበር ኣትሕት ኣቢልካ ምዕዳል ሓደ ጉዳይ ምዃኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ግና ንሰባት ኣብ ገዛእ ሃገሮም እሞ ድማ ኣብቲ ዝያዳ ኣላዪ ዝደልይሉ ደረጃ ዕድመ መሬት ኣይግበኣኩምን ምባል መወዳድርቲ ዘየብሉ በደል ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ተጋዳላይ ይኹን ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘገልገሉ ዘረጋግጽ ወረቐት ዘለዎም እንተዘይክይኖም ካብዚ ውጻኢ ብዜግነትካ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ምውፋር ከምዘይፍቀድ ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ወገናት ይምስክሩ።

Last modified on Friday, 03 February 2017 10:16