Print this page

ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ ምስ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቦም

2017-01-27 10:11:31 Written by  መሃዘ/ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2469 times
Rate this item
(0 votes)

ጋዜጣዊ መግለጺ መሃዘ/ሰደህኤ

 

ኤርትራዊ ልኡኽ ተሓላቒ ደሞክራሲ ብ23ን 24ን ጥሪ 2017 ኣብ ጀነቫ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን፡ ላዕልዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታትን ተራኺቡ። እቲ ልኡኽ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣባል ቦርድ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን ኤሪ- መድረኽን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሰደህኤን ዝርከብዎ እዩ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ኣገዳሲ  ርክብ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን፡ ኤርትራውያን ሃገሮም ክለቁ ዝድርኹ ዘለዉ ረቛሒታት፡ መንእሰያት ኤርትራ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝውሕዝሉ ዘለዉ ጠንቅታት፡  ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መደበር ስደተኛታትን ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን፡ ግደ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ዝጽበዮ ግደታን ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት። ከምኡ እውን ሓላፍነት ናይተን ስደተኛታት ዝዓርፉለን ሃገራትን ከዳልዋሎም ዝግበኣን መዕረፊ፡ ክህባኦም ዝግበአን ውሕስነትን ናይ ምንባርን መነባብረኦም ዝመርሕሉ ኣታዊ ዝረኽብሉ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝብሉ እዮም።

እቶም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ነዚ ኤርትራዊ ልኡኽ ብዛዕባቲ፡ ላዕለዎት ኪሚሽነራት ሰብኣዊ መሰልን ጉዳይ ስደተኛታትን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘገብርዎ፡ ንምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ርክባት መብርሂ ሂበምዎም። ምስዚ ኣተሓሒዞም እቶም ሓለፍቲ ርኢቶኦም ኣብ እዋናዊ ኣድማሳዊ ገምጋም፡ መንግስቲ ኤርትራ በቲ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘይጸነዐን ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል እዚ ዝበሃል ኣውንታዊ ውጽኢት ከም ዘየመዝገብ ገሊጸምሉ።

ኣቲ ኤርትራዊ ልኡኽ ተሓላቒ ደሞክራሲ፡ ነቲ መብርሂ ምስ ሰምዐ ኣብ ኤርትራ በቲ ስርዓት ካብ ዝፍጸሙ ዘለዉ በደላት እቶም ቀንዲቀንዲ ኣምዝጊቡ። ካብቶም ዝጠቐስዎም፡ ሜላውን ሰፊሕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ደረት ዘየብሉን ብዘይክፍሊት ዝካየድን ግዱድ ኣገልግሎት፡ ንሕስያ ዘየብሉ ፖለቲካዊ ጭቆና፡ ምንፋግ ንቡር ስድራቤታዊ መነባብሮን ስሩዕ ትምህርትን ከምኡ እውን ሕሱም ቁጠባዊ ድኽነት።

ኣብዚ ርክብ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምምሕያሽ ኩሉ ዝኽእልዎ ክገብሩ ድልዋት ምዃኖም ቃል ኣትዮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ኤርትራውያን ጉዳዮም ኣብ ምዕራይ መሪሕ ግደ ክሕዙ ከም ዝግበኦም ኣዘኻኺሮም። ኤርትራውያን  ዕዉት ውጽኢት ከመዝግቡ ዘለዎም ተስፋ ከኣ ገሊጾም። ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት በገኖም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ወገናቶም ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሳተፉ ዘለዎም ተስፋ ጠቒሶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዞባን መላእ ዓለምን፡ ከምኡ እውን ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ጉዳይ ስደተኛታትን ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ናይ ሓባር ረቛሕታት ንምርካብ፡ ተራኺብካ ዘተን ምልውዋጥ ሓበሬታን ቀጻሊ ክኸውን ተሰማሚዖም።

Last modified on Friday, 27 January 2017 11:19