Print this page

መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ገምጋም ስርሑ ኣካይዱ

2017-01-03 17:47:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2494 times
Rate this item
(1 Vote)

ሽማግለ ዞባ እው ሰዲህኤ ካብ ዕለት 11 ነሓሰ ክሳብ  30 ታሕሳስ 2016  ኣብ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ዘካየዶም  ንጥፈታት ሓፈሻዊ ገምጋም ኣካይዱ። ኣብዚ ገምጋሞም ብመሰረት ሒዘምዎ ዝነበሩ መደባት ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ከም ዘለለዩ፡ ኣብቲ መሪሕነት ዞባ ሓላፊ ዜና ሓው ጐይተኣኦም መብራህቱ ሓቢሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ብኣኦመንበር መሪሕነት እቲ ዞባ ኢሳቕ ወልደማርያም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ውን ዓሚቕ ገምጋም ኣካይዱ።

ካብዚ ብምቕጻል እቲ ርክብ፡ ንምንቅስቃሳትን መደባትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዞባ እውሮጳ ብትኹረትን ብምስትውዓልን መዚኑን ገምጊሙን። እቲ ኣኼባ ስርዓት ህግደፍ ነቅነቅ ዝበል ዘሎ ስርዓት ብምዃኑ ክሳብ  ክንድዚ ነዊሕ ዕድመ ክህልዎ ኣይምተገበኤን ኢሉ። ነንሕድሕዶም ከም ዓሳ ዝበላልዑ፡ ብብልሹዉናን ትምክሕትን ዝተላዕጠጡ ህዝቢ ክመርሑን ሃገር ከልምዑን ዓቅሚ ዝሰኣኑ ኣብ ሽፍትነት ዝተዋፈሩ ኣብ ሕግን ሓቅን ዘይኣምኑ ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ዘለዉ ምዃኖም እቲ ዞባዊ መሪሕነት ከም ዝመዘነ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። መራሕቲ ህግደፍ ብትብዓትን ትወፋይነትን ተቃሊስካ ከም ዝሰዓሩ  ጥርጥር ከም ዘይብሉ ከኣ እቲ መሪሕነት ዞባ ተገንዚቡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህግደፋውያን ንኹለን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ማሕበራትን ኣብያተ-ክርስትያንን፡ ነዓና ክትመስላ ኣለክን ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ላዕልን ታሕትን የብሉወን ከም ዘለዉ ኣብቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ተመልኪቱ። ትእዛዛት ኣካላ ስርዓት ህግደፍ  ንምርዳእ ከኣ እዚ ዝስዕብ ምጥቃስ ይከኣል።

1. ኩለን ማሕበራትን ኣብያተ- ክርስትያናትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበረ-ኮም  ህግደፍ ተቐይደን

   ጥሙር ማሕበር ከቑማ።

2. ጸብጻብ ብዝሒ ኣባላተንን ወርሓዊ ኣኼባታትን ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፍራንክፉርት

ከቕርባ።

3. ገንዘባዊ ጸብጻባተን ከቕርባ።

4. ነብሲ ወከፍ ማሕበርን ቤተ ክርስትያንን ኣብ ዓመት ካብ 100 ክሳብ 300 ኢዩሮ (Euro) ብመንገዲ ማእከላይ

   ቤት ጽሕፈት ማሕበረ-ኮም ፍራንክፉርት ናብ ህግደፍ ከረክባ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ዞባዊ መሪሕነት ሓፈሻዊ ሚዛኑ እንቢሩ። በቲ ሚዛኑ መሰረት፡ ካብቲ ምንጽጻግን ዘይምክብባርን ዝነበረ ናይ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራውያን ተኣሪሙ፡ ኣብ ምክብባርን ምትሕልላይን ተሳጋጊሩ ኣብ ጽቡቅ ሃዋሁው ተበጺሑ ከም ዘሎ መዚኑ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ ክውንነት ተበጊሶም ኣባላት ሽማግለ ዞባኤውሮጳ ሰደህኤ ኣብ ናይ  23 ታሕሳስ 2016 ስሩዕ ኣኼቦኦም “ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጸላኢና ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ይቅናዕ” ዝብል ጨርሖ ኣምሪሖም ምስ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ሓይሊታት ኤርትራውያን ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ሓቢሮም ክሰርሑ ተዳሊዮም ኣለዉ ኢሎም።

መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሕስያ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ግዜ  ቀውዒ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ግፋውን ተዛራሪቡ። ዉጺኢት ግፋ ስርዓት ህግደፍ ቡዙሓት ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ካብ ዝፈትዉዎም ወለዶም፡ ዓዶምን ሃገሮምን ተባሪሮም ኣሰር ቀዳሞት ኣሕዋቶም ተኸቲሎም ናብ ኢትዮጱያን ሱዳንን ኣትዮም ሕሱም ናብራ ስደት ይነብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም።  እቶም ክንደይ ሽግርን መከራን ሓሊፎም በሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያትን ኤርትራውያን ብሰሪ ሕማቅ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ንኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ እንተኾነ’ውን ኣይስራሕ ኣይትምህርቲ ካብ መጻኢ ዕድላቶም ተማዛቢሎም ከም ዘለው ንኹሎም ደለይቲ ጽቡቅ ኤርትራውያን ሕቡእን ስዉርን ኣይኮነን። ነዚ ሃገራዊ ክሳራ ተገንዚቦም ሽማግለ ዞባ እውሮጳ ሰደህኤ ብዛዕባ መንእሰያትን ኤርትራ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ወሲዶም ኣብ 2017 መጽናዕቲ ከካይዱ ተሳማሚዖም። ኣብ መወዳእታ ኣኼቦኦም ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ 2017 መደብ ዕዮኦም ተሊሞም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ኣለዉ ከም ዘለዉ እቲ ካብ ሓው ጐይተኦም መብራሕቱ ዝረኸብናዮ ዜን ገሊጹ።

Last modified on Tuesday, 03 January 2017 18:55