Print this page

ሓድሽ ዓመት 2017 ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ከቢሩ።

2017-01-02 21:02:38 Written by  ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሰሜን አመሪካ Published in EPDP News Read 3788 times
Rate this item
(0 votes)

 ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ከተማ ኦክላንድ-ካሊፎርንያ ተኣኪቦም ን2017 ዓ.ም.ፈ፣ ተስፋ ዝመልኦን ሰናይ ሓድሽ ዓመትን ክዀነሎም ብሓድሽ መንፈስ ክቕበሉ ብሓባር ኣኽቢሮሞ ሓዲሮም። እቲ በዓል ብሓልዮት ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበር “በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ”  ዝተዳለወ እዩ ነይሩ። እቲ ሰፊሕ ኣዳራሽ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብተሳተፍቲ፣ መብዝሕትኦም መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መሊኡ ኣምስዩ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝተኸታተልናዮ፡ ምሉእ ዓለም ንሓድሽ ዓመት ምስ ፖለቲኮ ማሕበረ-ቍጠባዊን ባህሉን ኣዛሚዱ ዝሓለፈ ዓመት ዓጽዩ ንሓድሽ ዓመት ሓድሽ መደባት ሰሪዑ ዝኣትዎ እዩ። ነቲ ህሞት እቲ ድማ ብናይ ደስ-ደስ ውራያትን ሳዕስዒትን እዩ ዘሕልፎ። ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብወናማት ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ንዝተፈላለየ ባህላዊ ጸወታታት ኤርትራ እናበራረዩ ከስዕስዑና ሓዲሮም። መደብ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ፣ ስኒት፣ ፍቕሪ፣ ሓጎስን ሓድነትን ዝሰፈኖ ሃዋህው ኰይኑ እዩ ተዛዚሙ።

ሓድሽ ዓመት፣ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብድሆታትን ዓወታትን ገምጊምካ ብምዕጻው፣ ብሓድሽ ምድላዋት ንናይ መጻኢ ብድሆታትን ጸጋታትን፣ ካብ ዝሓለፈ ዝሐሸን ዝበለጸን ውጽኢት ንምዕዋት እትዕጠቐሉ እዋን እዩ። ናይ ዝሓለፉ ዘየዐውቱ ውጥናት፣ ልምድታትን ጥዕና ዘይህቡ ወልፍታትን ኣመላትን ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝጕሓፍሉን ብኣዎንታዊ ልምድታት ንምትካእ ውሳኔ ዝግበረሉን እዩ’ውን። ገለ ንምጣስ፡ ብውልቀ ደረጃ፡

ናይ ሽጋራን ንዕኡ ዝመስሉ ወልፍታትን ደው ምባል፡ ዓቐን ዝሓለፈ ምስታይን ስኽራንን ደው ምባል፡ ጥዕና ዝህብ ኣመጋግባን ምውስዋስ ኣካላትን ንምዝውታር ዝውሰነሉ እዋን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ብእኩብ ንኣብነት ከም ህዝቢ ኤርትራ ድማ “ዘለናዮ ግዝኣተ ምልክን ጭቆናን ኣብቂዑ፣ ናብ ብስርዓተ ሕግን ደሞክራስን ዝሰፈኖ ምሕደራ እንሰጋገረሉ” ዓመት ይግበረልና እትብለሉ እዩ። 

ኣብ ዓለምና ኣብ ገለ ውግእ፣ ኣብ ገለ ድማ ሽበራ ዝፍጸመሉ ከባብታት እናበዝሐ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ብሞትን መቝሰልትን ካብ ዝሓለፉ ንምጥቃስ፡

ተስፋ ዝመልኦን ሰናይ ሓድሽ ዓመትን ክዀነሎም ብሓድሽ መንፈስ ንምኽባር ክሳብ 600 ሰባት ኣብ ለይታዊ ቤት ትልሂት ናይ ከተማ እስጣንቡል ሃገር ቱርኪ፣ መብዛሕትኦም ቱርስት እናተደሰቱ ከለዉ፡ በዓል ክፉእ ሓሳብ ናይ ሳንታ ክላውስ ልብሲ ተኸዲኑ ጠበንጅኡ ከዊሉ ነቶም ኣብ ኣፍደገ ዝነበሩ ዋርድያታት ቀቲሉ ንውሽጢ ኣትዩ ብዝፈጸሞ ጨካን ረሽራሽ 39 ክሞቱ ከለዉ 69 ድማ ቆሲሎም። ኣሸባሪ ክሳብ ሕጂ ተሰዊሩ ኣይተረኽበን ዘሎ። ቅድሚ’ዚ ሓደጋ’ዚ ቱርኪ ኣብ 10 ታሕሳስ ኣብ ሜዳ ስታድዩም ናይ ኵዕሶ እግሪ ብኣሸበርቲ ዝተፈነወ ክልተ ነታጕ፣ 44 ሰባት ሞይቶም 149 ድማ ቆሲሎም ነይሮም። ኣብ ሰሙኑ ድማ ናይ ሩስያ ኣምባሳዶር ቀቲሎም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱርያ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ህልቂት ደብዳብ ዘስካሕክሕ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ናይ ሓሳቡ ምግላጽ፣ ናብ ዝደለዮ ናይ ምንቅስቓስን ውልቀ-ሓርነታት መሰላቱን  ተሓሪሙ ብኸቢድ ጭቆና ይሓልፍ ምህላዉ ፍሉጥ ኰይኑ፡ መን ተኣሲሩ መን’ከ ተቐቲሉ ዝሕብር ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ስለዘይብሉ ከይተነግረ ተዓቢጡ እዩ ዝተርፍ። 

 

ዓመት 2017 ውግእን ሽበራን ኣብቂዑ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ዝዕምብበላ ዓመት ይግበረልና !!!!!!!

 

 

 

Last modified on Monday, 02 January 2017 22:20