Print this page

ስርቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ መመሊሱ ይስዕርር!

2016-12-24 18:22:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5590 times
Rate this item
(0 votes)

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊ ኤርትራ ቀንዲ ተሓባባሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተታሕዘት ግዱሳት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ናይ ስርቂ ተሓባባሪቱ ጥራይ ዘይኮነት ውሽማኡ ተባሂላ’ውን እትሕመ እቶም ምንጭታት ስማ ክጠቕሱ ዘይደለዩ ወይዘሮ ዝተታሕዘት ኣስታት 45 ኪሎ ወርቅን 500 ሺሕ ሓድሽ ናቕፋን ናይቲ ጀነራል ሒዛ ናብ ዱባይ ክትገሽ እንከላ እያ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝብልዎ እዛ ሰበይቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብዚ ተግባርዚ ተዋፊራ ናይቲ ጀነል ተቓባሊት ሌባ ምንባራ ትሕመ እያ። ብፍላይ ኣብቲ ዝተታሕዘትሉ ዕለት ነቲ መንገዲ ስርቂ ንምጥጣሕን ናይ መፈተሺ ኤለክትሮኒካዊ መፈተሺ ከም ዘይሰርሕ ንምግባርን ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ሓይሊ ኤለክትሪክ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቋሪጹ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ ስራሕ ተመዲቦም ዝነበሩ፡ በቲ ሓደ ወገን ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓበሬታ ዝነበሮም፡ በቲ ካልእ ድማ ምስ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪን ጥርጠራ ስለ ዝሓደሮም፡  ብዝገበርዎ ጐርጓር እቲ ወርቅን ናቕፋን ተረኺቡ።

ድሕሪኡ እቶም ዝሓዝዋ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ ዝምልከቶ ጸብጻብ ምስ ገበሩ’ሞ ጀነራል ፍሊጶስ ሰሚዑ ኣብቲ ንሱ ብመንገዲ ወዲ ከበደ ዝበሃል ኣዛዚ ኣቢሉ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብዮቱ ክትእሰር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ጉዳይ ከይተወዓውዐ ንዓኣ ፈቲሒ ንምድፋኑ ንክጥዕሞ እዩ።

እንተኾነ ነቲ ጉዳይ ዝሓዝዎ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት እቲ ጉዳይ ናብቲ ንሕና እነመሓድሮ ቤት ማእሰርቲ እምበር ናብቲ እቲ ጀነራል ከም ድላዩ ዝገብረሉ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ኣይንሰድድን ስለ ዝበሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ስለ ዝበጸሐ እታ ጥርጥርቲ ናብ ዓዲ ኣብየቶ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ከተም ኣስመራ ኣብ ስዉር ቦታ ዝርከብ ክፍሊ ምርመራ ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝተላእከት ክፍለጥ ተካኢሉ። እዚ ኣጋታሚ ነቲ ክብ ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ዝምድና ኢሳይያስን ፍሊጶስ ኣብ ሓደ ከውድቖ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ዋላ እቶም ዓበይቲ ትካላት ዘንቀሳቕሱ ዝበሃሉ ኣካላት፡ ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ዘየንቀሳቕስሉ ግዜ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ናብ ደገ ክወጽእ ምሓዙ ነብሱ ዝኸኣለ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝግምትዎ እዚ ሓድሽ ናቕፋ ኣብ ደገ ናብ ዶላር ክቕየር ተሓሲቡ ዝነበረ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ጀነራል ፍሊጶስ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ወርቅን ካልእ ዘይሕጋዊ ንግድን ብክቱር ከም ዝዋሳእ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

Last modified on Saturday, 24 December 2016 19:26