ግብሪ እንስሳ ዘቤት፡ ካልእ ሜላ ምዝመዛ

2016-12-21 19:40:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3352 times

መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታ ዝነበረ፡ ናይ ኣከፋፍላ ግብሪ ብዝኸፈአ መልክዑ ብምቕራብ  ናይ መሬትን እንስሳ ዘቤትን ስርዓተ-ግብሪ ሓንጺጹ ሓድሽ መመዝመዚ ሜላ ፈጢሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም። ነዚ ሓድሽ ግብሪ እንስሳ ዘቤትን መሬትን ክሳብ ታሕቲ ወሪዶም ብምምዝጋብ ዘተግብሩ፡ ኣካላት እቲ ህዝባዊ ምምሕዳር ብዝብል መጸባበቒ ስም ህግደፍ ዝጥቀመሎም ኣካላት እዮም።

በቲ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ኣሃዛዊ ሓበሬታ መሰረት፡ ዓቐን እቲ ንእንስሳ ዝኽፈል ግብሪ፡ ብነፍሲ ወከፍ ንኣድጊ 50፡ ንከብቲ 100፡ ንገመል 100፡ ንጤለበጊዕ ከኣ 10 ናቕፋ ኣብ ዓመት እዩ። ብኣተሓሕዛ ህግደፍ እዚ ተተሚኑ ዘሎ ግብሪ ንእንስሳ ዝኾነ ምሕረትን ሕድገት ዘይግበረሉ ኮይኑ ዘይምትግባሩ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ዘኸትል እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዕድሚኦም 70 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ንዝኾኑ ኤርትራውያን መሬት ከይወሃብ እቲ ስርዓት ከልኪሉ ኣሎ። እቲ ስርዓት ነዚ ዝህቦ ምኽንያት „ከልምዕዎ ኣይክእሉን እዮም“ ዝብል ሸፈጥ ኮይኑ፡ „እሞኸ በኸመይ ደኣ ይናበ“ ንዝብል ግና መልሲ የብሉን። ብሰንኺ እዚ ዕዉር ውሳነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ፡ ጽልእን ተቓውሞን ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ይዓርገ ከም ዘሎ እዞም ምንጭታት ኣተሓሒዞም ገሊጾም

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ስርዓት ብኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ጽልኢ ኣብ ልዕሊኡ እንዳዛየደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይቶም ባዕሉ ፈቓድ ሂቡ ዘዋፈሮም ነጋዶ ንብረት ብህዶ ይዘምት ከም ዘሎ ካልኦት ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሓበሬታ ከም ዝገልጾ ኤርትራውያን ነጋዶ ፈቓድ ወሲዶም ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ገዚኦም ብኮንተይነራት ኣብ ወደባት ኤርትራ ምስ ኣብጽሕዎ ነቲ ንብረት ይራስዮ ኣሎ። እቶም ሓበርቲ‘ኳ ንዕኡ ዝምልከት ዘቕረብዎ ዝርዝር እንተዘየለ እቲ ጉጅለ ንራስያ ዝሕግዞ ዕባራ ምኽንያት ከም ዘቕርብ ፍሉጥ እዩ

Last modified on Wednesday, 21 December 2016 20:46