Print this page

ንዝኽሪ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ልክዕ ኣብ ማዓልታ

2016-12-17 13:02:46 Written by  ንጉሰ ጸጋይ Published in EPDP News Read 3075 times
Rate this item
(2 votes)

ንኩሉ ዕለትን ማዓልትን መዘከርታ ክኾኖ ዝኽእል ናቱ ፍጻመን ተረኽቦን ከምዘለዎ እንግንዘቦ መባእታዊ ሓቂ እዩ። ወዮ ዳኣ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት ብመዝገብ ምትሓዙ ስለዘጸግምን፡ ዝተመዝገበ እውን እትዕቅበሉ ቦታ ምስፈረሰካ ዛሕዛሕ ኢሉ ማሃነኑ ስለዝጠፍእን እዩ እምበር፡ ኩሉ ዕለትን ማዓልትን ኣብ ህዝብን ሃገርን ይዕበ ይንኣስ ነናቱ ዝኽርታት ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። ንሎሚ ልክዕ ኣብ ማዓልታ ዘበለኒ ግን፡ ዋላዃ ብኣዋርሕ ኮነ ብዓመት፣ ዕለትን ማዓልትን ስሙ ከይቀየረ ተደጋጊሙ ዝመጽእ እንተኾነ፡ ናይ 2005 ዕለት 17 ታሕሳስን ናይ 2016 ዕለት 17 ታሕሳስን ቀዳም መዓልቲ ይውዕላ ምህላወን እዩ። እዛ ዕለትን ማዓልትን እዚኣ ድማ፡ እታ ካብ ናይ ተማሃሮ ምንቅስቓስ ጀሚራ ባህግትት ህዝብናን ሃገርን ጋህዲ ንምግባር ከይተሓለለት ክትጐዪ ዝጀመረት፡ ብማእሰርቲ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ከይራዓደት፣ ንመቑሕ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዃላ ክስበር ብውሽጢ ዘተሓባበረት፡ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተረባረበት፡ ጸኒሓ ዝተዀልፈ መብጻዓታት ክዉን ንምግባርን ኣብ ፍጹም ዓወት ንኽበጽሕ ምስ ምሉእ ራእይን ሕልናን ኣብተን ህዝቢ ኤርትራ ብብዝሒ ዝርከበን ናይ ቃልሲ ዝኾና፤ ኣርባዕተ ምድራዊ ክፍለ-ዓለማት ኣትጐዪ ዝነበረት እግሪ ተጋዳላይ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተዓጽፈትላ ማዓልቲ ብምዃና ኣብ ተቓለስቲ ኤርትራውያን ፍሉይ ዘኽሪ ኣለዋ።

ስዉእ ስዩም ሓረስታይ፡ ሓደ ካብቶም ንዝሓዝዎ ዕላማ ፈልከት ከይበሉ፡ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማታት ኣብ ቅድሚኦም ሰሪዖም፣ ውልቃዊ ረብሓታቶም ገዲፎም ንሃገሮም ዝተበጀዉን ገና ዝብጀዉ ዘልዉን፡ ኣብ ልዕሊ መሬት እንከሎ ንስለ ህዝቢ ክርህዎ ደቆም ዘዘኽተሙን ተቓለስቲ ሓደን መሪሕን'ዩ ነይሩ። ስዉእ ስዩም ሓረስታይ፡ ወትሩ ኣብ ቃልሲ እዃ እንተነበረ፡ ናይ 2005 ጉዕዞ ቃልሱ ግን ብፍሉይ፤ ናይ ዓወት እስትራተጂ ሰርዑ ብዕለት 06 ጥሪ እዩ ጀሚርዋ ነይሩ። ነዚ ሓቂ'ዚ ንምግንዛብ እምባኣር፡ መጽሔት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ሕታማ ቁጽሪ 1 ጥሪ 2006 ንጉዕዞ ስዩም ካብ ዘስፈረቶ ኣገደስቲ ተረኽቦታት ምጥቃስ ኣኻሊ እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ካብቶም ንናይ ሎሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቆሙ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓደ ድማ'ዩ።

6 ጥሪ 2005፡ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤልን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን፡ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝርከብዎ መሪሕነታዊ ልኡኽ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ28 ሕዳር 2004 ኣብ ካርቱም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እተበጽሐ ምርድዳእ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንምርኻብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

8 ጥሪ 2005፡ ልኡኽ ውድብና ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ተራኺቡ። ብዛዕባ ጉዳይ ሰላምን ርግኣትን ዲሞክራስን፡ ከምኡውን፡ ዝምድናታት ክልቲኡ ሸነኻት ዝምልከት ዕሙቕ ዝበለ ዝርርብ ኣካይዱ።

20 ጥሪ 2005፡ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤልን ብጻይ መንግስተኣብ ስመሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ና ካድራት ኣኼባ ኣካይዶም። ውጽኢት ርኽክብ ውድብ ምስ ስበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብሪሆምን፤ ከምኡውን ሃለዋት ውድብን ኪዳንን ብዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ኣብ መጀመርታ ግንቦት 2005፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝመርሖ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሆላንድ ከተማ ሮተርዳም ተኻይዱ።

4 ግንቦት 2005፡ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፣ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኣኤል ዝመርሖ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር፡ ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን፡ ብጻይ ሃይለ ገብሩ፡ ወኪል ውድብ ኣብ ኣወስትራልያ ዝኣባላቱ ልኡኽ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ኣወስትራልያ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

5 ግንቦት 2005፡ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሐኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝመርሖ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር፡ ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን፡ ብጻይ ሃይለ ገብሩ፡ ወኪል ውድብ ኣብ ኣወስትራልያ ዝኣባላቱ ልኡኽ፡ ኣብ ከተማ ፐረስ፡ ኣወስትራልያ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

15 ሰነ 2005፡ ልኡኽ ውድብና፡ ኣብቲ ብዶክተር ብርሃን ኣሕመድ ዝተዳለወ፡ ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ናይ ኤሚግረሽንን ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ሰበ-ስልጣን ኣወስትራልያ እተሳትፍዎ ሰሚናር ተኻፊሉ።

16 ሰነ 2005፡ ብኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝምራሕ ልኡኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፣ ኣብዚ ዕለትዚ ኣብ ኣወስትራልያ ምስ ዝርከቡ ወከልቲ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተራኺቡ ዓሚቚ ምይይጥ ኣካይዱ።

18 ሰነ 2005፡ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝመርሖ፡ ብጻይ ኣሰፋው በርሀ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስርርዓዊ ጉዳያትን፡ ብጻይ ብርሃነ ተስፋጋብር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምጣኔ-ሃብታዊ ጉዳያትን እተሳተፍዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን ተኻይዱ።

19 ሰነ 2005፡ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝመርሖ ሓያሎይ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ናይ ሓለፍቲ ጨናፍር ዞባ ጀርመን ኣብ ኤርትራዊ ማእከል ኣብ ፍራንክፎርት ተኻይዱ።

ካብ 25-26 ሰነ 2005፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ኣመሪካ፡ ምስ ጨናፍር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብምትሕብባር ኣብ ዋሽንግተን ስያትል ካልኣይ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኣካይዱ። ኣብዚ ፈስቲቫልዚ ኣባላት ናይ ኣመሪካ ኮንግረስ፡ ናይ ከተማ ሊንውድ ከንቲባ፡ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ዕዱማት ኣመሪካውያንን፣ ከምኡውን ብርክትዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያንን ተሳቲፎም። ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኣኤ ሰውራዊ ባይቶ እውን፡ ኣብዚ ፈስቲቫል'ዚ ብምርካብ ቃል ውድብ ኣስሚዑ።

ሓምለ 2005፡ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣቦ-መንበር ፈጽሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኦክላንድ፡ ኒውዮርክ፡ ዋሽንግቶን ዲሲ፡ ቺካጎን ዋሽንግተን ስያትልን ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ።

30 ሓምለ 2005፡ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኣኤል ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ናብ ኮፊ ኣናን፡ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት መዘክር ኣቕሪቡ። ትሕዝቶ ናይቲ መዘክር፡

1. ነቶም ወለዶም በቲ ስርዓት ስለኣተገፉ፡ ንሓደጋ ተሳጢሖም ዘለዉ ህጻናት ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ክግበረሎም፣
2. ጠንቂ ናይቶም ኣብ ዊዓ እተረሸኑን፡ ናይቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወለድን ምርመራ ክካየድ፣
3. ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ክኲንን ንዝፈጽሞ ዘሎ ሰብእዊ ግህሰታት ክተሓሳሰብን፡
4. እቶም ልዕሊ 1000 ዝኰኑ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣቦታትን ኣዴታትን ብህጹጽ ክፍትሑ ዝጽውዕ ነይሩ።

ቅዳሕ ናይዚ መዘክር ድማ። ናብ ፓርላማ ኤውሮጳን ላዕለዋይ ኮምስዮን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ተላኢኹ።

ብዕለት 04 ነሓሰ 2005 ኣቦ-መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝመርሖ ሰፊሕ ሰሚናር ናይ ኣባላት ውድብ ኣብ ቦታ ፈስቲቫል ተኻይዱ

ካብ 5-7 ነሓሰ 2005፡- ብጨናፍር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኤውሮጳ ተዳለወ መበል 20 ዓመት ፈስቲቫል ኤርትራ፡ "ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት ኣብ ሃገርና ንኽነግስ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ሓቢርና ነልግስ" ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብክብ ዝበለ ድምቀት ተጸንቢሉ። ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣቦ-መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብቲ ፈስቲቫል ማሃርን ሓደስት ሓሳባት ናይ ቃልስን ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ። ወይዘሮ ሄልጋ ናግል፡ ተወካሊት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት፡ ብስም ከንቲባ እታ ከተማ፡ ከምኡውን ሚስተር ፊሰር፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ሮተርዳም ቀሽን ኣማሓዳርን፡ ናይ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ናይ ነዊሕ እዋን ተሓባባሪ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዖም። ብጻይ ኣርሀ መሃመድ ናካ እውን፡ ንፈደራላዊ ዲምክራስያዊ ምንቅስቃስ ኣኤርትራ ወኪሉ፡ ናይ ደገፍ መግለጺ ሂቡን ዕላማታት ውድቡ ኣብሪሁን። ቀጺሎም ኣቶ ዮውሃንስ ኪዳነ፡ ካብ ማሕበር ጸረ ኣስገዳድ ዕስክርናን፡ ኣቶ ኪዳነ ግርማይን ብዛዕባ ጉድኣት ኣስገዳድ ዕስክርናን ሕማም ኣኤይድስን ጠቓሚ ኣስተምህሮ ሂቦም። ከምኡውን ሃብቶም የውሃንስ፡ ሙሴ ሰመረ፡ ኣንቶንዮ ተስፋይን ወልደሱስ ዓማርን ምሁራዊ መደረ ኣስሚዖም።

ብዕለት 06 ነሓሰ 2005 ኣብ ቦታ ፈስቲቫል ኤርትራ፣ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡: ነቶም ነቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታትብሓፈሻ፡ ንኲነታት ናይ ፖለቲካን ናይ ህልናን እሱራት ድማ ብፍላይ ፡ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣቃልቦ ንኽገብረሉ ንምድፍፋእ፡ ካብ ጅነቭ ስዊዘርላንድ ብዕለት 15 ሰነ 2005 ጀሚሮም ኣብ ሮማ ናይ 1200 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ናይ እግሪ ጉዕዞ ንዝፈጸሙ ንተኽለ ገብረገርግስን ሳሙኤል ገብረገርግስን እተባህሉ ክልተ ኣሕዋት ሽልማት ሂቡ።

Microsoft Word Sezoumn Teklen

ብተመሳሳሊ፡ ሚስተር ፊሰር ናይ ቤተክርስትያን ሮተርዳም ቀሽን ኣማሓዳርን እንተኾነውን፡ ንምሕዝነታዊ ምትሕብባሮም ዘመልክት ሽልማት፡ ንወይዘሮ ሄልጋ እውን ዕታሮ ዕምባባ ብኣቦ-መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ተዋሂብዎም።

Microsoft Word SOM Firs and Helga

ኣብ ርእሲ'ዚ ወኪል ማሕበራዊ ሰልፍን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ እተላእኩ ናይ ደገፍ መልእኽትታት ተነቢቦም። ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እውን፣ ናይ ማሕበሩ ዕላማታትን ናይ ኣባልነት ሕግታትን ናይቲ ማሕበር ንጥፈታትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ካብ 17-21 ጥቅምቲ 2005- ብኣቦ-መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብጻይ ስዩም ዑቕብሚካኤል ዝምራሕ ሻዱሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ - ስውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም ተኻይዱ።

ብ27 ሕዳር 2005 ብጻይ ስዩም ዕቕባሚካኤል ኣቦ-መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ብውድባዊ ስራሕ ካብ ፍራንክፎት/ጀርመን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

16 ታሕሳስ 2005፡ ድሕሪ ቀትሪ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣቦ-መንበር ተሓኤሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ውድብ ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ኣባላት ውድብ ተራኺቡ። ስዩም ኣብዚ ዕለት'ዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ ከባቢ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ንኸዕርፍ ናብ መደቀሲኡ ኣምሪሑ። ክብገስ እንከሎ "ጸኒሐ እንተመጺኤ ክንራከብ ኢና፡ እንተዘይመጺኤ ግን፡ ጽባሕ ንጉሆ የራኽበና" ኢሉ ከይዱ። ኣቐዲሙ'ውን ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ ይብል ስለዝነበረ፣ ከምቲ ዝበሎ ምሸት ናብ ቤት ጽሕፈት ኣይተመልሰን።

17 ታሕሳስ 2005፡ ሓርበኛተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ -ሰውራዊ ባይቶ፡ ብሕማም ልቢ ብሃንደበት ኣብ ሆስፒታል ቤተዛታ ልክዕ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፉ።

ኣብዚ ዕለት እዚ ኣብ ጀርመን ኣቐዲሙ ንዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ብዞባ ጀርመን ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣቐዲሙ ዝተቆጽረ በዓል ኣብ ኤርትራዊ ማእከል ተዳልዩ ነይሩ። እቲ ካልኣይ መደብ ዝዩም ዝመርሖ ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ሰውራዊ ባይቶ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት ቤት ጽሕፈቱ ካብ ሩሰልስሃይም ናብ ከተማ ፍራንክፎርት ንምግዓዝ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ብምንባርሩ ነዚ ንምክያድ ኣባላት ዝተኣከብሉ እዩ ነይሩ። እዚ ክልተ ስራሓት ኣብ ምፍጻም እንዳሃለና ድማዩ፡ ከባቢ 11፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኣቢሉ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናይ ሎሚ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ተለፎን ይድውል እሞ፡ "ንጉሰ፡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕማቕ ነገር ኣጋጢሙ ኣሎ" ኢሉኒ ትም ይብል። ንጉሰ ንማእሰርትን ምስጓጉን ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ልሙድ ገይሩ ስለዝወሰዶ፡ ነታ ቴለፎን ካልኦት ከይሰምዕዋ ኣብ እዝነይ ኣልጊበ፣ ከምቲ ናይ ቀደም ድዩ ክብል ይውከሶ። መንግስተኣብ፡ "ኣይፋሉን፡ ስዩም ተሰዊኡ" ይብለኒ። ንጉሰ ይስንብድ እሞ ስዩም መን ኣንታ? ክብል ምንርግጋጽ ደግሙ ይውከሶ። መንግስተኣብ "ብጻይ ስዩም ዑቅባሚካኤል ሎሚ ንጉሆ ተሰዊኡ" ይብለኒ እሞ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ካብቶም ንስራሕ ዝመጹ ሰባት ከይሰምዑን ኲነታተይ ከየንብቡን፡ በቲ ካልእ ድማ ደንጹይኒ ዝምልሶ ነገር ሓርቢቱኒ፡ ኣብ ባልኮን ወጺኤ ዳሕራይ ባዕለይ ክድውለልካ እየ ብዝብል ተፋንየዮ። ብስራሕ ናይ ቤት ጽሕፈት ከምዝተታሓዝኩ ኣምሲለ፤ እቲ ናይ ምግዓዝ ሓላፍነት ንብጻይ ዓንዶም ገርግስን ዮናስ ባህታን ገዲፈ፡ ድሕሪ ሰዓት ንብጻይ መንግስተኣብ ይድውለሉ እሞ፡ ነቲ ኲነታት ብዝርዝር ክሕብረኒ ይውከሶ፡ ንሱ እውን ብግልጺ ድሕሪ ምሕባር፡ ምቅልጣፍ ዘድልዮ ነገር ግን ናይ ሆላንድ ኤምባሲ ተነጊርዎ ስለዘሎ፡ ብሃንደበት ንስድራ ከይሕብሮም፡ ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ ብጾት ንኣሰፋው በርሀ ነጊርካ ንስድራ ቀዲሙ ንኽሕብሮም ተዘራረብና። ድሕርዚ ኣብ ቀረባ ዝነበረ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር ይሕበሮ እሞ፡ ንካልኦት ኣባላት ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ንኽሕብር ብፍላይ ድማ ንተኽለ መለኪን ሓቢሩ ናይ ምምራሕ ቦትኡ ክትክእ ስለዝነበሮ ቀልጢፍካ ንምንጋር ተወዳኤ።

እዋይ እዛ ስደት ክትሓስም፡ ንሃደበታዊ ሞትስ መሕዘኒ ዘይትረኽበላ፡ ጐዱፍን ቅርዓትን ዓድኻ እቲ ጸዋር ትብል። ነዚ ኣብ ምፍታሕ ክተሓጋገዝ ዝነበሮ ገብሪሂወት ኣሸብር ነቲ ኲነታት ይንገሮ እሞ፡ ኣብ ማእከል ጐደና ሰንቢዱ ብዘይመልሲ ደው በለ። እቲ ገዛኻ ንጽባሕ ንጉሆ ኣዳልወልና ሓዘን ኣብኡ ክግበር እዩ፡ ሕጂ ካልእ ቦታ ክንረክብ ኣይንኽልን ኢና ኢለዮ ድማ ይኸይድ። መልሲ ወዲ ኣሸብር ብማዕዶ "ሕራይ በል ዳሓን፡ ሕራይ፡ ጥራሕ ትብል ነይራ።

እቲ ንዝኽረ ሰማእታት ዝተዳለወ በዓል ከ ከመይ ይኹን ንዝብል እንተኰይኑ፡ ብመጀመርታ ክትቅይሮ ፈጺምካ ዘይካኣል ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ካልኣይ፡ ሓዘንን ሓጐስን መኻይዲ መናብርትን ወዲ-ሰብ እዮም እዃ ዝባሃል እንተኾነ፡ ምረቱስ ምስ በጻሓካ ስለዝፍለጥ፡ እቶም መስዋኣቲ ብጻይ ስዩም ዝፈለጡ ብጾት፡ ስምዒታቶም ሓቢኦም ንተሳትፍቲ በዓል ከአንግዱን ከሳስዩን እቶም ሓንቲ ሓበሬታ ዘይብሎም ተሳትፍቲ በዓል ዝነበሮም ወኻዕካዕን ርኢኻ፡ ኣብ ጀርመን ክሳብ ንጽባሒቱ ንግሆ ንኸይስማዕ ኣብተጠንቀቕ ተኣትወ። ይኹናምበር ኣብ ጀርመን ንዝርከቡ ስድራ ስዩም ኣንጊሆም ዝሕብሩ ሰባት እውን ኣግሊልካ ተነጊርዎም፡ ምድላዋቶም ገበሩ።

ኣብ 30 ታሕሳስ 2005 ስዉእ ሓርበኛ ተጋዳላት ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ኣቦ-መንበር ተሐኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብርክት ዝበሉ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለም ዝመጹ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራውያን ዜጋታትን ከምኡ እውን ሰበ-ስልታን ዜጋታት ሆላንድን ኣብዝተሳተፍሉ ናይ ቀብሪ ስነ-ሰርዓት ኣብ ከባቢ ሮተርዳም እትርከብ ከተማ ፍላርዲንገን ብክብ ዝበለ ክብሪ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ወዲ ሰብ ንዘጋጥሞ ሕማቕን ጽቡቕን ዝገልጸሉ ነናቱ ኣገባብን ስምዒትን ኣለዎ። መስዋኣቲ ስዩም ዑቕባሚካኤል ንመላእ ተቓላሳይ ህዝቢ ዘሰንበደን ዘሕዘነን እዃ እንተኮነ፡ ብጻይ ዮናስ ባህታ ግን፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ብዝነበሮ ናይ ቃልሲ ቅርበትን ዘትረዮ ሌላን፡ ንሓደ ዓመት ምሉእ ከምሓንቲ ማዓልቲ ናይ ሓዘን ጸላም ቆቢዕ ምኽዳኑ ከይዘከርክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።

Last modified on Saturday, 17 December 2016 17:07