ኣኼባ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ

2016-12-13 19:39:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2396 times

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ጉጅለ ኤውሮጳ ኣብዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 08.12.2016 ኣኼባ ምክያዱ ዝበጻሓና ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣኼባ ድሕሪ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ፤ ንመጀመርታ ግዜ ዝግበር ዘሎ ምዃኑን፡ ኣብቲ ኣኼባ ናይ መጻኢ መደብ ስራሓተንን ንስሩዕ ርክክባተን ዝጠመተ ዕማማትን ኣዋሃሂደን ምውጽኤን ተረጋጊጹ።

ከምዝዝከር፣ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ፣ ብዕለት 30 ሓምለ 2016 እየን ቀዳማይ ጉባኤ ኣካይደን። ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፋላለየ ኩርናዓት ዓለም ማለት፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳን፡ ኣውስትራልያን ዝርከባ ኣባላት ምትእስሳር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቤት ጽሕፈት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ተማእኪለን ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተሳተፍኦ ጉባኤ ብዓወት ዛዚመን። ጉባኤ ብኣባል ፈጻሚት ሽማገለ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ወ/ት ኤርትራ ኣልኣዛር ተኸፊቱን ተመሪሑን እዩ ተካይዱ። ቀንዲ ሕመረትን ዕላማን ናይዚ ታሪኻዊ ጉባኤ እዚ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ነብሰን ሰሪዔን ኩለንተናዊ ተሳታፍነተን ንምዕዛዝን ተራን ግደን ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ዘትኮረ ኮይኑ ቤት ጽሕፈት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ከኣ ንምትግባሩ ከምዝቃለስ ኣስሚሩሉ። ኣብ ዝቀረበ ዛዕባታት ብዕምቆት ክትዕን ልዝብን ድሕሪ ምክያድ፡ መሪሕ መደብ ዕማማት ሓንጺጸን ሰሪዔንን ሓንቲ ንስራሓተን እተማእክል ሽማገለ ብዲሞራሲያዊ ኣገባብ መሪጸን ብዝክረ ሰማእታት ጉባኤ ምዝዛሙ እውን ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Tuesday, 13 December 2016 20:44