Print this page

ዜና ኣኼባ ፍራንክፎርት

2016-12-11 19:29:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2432 times
Rate this item
(1 Vote)

ብመሪሕነት ማሕበር መንእሰያት ዝተጸውዐ ኣኼባ፣ ብዕለት 10 ታሕሳስ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ምንቅስቓስን ውልቀ ዜጋታትን ደለይቲ ለውጢ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢኦም ክካየዱ ንዘለዎም ሓባራዊ ዕማማት ብሓድሽ ንምብርባርን ንምርግጋጽን ዝዳህሰሰ እዩ ነይሩ። ከም ውጻኢቱ ኣብዝሓለፈ ገለ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይውሁድ ስራሓትን ዝተፈጥረ ዕንቅፋታትን ድሕሪ ምግንዛብ፣ ኣብ መጻኢ ሓቢርካ ንምስራሕን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት በዂሩ ዘሎ ዓቕሚ ተቓውሞ ንምልዕዓልን ኩሉ መዳያዊ ምቅስቓሳትን ንጥፈታትን ክካየድ መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ መዚኑ።

እቲ ኣኼባ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 08.10.2016 ዝተኻየደ ሰፊሕ ማሕበራውን ዜናውን ፖለቲካውን ክፍጸም ዝነበሮ ሓባራዊ ዕማማት ገምጋም ዝተገብረሉ ኣኼባ ኮይኑ፡ ኣብ መጠረስታ፡ ሓንቲ ሓሙሽተ ዝኣባላታ መጻኢ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ፤ ሰፊሕ ተሳትፎ ንኽህልዎ እትጉስጉስ ግዝያዊት ሽማግለ መዚዙ ዕለተ ኣኼባን ሰዓታቱን ቍጺሩ ኣኼባ ምድምዳሙ ተረጋጊጹ ኣሎ።

Last modified on Sunday, 11 December 2016 20:35