Print this page

ምዉቅ ኤርትራዊ  ባህላዊ  ሌላ ኣብ  ከተማ ዮተቦርግ።

2016-12-09 19:00:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3951 times
Rate this item
(1 Vote)

ብዕለት 07-12-2016 ዓ.ም.ፈ.  ብሽወደናዊ  ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብናዝተዳለወ ሌላ ባህሊ ኤርትራን ቅኑዕ ታሪኻን፡  ኤርትራና ቅድሚ ትማሊ ፡ ትማሊ፡  ሎሚ፡ዝሓቆፈ ሰነዳዊ መግለጺ  ብተሳታፍነት ኣገደስቲ ማሕበራት ሽወደንን ሓያሎ  ኤርትራውያንን  ምዉቅ ምሽት ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ 20.00 ተካይዱ።

Eriafton 2

  እዚ ኣገዳሲ ምስዮት እዚ ብዋና ጸሓፍቲ ሽ.ኤ.ም.ባ.ማ. መንእሰይ ፎዚያ ዑመር ብናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ከፊታ ንኣቦወንበር ማሕበር ኣቶ ቶማስ ማግንሶን ኣመሓላለፈቶ። ኣቦ ወንበር ሓጺር ሓበሬታ ናይ ኣመሰራርታን  ውህደታዊ ዕላማ ማሕበር ገሊጹ።Eriafton 3

 

ቀጺሉ ሓው ጸሃየ ቀለታ ብስእልታት ዝተሰነየ  ካብ ትርጉም ሃገረ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ጽማቅ  ታሪኻዊ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ህልዊ ኣሰካፊ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ሓቢሩ። ምስኡ ከኣ እቲ ዘይምኖ ምዕሩግ ኤርትራዊ ባህላዊ ክዳን ዝለበሱ ሰብኡትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መድረኽ ብምራቦም ዓቢ መሳጢ ኣድናቆት ንተሳተፍቲ ሃበ።

እዚ ሓያል ስሙር ኤርትራዊ ህዝቢ ክርስትያንን ኣስላምን ለት ደቂ ከበሳ፡ ቆላ ወይ መታሕት ዘሎዎ ዉሁድ ግሩም ባህሊ ኣመስከረ። ቀጺሎም ዕዱምት ኣጋይሽ፡ ናይ ኣበኤፍ፡ ናይ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ከተማ ዮተቦርግ፡ ማሕበር ሰላም ሽወደን በብተራ ሓጸርቲ ሰላምታ ኣረቡ።Eriafton 4

 

ስዒቡ እቲ ተፈታዊ ባህላዊ መግቢ ዝግኒ፡ ኣልጫ፡ ባምያ፡ መሎኽያ፡ ሩዝ ፡ ሰላጣን ሙዑዝ ጣዕሚ ሙሉእ ተሳታፋይ ብደስታ ኣስተማቂሮም ብሕድሕድ ምልላይን ዕላላትን ከኣ እታ ሰላማዊት ምዕርግቲ ምሸት ተዛዘመት።

ሽወደናዊ  ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና

Last modified on Friday, 09 December 2016 20:14