Print this page

ኣዳማ ባረው ናይ ጋምብያ ፕረሲደንት ክኸውን ብህዝቢ ጋምብያ ተመሪጹ።

2016-12-03 20:51:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2306 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቕድም ኣቢሉ ነጻ ምርጫ ትካል ጋምብያ ሰለስተ መራሕቲ ፖለትካውያን ስልፍታት ንውድድር ፕረሲደንትነት ተቐቢሉ ኣመዝጊቡ። ንሳቶም ድማ ፕረሲደንት ያህያ ጃመህ: ኣዳሙ ባርውን ማመህ ካንደህን ኮይኖም ተመዘጊቦም።

ድሕሪ ዝተገብረ ህዝባዊ ምርጫ ድማ መራሕ ሰልፊ ነጻ ጽምዶ ሰልፍታት ብ45.5% ኣብ ልዕልቲ ን22 ዓመታት ንጋምብያ ከም ፕረሲደንት ክመርሕ ዝጸንሐ ያህያ ጃመህ ተዓዊቱ። ያህያ ጃመህ 36.7% ድምጺ ረኺቡ። ሳልሳይ ተወዳዳሪ ማመህ ካንዶ ንናይ ጋምብያ ደሞክራስያዊ ኮንግረስ መሪሑ ዝተዋዳደረ ድማ 17.8% ድምጺ ረኺብ። ድሕርዚ ደሞክራስያዊ ምርጫን ውጽኢቱን ን 22 ዓመታት ከም ፕረሲደንት ኮይኑ ንጋምብያ ክመርሕ ዝጸንሐ ጃመህ፣ ንተመሪጹ ዘሎ ፕረሲደንት ኣዳሙ ባርው እንቋዕ ዓወተካ ብምባል ስዕረቱ ተቐቢልዎ ኣሎ። ስልጣኑ ብሰላም ከምዘመሓላልፍውን ቃል ኣትዩ። ንህዝቢ ጋምብያ ድማ ምዕባለን ሰላምን ተመንዩ። እዚ ምርጫ ህዝቢ ክዕወት ካብ ዘኽኣለ ረቛሒታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ዘለው ጋምቢያውያን ናብቲ ሃገር ከመሓላልፍዎ ዝጸንሑ ሓበረታን ሰራዊት ውግእ ጋምብያ ነቲ ምርጫ ዋሕስነት ኮይኖም ብምክታተሎምን ምዃኑ ይንገረሉ። ኣብ ግዜ ምርጫ ዝተራእየ ዕግርግር ኣይነበረን። ክሳብ ዕለተ ምርጫ ኩሉ ብሰላምን ውርዙይ ፖለቲካዊ ቃልስንዩ ተኻይዱ። ናይዚ ጽቡቕ ምርጫ መርኣያ ሰራዊት ውግእን መራሕቶምን ኣብቲ ህዝቢ ሓጎሱ ዝገልጸሉ ዘሎ ጎደናታትን ኣዳባያታትን ተረኺቦም ነቲ ሓጎስ ህዝቢ ሓቢሮሞ ምርኣዮምዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Last modified on Saturday, 03 December 2016 22:02