Print this page

ኤርትራውያን ንፊደል ካስትሮ ዝዝክርሉ ሕማቕን ጽቡቕን ኣለዎም

2016-11-27 14:20:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2827 times
Rate this item
(0 votes)

ብ25 ሕዳር 2016 ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ መራሒ ሰውራ ኩባ ፊደል ካስትሮ ብዛዕባቲ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወቶም ዝፈጸምዎ ጉዳያት ይዝከሩ ኣለዉ። ኤርትራውያን እውን  ፊደል ካስትሮን ኩባን ንኤርትራን ህዝባን ብዝፈጸምዎ  ብጽቡቕን ሕማቕን ተግባራት ይዝክርዎም።

በቲ ጽቡቕ ጉዳያት ንምጅማር

ብፊደል ካስትሮ እትምራሕ ኩባ ሓንቲ ካብተን ኣቐዲመን ናይ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ዝደገፋ ሃገራት ሓንቲ እያ። ካብቶም ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኣብ 1960ታት ናብ ኩባ ዝተላእኩ  ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ስዉኣት ኢብራሂም ዓፋ፡ ደብሮም ጥሉቕን ማሕሙድ ሓሰብን ከምኡ እውን ተስፋይ ካሕሳይ ይርከብዎም።  እዚኣቶም ኣብ ኩባ ኣጠቓቕማ ኣጽዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ጥበብ ወተሃደራዊ ኣመራርሓን ሓጸርቲ ተረደኦታት ብዛዕባ ጸጋማዊ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ’ውን ቀሲሞም እዮም። እቲ ግዜ”ቲ ምስ ቃልሲ ዝምድና ዝነበሮም ኤርትራውያን ነታ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝድግፍ ብዙሕ ሓበረታን ጸብጻባት ተውጽእ ዝነበረት መጽሐት ትሪኮንቲነንታል ረኺቦም ንምንባብ ኣብ ፈቐዶ ቤተመጻሕፍቲ  ሃሰው ዝብልሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ። እዛ ኣብ ሃቫና ዝመደበራ መጽሐት ብትካል ብምትሕብባር ህዝቢ ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ላቲን ኣሜሪካን  እትሕተም ዝነበረት ኮይና፡ ካብ ኤውሮጳን ካለኦት ክፍለዓለማትን ናይ ጸጋማውያን ሓገዝን ደገፍን ትረክብ ዝነበረት እያ።

 Microsoft Word EritreansRememberCubaandFidelCastro 1

እንተኾነ..

ኣብ መወዳእታ 1970ታት ግና ጉዳያት ናብ ሕማቕ ተቐይሩ። እዚ ዝኾነ 11,600 ኩባውያን ወተሃደራትን 6,000 ወተሃደራዊ ኣማኸርትን ኣብቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝዋጋኣሉ ዝነበራ፡ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ክሕግዙ ናብ ኢትዮጵያ ምስተላእኩ እዩ። ኩባውያን ናብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ከባቢ ኡጋደን ክለኣኹ፡ ፊደል ካስትሮ ኣብ 1978 ነዚ ውሳነ’ዚ ዝወሰነ፡ ሰውራ ኤርትራ ብዘይካ ውሱናት ቦታት ንሰፊሕ ከባብታት ኤርትራ ሓራ ኣውጺኡ ንከተማ ኣስመራ ዝኸበበሉ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ ሓይሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ምስቲ ዝነበሮ ዘተኣማምን ዓቕሚ በቲ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክሕግዝን ከ,መርሕን ዝተላእከ እሞ ድማ 225 ብዝኾና ናይ ሶቬት መጐዓዝያ ነፈርቲ ዝተሰነ ሓይሊ ሶቬት ኣይተሻቐለን።

 

ኣብቲ እዋንቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ፊደል ካስትሮ ነቲ ኣብ 1960ታት ናይ ኩባ ሓገዝ ዝነበሮ ሰውራ ኤርትራ ከጥፍእ ተዘይውስን እቲ ጉዳያት ዝተፈልየ መኾነ ዝብል ርኢቶ ነይርዎም።

ብዘይካዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ልኡኽ ኩባ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈውርቅን ደቂ መዛምርቱን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ካብ 1991 ንነጀው፡ ከይክሰሱ ንምክልኻል  ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፉ።

 

ምስዚ ኩሉ እምበኣር በዚ ኣጋጣሚ ንመዋቲ ፊደል ካስትሮ መንግስተሰማያት የዋርሶም ንብል።

Last modified on Sunday, 27 November 2016 15:32