ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዕዉት ናይ ኣባላቱ ኣኼባ ኣካይዱ

2016-09-21 11:22:38 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ Published in EPDP News Read 2275 times

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ-ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብዕለት 18 መስከረም 2016 ንኣባላት ሰልፊ ዝኾኖ መንእሰያት ዘአንገደ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ምስ ኣባላት ናይቲ ዞባ ዝኾኑ መንእሰያት ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ዞባ አውሮጳ ብጻይ ተኽለሰንበት ገብረማርያም፣ ኣባል መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብጻይ ደስበለን ተረኺቦም ከምዝነበሩውን ተሓቢሩ። 

ኣኼባ ብናይ ብጻይ ዳዊት ሶሎሙን ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብናይ ሰላምታን ኣንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ቃል ተኸፊቱ። ኣስዒቡ ብጻይ ዳዊት ንኣባላት ምምሕዳሩ ዝኾኑ መንእሰያት ምስ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ብኣሽማቶም ኣላሊዩ፣ ከምኡ’ውን ኣጀንዳታት ኣኼባ ኣነጺሩ፣ መድረኽ ንብጻይ ደስበለ ኣረኪቡ።

ብጻይ ደስበለ ኣብ ዘስምዖ መደረ እዚ ካብ 2010 ተመስሪቱ ማእለያ ዘይብሉ ተጻብኦታትን መሰናኽላትን እንዳበደሀ ንቅድሚት ዝሕምበብ ዘሎ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ውጺእት ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ሓድነትን ስምረትን ጻዕርታት ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ብጻይ ደስበለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞን ምዕራፍን ቃልስን ጻዕርታት ንሓድነትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን፣ ዝተበጽሑ ስምምዓትን ውሳኔታትን ብዝርዝር ብምግላጽ ንፍልጠት ተሳተፍቲ ዘበርኽን ዝስፍሕን ኣስተምህሮ ለጊሱ።

ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ናይቲ ዞባ ብጻይ ዳዊት ሶሎሙን ቀጺሉ መድረኽ ተረኪቡ፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምስራቱውን እንተኾነ፣ ብደረጃ ዓለም፣ ብፍላይ ድማ ብደረጃ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ከጋጥምዎ ንዝጸንሑ ግዳማውያን ተጻብኦታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምሕባር፣ ሰደህኤ ብዘጋጠሞ ዕንቅፋታት ተሰናኺሉ ዓዲ ከምዘይወዐለ ኣብሪሁ። ይኹን ደኣምበር በሰላ ናይቲ ዕንቅፋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ ኮይኑ፣ ንግስጋሰ ሰልፊ ኣብ ዘገምታ ከምዝመለሰን፣ ንብሩህ ስእሊ ሰልፊ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ድውን ብምግባር ምድንጋር ክፈጥር ከምዝኸኣለ ዝከሓድ ከምዘይኮነ ብጻይ ዳዊት ኣብ መደረኡ ሓቢሩ። ኣብቲ ሰፊሕን ናይ ነዊሕ ግዜን መደረኡ ብጻይ ዳዊት፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጅውን እንተኾነ፣ ምልኪ ኣወጊድካ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ዝኾነ ህዝባዊ ስርዓት ኣብ ናይ ምትካል ዕላምኡ ክሳብ ዝበጽሕ፣ ናይ ትማልን ቅድሚ ትማልን ተጻባእተይ ከይበለ፣ ኣብ መትከል ሓድነትን ስኒትን ሓባራዊ ስራሕን ኣተኲሩ ምስራሕ እንኮ ምርጫኡን ጭርሖኡን እዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ካብዚ ቀጺሉ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት፣ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ መድረኽ ተረኪቡ፣ ንኹሎም ተጋባእቲ ምውቍ ሰላምታ፣ ንኣዳለውቲ ናይቲ ኣኼባ ድማ ግቡእ ምስጋና ድሕሪ ምሃብ፣ ተደላይነት መንእሰያዊ ጥርናፈ ኣብ መኸተን ህንጸተ ሃገርን ብሓፈሻን ኣብ ሰልፍናን ኣብሪሁ፣ ኣስዒቡውን ብዛዕባ ኣሰራርሓን መደባትን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፍን፣ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ምዕባለን ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበረታ ሂቡ። ኣብ መወዳእታ ብጻይ መድሃኔ መንእሰይን መንእሰያዊ ውደባን ኣብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ይኹን ኣብ ደምበ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣካል ናይ ለውጥን ወራሲ ናይ ኣወንታዊ ተመክሮታትን ድኣምበር መሳሪሒ ናይ ሓደ ፍሉይ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ሰልፊ ወይ ውድብ ክኸውን የብሉን፣ ካብዚ ኣረኣእያዚ ተበጊስና ድማ ንሕና ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና መንእሰያትውን፣ ነቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ጠመተ ዘለዎ ዕላማን ራእን ሰልፍና ክውን ንምግባር ኣብ ትሕቲዚ ሰልፊዚ ተወዲብና ለውጢ ንምምጻ እጃምና ነበርክት ዘሎና እኳ እንተኾና፣ ብመንእሰያዊ ኣረኣእያናን ጠለባትናን ካብቶም ዘይኣባላት ሰልፊ ዝፈልየናን ዘረሓሕቀናን የብልና። ስለዝኾነ ድማ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ መርገጺ ኣለዎ ብዘየገድስ፣ ብኤርትራዊ ሕውነታዊ መንፈስ ተሓቋቍፍና ክነብርን፣ ምስ ኩሉ ደላይ ሓቀኛ ለውጢ ሓቢርና ክንሰርሕን ቅሩብነትና ክነርኢ ኣሎና ክብል መደረኡ ደምዲሙ።

ድሕሪ መደረታት መደርቲ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣሃብታሚ ናይ ተጋባእቲ ተሳትፎን ሪኢቶታትን ተራእዩ። ኣብ መወዳኣታ ኣባላት ብዝተኻየደ ኣኼባን ብዝተዋህበ ፈሊጣዊ መደረን ተመሳጊኖም፣ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስና!

ራህዋን ቅሳነትን ንውጹዕ ህዝብና!

 

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

ዕለት 20 19 2016

Last modified on Wednesday, 21 September 2016 13:25