ሰበ-ስልጣን ስዊዘርላንድ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ጉዳይ ስደተኛታትን ክሓስቡ ጀሚሮም

2016-09-20 10:20:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2223 times

ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝሕተም፡  መዓልታዊ ኮነ ሰሙናዊ  ሕትመታቱ  ብዛዕባ ኤርትራ ምጥቅስ ኣቋሪጹ ዝነበረ ናይ ስዊስ ፕረስ ኣብ  ናይ 19 መስከረም 2016  ሕታም ጀነቫ ትሪቡን ንኤርትራ ዝምልከት ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኣብዚ ጽሑፉ እቲ ዘተኡ ብምስጢር ዝተሓዝ  ምምሕዳራዊ ኮሚሽን  ፓርላማ ስዊስ፡ ብመሰረት ናይ 13 መስከረም  ናይቲ 200 ኣባላት ዘለዉዎ ሃገራዊ ባይቶ ስዊስ ውሳነ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘተ ብኸመይ ከም ዝተሓዝ ዝምልከት እዩ።

News Item 20092016 1

ፓርላማ ስዊስ ተረርቲ ቅድመ ኩነት ብምቕራብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዛተ መደብ ኣለዎ

ሕሉፍ የማናዊ ዓቃባዊ  ሰልፊ ብዝኣመሞ ውሳነ ሃገራዊ ባይቶ፡ እንተኾነ ብናይታ ሃገር ሰኔት ክጸድቕ ብዝግበኦ መደብ መሰረት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ምዝታይ መደብ ኣሎ። ዕላማ ናይቲ ዘተ መንግስቲ ኤርትራ እንተደኣ፡ 1) ክሳብ ምብጻሕ እሱራት ኣብ ኤርትራ ዘጠቓልል ሰብኣዊ መሰል ኣኽብር ዕቱብ ስጉምቲ ወሲዱ። 2) ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣብ ኤርትራ ክሰርሓ ምፍቃድ ዝብሉ፡ ቅድመ-ኩነታት ተቐቢሉ ንናይ ልምዓት መደባት ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ንምፍቃድ እዩ።

ናይ ትሪቡን ደጀነቨ ሪፖርተር፡ እቲ ምምሕዳራዊ ኮሚሽን ብዛዕባቲ ኣጸጋሚ ርክብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከመይ ከም ዝተሓዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም ተኸሊኦም ዘለዉ ስደተኛታት’ውን ተዛሪቡ ከም ዝኸውን ግምቱ ግምቱ ገሊኡ ኣሎ። ኣቲ ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ተዘትይሉ ይኸውን ዝተባህለ ጉዳይ፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክምለሱ፡ እቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ክጸንሑ ዝተፈቕደሎም ድማ ክገሹ እንከለዉ ኣቐዲሙም ናበይ ከም ዝኸዱ ንሰበስልጣን ናይታ ሃገር ከፍልጡ ዝብል እዩ።

ምስዚ ኩሉ ግና ናይ ስዊስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ  ኣቶ ዲደር ቡርክሃልተር ብመሰረ’ቲ ናይ ስዊስ ፓርላማ ኣቕሪብዎ ዘሎ ቅድመ-ኩነት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ክብጽሕ ከምዘይክእል ከም ዘረጋገጹ ብሰፊሑ ዝግለጽ ዘሎ እዩ።

Last modified on Tuesday, 20 September 2016 12:29