Print this page

ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ ፈስቲቫል 2016

2016-08-24 09:54:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን Published in EPDP News Read 2862 times
Rate this item
(0 votes)

ክቡራትን ክቡራንን ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት

ክቡራንን ክቡራትን ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ሲቪላውያን ማሕበራት

ክቡራት ዕዱማት ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን

ክቡራትንክቡራንን ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ብሓፈሻ

 

ኣቐዲመ ዕድመና ኣኽቢርኩምን ኣኽቢርክንን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ብምርካብኩም/ብምርካብክንን ብስመይን ብስም ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም/ን። እንቋዕ ደሓን መጻእኩም/ን እናበልኩ ከኣ፡ ሓጐስን ምርድዳእን ዝሰፈኖን ፍልጠት እንቐስመሉን ፈስቲቫል ክዀነልና እምነ። ቀጺለ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳን ሓቢረን ከም'ዚ ዝኣመሰለ ሃብታም መደባት ዘለዎ ፈስቲቫል ከዳልዋ ምብቅዐን ንኣሰናዳኢት ኮሚቴ ፈስቲቫል መጐሰይን ናእዳይን ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ ብምኽንያት ናይ’ቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ዝተኸብረ ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ንዅሎም እስላም ዓለም ብሓፈሻ ነስላም ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ ናይ ዮሃና መልእኽተይ እናመሓላለፍኩ ሰላም፡ ስኒትን ራህዋን ዝሰፈኖ ዓመት ከዀነልና ድማ ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ።

Festival 2016 Menghesteab 7

ክቡራትን ክቡራንን

ሓቀኛ መግለጺ ናይ ሃለዋት ህዝብና ብኵሉ መዳያዊ ስእነት እትብል ቃል ኢዩ ዝግለጽ። ህዝብና፡ ብስእነት መግቢ፡ ማይ፡ ስራሕ፡ ቅሳነት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራሲ . . .ወዘተ ይሳቐ ምህላዉ ብሩህን ዘየማትእን ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ክንዮኡን ድማ፡ ውጽኢት ናይ’ዚ ሃለዋት’ዚ ምዃን ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። እታ ሓንቲ መንእሰያትና ዝጽመዱላ ጻማ ዘይብላ ስራሕ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ስያመ እትፍለጥ፡ ናይ ባርነት መነባብሮ ዝካየደላ ፋብሪካ ግዱድ ዕስክርና ኢያ። ብ3 ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ክሃድሙ ፈቲኖም ዝተባህሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተወስደ ናይ ቅንጸላ ተግባርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንመነባብሮኦም ኣመልኪቶም ምስ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ዝገበርዎ ቃለ-መሓትትን ድማ ገለ ካብ’ቲ ሓቀኛ መርኣያ መንእሰያትና ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሓሳረ-መከራ ኢዮም።

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፡ ነቲ ህዝብና ከሕልፎ ዝጸንሐ ሕማቕ መነባብሮ ናብ ክጽወር ዘይከኣል ደረጃ ኣዕሪግዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰበስልጣን ህግዲፍ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ከምዝገበሩ ክግለጹ ይስምዑ ኣለዉ። ዕላማ ናይ’ዚ መግለጺ’ዚ ነተን ረዲኤት ዝሃባ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ጀሚርና ኣሎና ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝኣመተ ኢዩ ዝመስል። ዋሕዚ ስደተኛታት ግን፡ ብምውሳኽን ምንካይን ደሞዝ ደው ዝብል ኣይኰነን። ስደት ወጽኢት ናይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን መሰላት ምስኣን ደኣ’ምበር፡ ምስ ደሞዝ ጥራሕ ዝተኣሳሰር ጕዳይ ኣይኰነን። ጭቆና፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ውግእን ወረ ውግእን ክሳብ ዝሃለወ፡ ስደት ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን እኳ፡ ምቕያር ባጤራ ዘስዓቦ ትሑት መጠነ ሸርፍን ኣመሓዳድራኡን ከምዘየዋጽኦም ስለዝተገንዘቡ፡ ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ዝነበሩ ገንዘብ ደው ከብሉ ከምእተገደዱ ዝፍለጥ ኢዩ። ወጻእተኛታት ኣወፈርቲ ከኣ’ሞ እንታይ ኣሚኖም ክመጹ።

Festival 2016 Menghesteab 1

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ረጽሚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ኣረጋውያን ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ኣደዳ ሞትን ስንክልናን ከይኖም ኢዮም። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ናይ ውግእ ኵነታት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት እናበኣሰ ከምዝኸይድ ተመኵሮታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ዜጋታትናን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ ይርኣዩ ኣለዉ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝዀነ ይኹን መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ፡ ንቝጣባዊ ጸገማቱ ንምቅላል ጥራሕ ብምሕሳብ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣንጻር የመን ብምድጋፍ ንመሬትን ማያትን ሰማያትን ኤርትራ፡ ባዕዳውያን ንኽግልገለሉ ኣፍቂዱ ኣሎ። እዝን እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግሃድ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚታትን ናብ ዓማሚ ውግእን ዘይምርግጋእን ከይሰጋገር ብደረጃ ህዝብና፡ ዞባናን ዓለምናን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

Festival 2016 Menghesteab 2

ክቡራትን ክቡራንን

ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት፡ ዝተላዕለ ተቓውሞታት ናይ ገለ ክፋል ካብ ህዝበን ተሰናቢደን፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክብላ፡ ቅድሚ ሕጂ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምድና ምስ ናይ ራዕዲ ሓይልታትን ክኸስኦም ንዝጸንሓ ስርዓታት፡  ዝልግስኦ ዘለዋ ቍጠባዊ ደገፍ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣበርቲዑ ክቃወሞ ጸኒሑን ኣሎን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ከቃልሕን ክጣበቕን፤ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ወጻእተኛታትን ዝኽፈልዎ 2% መሕወይ ግብሪ ደው ክብል፤ ንልምዓት ተባሂሉ ንኤርትራ ክውሃብ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ ረድኤት፡ ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያውን ስለጠናታት ናይ’ቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክውዕል፤ ስደተኛታት ብነጋዶ ደቂሰባት ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ከውሊ ክረኽቡን ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰግርሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክኽፈተሎምን ክጕስጕስ ምጽናሑን ምህላውን ዝፍለጥ ኢዩ።

Festival 2016 Menghesteab 3 

ፓርላማ ሆላንድ፡ ዋላ’ኳ ደንጕዩ ዝመጸ እንተዀነ፡ ንብዙሕ ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሰልፍና ክሟገተሉ ዝጸንሐ ጕዳያት ዝድግፍ ውሳኔታት ምሕላፉ፤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ መበል 37 ጕባኤኡ 2% መሕወይ ግብሪ ደው ክብል ምውሳኑ፤ መንግስቲ ፈረንሳ ድማ፡ ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን መራሕቲ እተኻፈልሉ ዋዕላ፡ ብስርዓት ኢሳያስ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምዅናኑን ደው ክብል ምጽዋዑን እቲ ምእንቲ ፍትሒ ዝካየድ ቃልሲ ተቐባልነት እናረኸበ ይኸይድ ምህላዉ ዝምስክሩ ጭብጢታት ኢዮም።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ስርዓት ህግዲፍ፡ በቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ምርካቡን ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ውሳኔ ምሕላፉን ንፍናን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ክብ ዘበለን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ድማ ዘርዓደን ተረኽቦ ኢዩ ነይሩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንምድጋፍን ነቲ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ንምቅዋምን ኣብ ጀነቭ፡ ኒውዮርክ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያዶም ዝፍለጥ ኢዩ። ሎምዘበን፡ ኣብ ጅነቭ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ፡ ልዕሊ 10,000 ዝኸውን ኤርትራዊ እሞ ከኣ መብዛሕትኦም መንእሰያት እተኻፈልዎ ኢዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ደገፍቲ ስርዓት ምክፋሎም ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ እናተሸምረረ ደምበ ፍትሒ ድማ እናዓመረ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።

Festival 2016 Menghesteab 4

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ከም በዓል ኪሮስ ኣስፍሃ፡ ምሕረትኣብ ሚኪኤል፡ ፍረሰላም ሙሴን ዝኣመሰሉ ስነ-ኪነታውያን ዘበርክትዎ ዘለዉ ንህዝቢ ዘልዓዕልን ንቓልሲ ዝዕድምን ደርፍታት፡ ዘሎና ደገፍን መጐስን ንገልጽ። እዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ ምስ’ቲ ኣብ 60ታትን 70ታት ከም በዓል ነፍስሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ፡ ተወልደ ረዳ፡ ተኽልኪኤል ገብሩ፡ ሑሴን መሓመድ ዓሊን ካልኦትን ንቓልሲ ህዝብና ንምሕያል ዝገበርዎ ኣበርክቶ ዝመሳሰል ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ በርትዑ፡ ከይሰልከኹም ንሒዝክምዎ ዘለኹም ዕላማ ክሳብ ዝዕወት ቃልስኹም ቀጽሉ ክንብሎም ንፈቱ።

ዓሚ ይኹን ሎምዘበን ብህዝብና ዝለዓል ዘሎን ጌና ድማ መልሲ ዘይረኸበን ሕቶ ግን ኣሎ። ንሱ ከኣ፥ ድሕሪ ጅነቫ’ኸ ናበይ? ከምኡ’ውን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ስለምንታይ ኢኹም ሓቢርኩም ክትሰርሑ ዘይትኽእሉ? ምስ መንኩም ኢና ክንተሓባበር ወይ ምስ መንኩም ኢና ክንሰርሕ ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም።

ክቡራትን ክቡራንን

ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን። ነዚ ተቓውሞ’ዚ ዝመርሕ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ውደባን ግን ጌና ኣይተማልአን ዘሎ። ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ዘይብሉ ውድብ ወይ ልፍንቲ ናይ ብሓቂ ውድብ ወይ ጋንታ ኣይኰነን። ዝተኣከቡ ግን ዘየድምዑን ንቕድሚት ዘይስጕሙን ምትእኽኻብ ናይ ውልቀሰባት ኰይኖም ኢዮም ዝተርፉ። ሓበሬታታት ብግልጺ ኣይውሃሃቡን፡ ኣብ መሰላትን ግቡኣትን ይመናጨቱ፡ ኣይደጋገፉን፡ ንነብሶምን ንረብሓኦምን ጥራሕ ኣብ ምክልኻል ይኣትዉ። እንተደኣ ምትእምማን ዘይሃልዩ ኣባላቱ ብዝለዓለ ብቕዓት ክዋስኡ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዘይ ምትእምማን ናይ ምምሃዝ ዓቕምታት ክዓቢ፡ ናይ ምድግጋፍ መንፈስ ክሰፍን፡ ኣድማዒ ስራሕ ክፍጸም ኣይከኣልን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዘይተወደበ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብዝዀነ ዝተወደበ ሓይሊ ክጭወ ከምዝኽእል፡ ተመኵሮ ደርግ፡ ግብጺ፡ ሊብያን የመንን ኣብሪህዎ ኢዩ።

 

ናይ'ሰዓት' እዋናዊ ሕቶ እምበኣር ንህዝብ ንሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታንንምድሓን እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ኢዩ። ነዚ ሕቶ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ናይ ኵላትና ኢዩ። ኣብ’ዚ ፈስቲቫል’ዚ፡ ኣብ ኣኼባታትና ይኹን ኣብ ዕላላትና ክንዛረበሉን ክንመያየጠሉን ዘሎና ኣገዳሲ እዋናዊ ዛዕባ እዚ ኢዩ።

Festival 2016 Menghesteab 5

 

ክቡራትን ክቡራንን

ብሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ብኣስላጥነት/ብመንጐኝነት ናይ መድረኽ ንሃገራዊ ልዝብ እተኻየደ ቀዳማይ ዋዕላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሓቢሮም ንኽስርሑ ባይታ ዝመድመደ ጽቡቕ ጅማሮ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝተጋህዱ ሕጽረታት ኣሪሙ፡ ኵሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝሳተፍሉ ካልኣይ ዋዕላ ኣብ ምድላው ይርከብ ኣሎ። ሰዲህኤ፡ ነዚ ዋዕላ’ዚ ንምዕዋት ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቃል ክኣቱ ይፈቱ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ንጠንቅታትን መፍትሕታትን ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ሰፊኑ ዝርከብ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ዝድህስስ ምሁራትን ክኢላታትን ዝተሓወስዎ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዋዕላ ካብ 10-13 ነሓሰ 2016 ከካይዱ ቀንዩ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ዎርክሾፕ ንተኻፈልቲ ፈስቲቫል 2016 ሓበሬታ ንምሃብ ድማ፡ እቶም ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ምሁራትን ክኢላታትን ዝርከብዎ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ተዳልይልኩም ከምዘሎ ክሕብር እፈቱ።

Festival 2016 Menghesteab 6

 

 

ኣብ መወዳእታ፡ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ንሰዲህኤ ማእከላይ ዕላማኡ ኢዩ። ነዚ ሓድነት’ዚ ንምብትታን ዝግበር ፈተነታት ድማ ብትሪ ይዅንን ይቃለስን። ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእትን ሓደ ኢድ ኰይኑ ተታሓሒዙ ዝሰዓሮ፡ ሕጂ እውን ሓቢሩን ተወዲቡን እንተደኣ ተቓሊሱ ንምልኪ ከምዝስዕሮ ጥርጥር የብልናን። ህዝብና ሓቢሩ ንኸይቃለስ፡ ከይውደብ ዝዓለሙ ብስውርን ግሁድን ኣገባባት ጽዑቓት ወፈራታት ይካየዱ ምህላዎም ክንግንዘብ የድልየና ኢዩ። ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ብምቍንጻብ፡ ኣብ መንጐ ዓበይትን መንእሰያትን፡ ኣብ መንጐ ኣውራጃታት፡ ብሄራትን ሃይማኖታትን ነቕዓት ብምፍጣር፡ ህዝቢ ከይእከብን ከይውደብን ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ምህላዎም ተገንዚብና ብትርን ብብቕዓትን ክንምክቶም ኣሎና። ሎሚ ቃልስና ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደኣ’ምበር፡ ኣንጻር ሕድሕድና ኣይኰነን።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ዕድመ ምልኪ ንምሕጻር፡ ነፍስወከፍ ተቓዋሚ ኢየ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ ዝኣመነሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ተወዲቡ ክቃለስ መጸዋዕታና ነቕርብ።

 

ፍትሕን ዲሞክራስን ይዓምር!! ሓይልታት ምልኪ ይሸምረር

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ፈስቲቫል 2016

12-14 ነሓሰ 2016

Last modified on Monday, 05 September 2016 11:06