ጉባአ ጨንፈር
ብዕለት 21.08.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ሳልሳይ ጉባአኡ ኣካይዱ። ጉባአ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ሰናይ ምንዮትን እዩ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ተኸፊቱ። ብቐዳምነት ምልኣተ ጉባአ ተረጋጊጹ። ቀጺሉ ድማ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ዕላማ ጉባአ ተገሊጹ። ኣብ መግለጺኡ፥ ‘‘ ንሕና ከም ሰልፊ ዲ ክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉባአታትናን ሰሚናራትናን ፈስቲቫላትናን ከምኡ‘ውን እነካይዶም ህዝባዊ ኣኼባታትን መግለጺ ናይ ግሉጽነትናን፥ ዕላማናን መርገጻትናን ድማ ንህዝብናን ንዓለምናን እነነጽረሎም ንጥፈታትና እዮም፤ ከምኡ‘ውን ጉባአታትና ንውሽጣዊ ኣሰራርሓናን ንጥፈታትናን ከነጽፍፍ ይሕግዙና ” ድሕሪ ምባል ኣጀንዳታት ጉባአ ኣንቢቡ።
ኣጀንዳታት ጉባአ ድማ ፡-
1) ጸብጻብ ናይ ዝጸንሐት ሽማግለ ምስማዕ፤
2) ሕቶታትን ገምጋምን ናይ ዝተሰላሰሉ ስራሓት፤
3) ኣምራጺት ሽማግለ ምምራጽ፤
4) ሓዳስ ሽማግለ ምምራጽ፤
5) ለበዋታትን ርእይቶታትን፡ እዮም ኔሮም።
ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ናይ ዝሓለፉ ንጥፈታት ናይ ጨንፈር ማለት ሓፈሻውን ገንዘባውን ናይ ተቖጻጻርን ጸብጻባት ቀሪቦም። ጉባአኛ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ጨንፈርና ዘካየዶም ኣወንታዊ ንጥፈታት ኣሞጒሱ፡ ዝነበሩ ጉድለታትን ጌጋታትን ብምጽብጻብ ድማ መአረምታ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ብምቕራብ፡ እታ እትምረጽ ሓዳስ ሽማግለ ብጽፈት ስራሓታ ከተካይድ ዝሕግዙ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ።
ጉባአኛ ብዝያዳ ዘሞጎሶም ንጥፈታት ድማ፡-
መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ጨንፈር ሽማግለ ብወገኑ፡ ንሕና መንእሰያት ነቲ ኣቦታትናን ኣያታትናን ንነዊሕ ዓመታት ተቓሊሶምን ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን ዘጽንሑልና ነጻነት ክንዕቅቦን ክንሕልዎን፡ ነቲ ዘጽንሑልና ቃልሲ ወሪስና ድማ ነዚ ንህዝብና ዘጥፍእ ዘሎን ንዓና መንእሰያት‘ውን ክንምዕብለሉ ዝግበኣና ዕድሜና ብከንቱ ዘጥፍኦ ዘሎ ግፍዐኛ ስርዓት ብትሪ ክንምክቶ ሓላፍነትና እዩ ብምባል ሰፊሕ ናይ ምትብባዕን ምንቕቓሕን ምግለጺ ኣቕሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ንክልተ ዓመት ንጨንፈር እትመርሕ ሓዳስ ሽማግለ ብምምራጽን ለበዋታት ብምምሕላልፍን ጉባአ ብዝክረ-ሰማእታት ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ. ተዛዚሙ።