ፈጻሚ ሽማግለ ሰደህኤ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2016-06-27 07:03:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2422 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ26 ሰነ 2016 ካብ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ንዳሓር 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፋጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ብመንገዲ ዘመናዊ መራኸቢ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣቐዲሙ ዝቐረበሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ናይ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸብጻባት ብዝርዝር ተመያይጡ። ብዝቀረበ ጸብጻባት መሰረት ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣማሓላሊፉን ናይ መጻኢ መደባት ሓንጺጹን።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ንጥፈታት ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተሰላሰለ ንጥፈታትን ውጽኢቱን ዘተባብዕ ኮይኑ፡ኣብ መስርሕ ንዝተገንዘቦም ሕጽረታት ዝተጸንዐ ናይ ፍታሕ መንገድታት እውን ዳህሲሱ።

እቲ ኣኼባ ካብቲ ጸብጻባት ኣብያተ ጽሕፈት ወጻኢ እውን እዋናዊ ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ከባብያውን ጉዳያት ርእዩ። ኣብዚ ዛዕባታት ዘለዎ ሚዛን ኣንቢሩ በቲ ሚዛን መሰረት ግደ ሰልፊ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ’ውን ገምጊሙ። ኣብ ገምጋሙ ነቲ ኤርትራውያን በብኹርንዑ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘርእይዎ ዘለዎ ምልዕዓል ኣተባቢዑ፡ ብዝከኣል መጠን ዝተወደበን ስሩዕ ቀጻልነት ዘለዎን ንክኸውን ኣበርክቶኡ ከም ዘወፊ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ በበይንኻ ምውፋር ኣድማዒ ዓቕሚ ምፍጣር ስለ ዘየኽእል ኩሉ ሓይልታት ተቓውሞ ፍልልያቱ ኣመሓዲሩ ኣብቲ ዘሰማምዖ ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ካብ ምስራሕ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብሉን ሰዲህኤ ኣብዚ ወሳኒ መድረኻዊ ዕማም’ዚ ግደኡ ከበርክት ቅሩብ ምዃኑን ኣነጺሩ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንምድጋፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ጀነቫ ንዘርእይዎ ማዕበላዊ ተሳትፎ ንኢዱ እዚ ንህግደፍ ዘርዓደ ማዕበላዊ ምልዕዓል ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ወይ ፍሉይ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ ቀጻልነት ብዘለዎ ኣገባብ ክተሓዝ ከም ዝግበኦ መዚኑ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ጉዳይ ሰብእዊ መሰል ዝምልከቶ ኮሚሽንን ካልኦት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነዚ ጉዳይ ብዕቱብነት ሒዞም ኣብ ንብዓት ህዝቢ ኤርትራ ዝሕብስ መደምደምታ ከብጽሕዎ ጸዊዑ።

ብቅዋም ሰዲህኤ መሰረት ኣኼባ ፈጻሚ ሽምግለ ሰልፊ ኣብ ኣረርባዕተ ወርሒ እይ ዝካየድ።

Last modified on Monday, 27 June 2016 09:20