ብዛዕባ ነጸብራቕ ጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ዝመያየጥ ርክባት ኣብ ጀነቫ ተኻይዱ

2016-06-25 18:59:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 4915 times

ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ዝነጥፉ ኤርትራውያን ዝወደብዎ ናይ ልዝብ መድረኽ ብ24 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ተኻይዱ። ኣብዚ ልዝብ ተሳተፍቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣጉሊሖም ንሕጋዊ ኣተገባብራ እቲ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽ ብዝምልከት ተላዚቦም።.

እዚ ብወይዘሮ ጃን ኮነር ላዕለዋይቲ ኣባል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ካብዚ ቀረባ እዋን ናይቲ ማሕበር ስረሓት ኣብ ኣፍሪቃ ዝከታተላ ዘለዋን ዝተመርሐ ናይ ልዝብ መድረኽ፡ ሰለስተ ኣመያየጥቲ (ፓናሊስትስ) ዘሰነይዎ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ኣቶ ቢንያም ሰለሞን ካብቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ሬድዮ ኤረና፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ካብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕግን ወ/ሮ ሰላም ኪዳነ ካብ ኤውሮጳ- ለኸ “ኤርትራዊ ባርነት ጠጠው” ይበል እዮም።

 

ጋዜጠኛ ቢንያም ሰሎሞን ንዲክታቶር ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም “መራሒ ናይ ኩሉ ገበናት”፡ ኣስፊሑ ኣብ ዝገለጸሉ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ብኸመይ ከም ዝተነፍገን፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብዘይፈልጥዎ ገበን ከም ዝሳቐዩን ከም ዝስወሩን ገሊጹ። ኣቶ ቢንያም ኣተሓሒዙ ኣብ ኤርትራ ሓደ ኣካል ንምስቓይ “እገለ ከምዚ ነይሩ” ዝብል ሸፈጥ እኹል ኮይኑ ከም ዝስረሓሉ ኣቃሊዑ።

.

ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ብወገኑ፡ ንከም “ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት” ብዛዕባ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሓሳባትን ሓረጋትን ዘነጽር መብርሂ ሂቡ። ብመርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ቀሪቡ ኣብ ዘሎ ጸብጻብ ተጠቒሱ ዘሎ ዝርዝር ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐ ሰፊሕ ሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምጥን ምዃኑ ኣብሪሁ። ቀጺሉ ከኣ ሎሚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ገበናት ዝሕተተሉ ኣካል ምውሳንን ኣገባብ ኣተገባብርኡ ምንጻርን ሓላፍነት ናይቲ 47 ዝኣባላቱ መበል 32 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ኢሉ።

ሰላም ኪዳነ ብወገና፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከጋጥም ዝጸንሐ ገበናት ብኸመይ ክትግበር ከም ዝጸንሐ ዘመልከት መብርሂ ሂባ። ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደትን ኣብ ጉዕዞን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ዘጋጥም ዘሎ ግህሰታትን ኣመልኪታ ኣብሪሃ።

ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ ብዛዕባቲ ንተሓታትነት ዝምልከት ዝተላዕለ ነጥቢ ኣህብቲሞም፡ እቲ ሓያል ጸብጻብን ርኢቶታትን ናይቲ መርማሪ ኮሚሽን፡ ብከባብያውን ኣህጉራውን ጸቢብ ሕሳባት ከም ዘይኩለፍ ዘለዎም ተስፋ ኣንጸባሪቖም።

GeneveNews 2

ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ዝነጥፉ ግዱሳት ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን፡ ወከልቲ ፕረስን ኣብ መበል 32 ናይ ኮሚሽ ሰሰብኣዊ መሰክ ኣኼባ ክሳተፉ ናብ ጀነቫ ዝመጹ ናይ ሃገራት ልኡኻትን፡ ነይሮም። ብዘይካዚ ከም በዓል ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ኣብቲ መስርሕ እጃሞም ከበርክቱ ዝጸንሑ፡ ኤርትራውያን፡ ከምኡ እውን ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ሓደ ካብ ጀመርቲ ቃልሲ ኣብ ትግራይ ዝርከብዎም ኣዕሩኽ ኢትዮጵያውያን ተሳተፍቲ ነይሮም። ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ከም በዓል ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ዝኣመሰላ ዓለም ለኻዊ ማሕበራት፡ ናይ ኤርትራውያንን፡ ኢትዮጵያውያንን ከምኡ እውን ካለኦት ሃገር ዘየብሎም ንዝሓሸ መጻኢ ናይ ዝቃለሱ ሓይልታት ደሞክራሲ ዓቕሚ ኣብ ምዕባይን ሓድነት ኣብ ምድልዳልን ክተሓጋገዛ ዘለዎ ተስፋ ኣንጸባሪቑ።

Last modified on Saturday, 25 June 2016 21:03