ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

2016-06-23 10:49:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2732 times

Addis Demoኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ23 ሰነ 2016 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎAddis Demo 1 ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራያንን ተሳቲፈምዎ።

ዕላማ ናይዚ፡ ኮሚተ ስደተኛታትን ወከልቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን ብሓባር ዘዳለውዎ ሰልፊ፡ ንምስታፍ ኤርትራውያን ፖፕላር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ቅርዓት ገነት ሆቴል እዮም ክተኣኻኸቡ ኣርፊዶም። ድሕሪ እዚ “ኣብ ኤርትራ ባርነት የብቅዕ፡ ፍትሒ ንግዳያት ገበን ሰባኣዊ መሰል፡ ብናጽነት ኮሪዕና እንተ ሓርነት ስኢና፡ ደገፍና ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንገልጽ፡ ጸገምና ከብቅዕ ድምጽና ነስምዕ፡ ፍትሒ ንደሊ መዓስ ሕጂ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ተበራበር፡ መራሕቲ ህግደፍ ገበነኛታት እዮም … “ ወዘተ ዝብሉ ጭረሖታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት እንዳስምዑ ናብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምሪሖም።

ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሕብረት ምስ በጸሐ ንነዊሕ ግዜ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ምስ ኣስመዓ፡ ዝተወሰኑ ሰባት ኣትዮም ዝተዳለወ መልእኽቲ ናብ ተወከልቲ እቲ ሕብረት ኣረኪቦም። ድሕሪዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቕማቕ ሃለዋት ዳህሲስ ሕብረት ኣፍሪቃ ኩነታት ኤርትራ ንክልወት ሓላፍነቱ ክፍጽም ዝጽውዕ መልእኽቲ ብቋንቋታት ዓረብን እንግሊዝን ኣብ ቅድሚ እቶም ተሳተፍቲ ተነቢቡ።

ብዘይካዚ ድሕሪ ሰልፊ ምኽያዱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤምባስታት ዝተፈላለያ ጸለውቲ ሃገራት መልእኽቲ ክቐርብ መደብ ተታሒዙ ከም ዝነበረ ካብቶም ኣሰናዳእቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብተን ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚበሙለን ዘለዉ መደበራት እውን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ እዩ።

Last modified on Thursday, 23 June 2016 13:49