ኣኼባ ቤ/ጽ ገንዘባዊ ጉዳያት ሰደህኤ

2016-06-05 19:49:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2929 times

ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ4 ጉንበት 2016 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይዚ ኣኼባ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ መደብን በቲ መደብ መሰረት ክሳብ ሕጂ ናይዘካየዶ ስረሓት ዝሕብር ጸብጻብ ንኣባላት ምቕራብን እዩ ነይሩ። ኣባል ፍጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ናይዚ ቤት ጽሕፈትን ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ መበገሲ ዝኸውን ዝርዝራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ኣብዚ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ 2ይ ጉባአ ዝጸደቐ ቅዋም ሰልፊ ነዚ ቤት ጽሕፈት ዘሰክሞ ሓላፍነት መሰረት ገይሩ፡ ንኣቀዋውማ ምምሕዳርዚ ቤ/ጽ፡ ክስረሓሎም ዝተሓንጸጹ መምርሕታት፡ ስሩዕን ፍሉያትን ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ከመይ ከም ዝመስልን ኣታውን ወጻእን ዘርኢ ዝርዝርን ዝምልከት ብኣሃዛት ዝተሰነየ መብርሂ ሂቡ። ኣብዚ መብርሂኡ ኣባላት ሰልፊ ስረሓት ሰኣን ገንዘብ ከይቋረጽ በብግዜኡ ዝገብርዎ ኣበርክቶ ምስ ገለጸ ሰደህኤ ንመጻኢ እውን ብኣበርክቶ ኣባላቱ ስለ ዝሕበንን ዝተኣማመንን እዚ ኣበርክቶ ብዝሓየለ ክቕጽልዎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብጻይ ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምክትል ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ብወገኑ፡ ብሓፈሻ ኩሎም ኣባላት ብፍላይ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ዝነጥፉ ዘቕርብዎ ጸብጻባት ንጹርን ጽፉፍን ክኸውን ኣዘኻኺሩ፡ ዝስረሓሎም ዘለዉ ንገንዘባዊ መምርሕታት ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ።

ተሳተፍቲ ድሕሪ እዚ መብርሂ ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣቕሪቦም በዞም ሓለፍቲ’ቲ እቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ዝርዝር መልስታት ተዋሂብዎም። ተሳተፍቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሃናጺ ሓሳባት፡ ኣብ ገንዘባዊ ዓቕሚ ክንዓቢ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ክንንሕይል ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብዚ መዳይ’ዚ በርቲዕካ ምስራሕ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ወርሓዊ ውጽኢት ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ከይተደረትካ ንኣገዳስነት ወፍሪ ቆላሕታ ምሃብ ከም ዘድሊ’ውን ኣንጸባሪቖም። እቲ ቤት ጽሕፈት እውን ነዚ ዝቐረበ ሓሳባት መጻኢ መደባት ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከም ዘእትዎ ቃል ኣትዩ።

ከም ኣካል ዓመታዊ መደብ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ሰደህኤ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ከካይዳ ከም ዝጸንሓ ዝዝከር እዩ።