Print this page

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ኮንፈረንስ ጀነቫ ተኾኒኑ።

2016-05-23 21:22:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2479 times
Rate this item
(0 votes)

ኣባል ፓርላም ስዊዘርላንድ፡ ኣብቲ ኩነታት ኤርትራ ዝተገምገመሉ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽሙ ንዘለዉ ኣካላት ብትሪ ኮኒኖም። እቶም ኣባል ፓርላማ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ገስገስቲ ምስቶም ኣብ ከም ኤርትራ፡ ዝንባቡዌን ኣብ ካለኦት ከባብታትን ምስ ዘለዉ ዲክታቶራት ክደጋገፉ ምጽነሖም ተቓዊሞም።

 

ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ 19 ጉንበት 2016 ሰሚናር ክቡር፡ ማኑአል ቶርናረ፡ ናይ ቅድም ከንቲባ ጀነቫን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብዚ እዋንዚ 30% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ይነብር ብምህላዉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን በቲ ብሕቡራት ሃገራት ብዝቖመ ኮሚተ ብዝቐረበ 483 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ምቅልዑ ከም ዘሕጐሶም ጠቒሶም፡ ድሕሪ እዚ ተሓታቲ ናይቲ ገበን ክንጸር ትስፉው ምዃኖም ሓቢሮም። ንሶም ኣተሓሒዞም ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ዝተዘርበ ቅድሚ 80 ዓመታት፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ናይ ሽዑ ፋሺሽታዊ ግፍዒ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዩ ነይሩ ኢሎም።

ስዊዝርላንዳዊ ኣባል ፓርላማ ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ብወገኖም፡ እተን ዓበይቲ ሰልፍታት ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ቅሩባት ኣለዋ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ናይቲ ስጉምቲ ትሕዝቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሓያል ተጽዕኖ ዝፈጥርን፡ ኣብ ሱዳንን ሰሜን ኢትዮጵያን ንዘለዉ ስደተኛታት ብዝለዓለ ደረጃ ምሕጋዝ ዘኽእልን ክኸውን እዩ’ውን ኢሎም። እዚ ኮንፈረንስ “ኤርትራ ኣብ ብሩራዊ ኢዮበልዩ፡ ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ድሕሪት ትስራዕ ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዱሳት ምሁራት ዝተወደበን ኣብ ቁጠባዊ ማእከል ጀነቫ ዝተኻየደን እዩ። ድሕሪ እዚ ናይ ሓሙስ 19 ጉንበት መኽፈቲ ብዛዕባ ውድቀትን ዓወትን ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ 2ይ መዓልቲ ብ20 ጉንበት ብኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ምሁራትን ንጡፋትን 9 ብምሁራዊ ኣገባብ ዝተቓነዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም። ናይቲ ኮንፈረንስ ኣወሃሃዲ ዶ/ር ዳንኤል መኮነን፡ ኣብ ዘቕረቦ መጠቓለሊ ሓሳብ እቶም ኣብቲ ኮንፈረንስ ብኣካል ዝቐረቡን ብኣካል ክቐርቡ ብዘይከኣሉ ዝተላእኩን ጽሑፋት ኣብዚ ዓመት ወይ ንዓመታ ብመልክዕ መጽሓፍ ከም ዝሕተሙ ገሊጹ።

Last modified on Monday, 23 May 2016 23:27