ኣብ ቬስላ ሃገረ ጀርመን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

2016-05-17 17:30:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2233 times

ኣብ ቬስላ ሃገረ ጀርመን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ብዕለት 15 ጉንቦት 2016 ስርዓት ህግደፍ ብስም ብሩራዊ በዓል ነጻነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ቬስላ ከም ኣመሉ ህዝቢ ንምትላል ፈስቲቫል ኣዳልዩ። ይኹን እምበር፡ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ነዚ ምድላዋትዚ ኣቐዲሞም ፈሊጦም ስለዝጸንሑ፡ ኣብ ፊት ኣዳራሽ ኣሬና ኮይኖም ነቲ ናይ ምትላል መደባት ህግደፍ ከቓልዑን ተቓውሞኦም ከስምዑን ውዒሎም።

ኣብዚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊዚ፡ ጀርመናውያን ከይተረፉ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ፈሊጦምስ ካብ ምድጋፉ ናብ ምቅዋሙ ዝኣተዉ ወኪል ምምሕዳር ከተማ ቬስላን ናይ ከተማ ቬስላ ናይ ባይቶ ወኪልን ናይ ካቶሊክን ኤቫንጀልሽን ኣብያተ ክርስትያናት ተወከልትን፡  ኣባላት ሓማላይ ሰልፊ ጊሰን ከምኒ ዶክቶር ክሮተ ክላውስ፡ ዶክቶር ሙለር ሓኪም ስደተኛታት ኣብ ጊሰን፡ ካብ ካስል ድማ ኣቶ ቶማስ ዝተባህሉ ኣክቲቪስትን ከምኡውን ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታትን ብፍላይ ሓደ ካብቶም ጋዜጣታት ናይ ግሮሰ-ቬስለር ኖየ-ሳይቱን ተሳቲፎም ምንባሮም ተፈሊጡ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ 30 ዝኾኑ ጀርመናውያን ከምዝተሳተፉን፡ ንሰልፈኛታት ዝከውን ዝተፈላለየ መግብን ማይን ልስሉስ መስተን ከምኡውን፡ ናይቲ ሰልፊ መለለይን መገረምን ዝኸውን፣ ሰለስተ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ በብዓይነቱ ቆቡዕ ንነፍሲ-ወከፍ ሰልፈኛ ብምዕዳል፣ ጭርሖታቶም ሒዞም ኣብ ጐኒ ሰልፈኛታት ምውዓሎም ተረጋጊጹ። ካብ ሰልፈኛታት ደለይቲ ፍትሒ 80 ሚእታዊ መንእሰያት ኰይኖም፡ ነቶም ኣብቲ ህግደፍ ዘዳለዎ ናይ ምድንጋር ስዕስዒትን ጓይላን ንምስታፍ ዝኣትዉ ዝነበሩ ምስኦም ንኩሎ ጸገማት ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ናይ ምንባር ዕድል ዝረኸቡ፣ ግደፉ ኣይቦታኹምን'ዩ፤ ጽባሕ ክትጥዓሱ ኢኹም፤ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ፤ ስርዓት ህግደፍ ገብነኛ ኢዩ፤ ህግደፍ ጸረ ፍትሒዩ፤ እሱራትና ይፈትሑ፤ ቅዋም ይተግበር፤ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ሃገር እያ፤ ምልጋስ ህግደፍ ራህዋ ንህዝብናዩ፤ መስዋእቲ ጀጋኑና ንመሰልን ፍትሕን እምበር ንባርነትን ዕንወትን ኣይኮነን፡ ሎሚ ዓገብ ምባል እምበር፡ ኣብ ዳስ ህግደፍ ምስዕሳዕ ገበንዩ፡ መሰል ወዲ-ሰብ ብኹሉ መለክዒታቱ ይከበር፡ ስልጣን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ይረከብ፡ ንቐንጻልን ኣዕናውን ተግባራት ህግደፍ ንኹንን ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ከቃልሑ ዉዒሎም። ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት፡ ብፍላይ ነቶም ዝፈልጥዎም በስማት እናጸውዑ ካብ ኤርትራ መውጺኢኻ ኣይትረስዕ፡ ተመለስ እናበሉ ማዕዳኦም ከማሓላልፉ ዉዒሎም።

 እቶም ናብቲ ኣደራሽ ዝኣትዉ ዝነበሩን ዝነበራን ድማ ብጀካ ሓደ ክልተ ህልኽኛታት ገዲፍካ ካልእት ግን ሕልንኦም ስለዝወቐሶም ደኒኖም ገጾም ከዊሎም ይኣትዉ ነይሮም።      ኣብ መደምደምታ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዶክቶር ክሮተ ክላውስ ኣባል ሓምላይ ሰልፊን ኣባል ባይቶ ከተማ ጊሰንን፣ "ነባሪ ዲክታቶር ስለዘየለ ቃልስኹም ቀጽሉ፡ ንሕና ጀርመናውያን ክልተ መለኽቲ ኣሕሊፍና ኢና ኣብዚ ዲሞክራስያዊ ስርዓት በጺሕና፡ ጽባሕ ኣስመራ ናይዞም ደገፍቲ ምልኪ ዘይኮነትስ ናትኩም እያ፡ ንሕና ድማ ኣብ ኣስመራ ምሳኻትኩም ኰይና ከነብዕል ኢና፡ ኣጆኹም" ብዝብል መግለጺ ተዛዚሙ። ትርጉም ናትና'ዩ።

ሰልፈኛታት ካብ ሰዓት ሓደ ዝጀመርዎ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ምስ ፖሊስ ብምምስጋን ሰዓት ኣርባዕተ ነናብ ቦትኦም ብሰላም ከምዝተመልሱ ወኪል ድምጺ ሓርነት ሓቢሩ።

Last modified on Tuesday, 17 May 2016 19:36