ኣኼባ ኤርትራውያን ኣብ በይ ኤርያ

2016-05-13 19:36:02 Written by  ወኪል ቤ/ ዜና ሰደህኤ ሰ/ኣሜሪካ Published in EPDP News Read 2635 times

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ከባቢ በይ ኤርያ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ 7 ጉንበት 2016  ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይዚ ንኽብሪ መበል 25  ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ኣኼባ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ተራኺቦም ዝመያየጥሉ መድረኽ ንምፍጣር ምንባሩ ካብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 

ቦርድ በይ ኤርያ ኤርትራዊ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብዚ ኣኼባ ከከም ክእለቶምን ተመኩሮምን መደረታት ዘቕርቡ ኤርትራውያን ዓዲሙ ነይሩ። እቶም ኣብዚ ኣኼባ ተዓዲሞም ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት መደረታት ዘቕረቡ፡ ኣቶ ኣሕመድ የሱፍ፡ ኣቶ ተወልደ እስጢፋኖስ፡ /ኤልሳ መስፍን፡ ሳብሪን ጀሚል፡ ጀሚል ኣማን፡ ሳሙኤልን ሰንጋል ወልደስላሴን እዮም። ኣብቲ መደረታት ቆላሕታ ዝተገብረሉ ዛዕባታት ከኣ፡ ዓፋር ኣብ ኤርትራ፡ ተክኖሎጂ ርክብን ሓበሬታን፡ ጉዳይ መስል ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምብራቕ ሱዳን፡ መራኸቢ ሓፋሽን ናይ ሚለኒዩም ሸቶን ቁጠባ ኤርትራን ዝብሉ ከምዝነበሩ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።

 

እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ሰፊሕ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ዝቐረበ ኣርእስታት እዋናውን ኣገዳስን ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ እቶም ኣቕረብቲ እውን ግዱሳትን ብውሕሉልን ሰሓብን ኣገባብ መደረታቶም ከምዘቕረቡ ሓቢሩ። እዚ ኣኼባ ብግቡእ ዝተወደበን ጠቓሚ ግንዛበ ዝተረኽበሉን ስለዝነበረ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታትውን ከምኣገዳሲ ኣገባብ ኣበዓዕላ መበል 25 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኮይኑ ክቕጽል ከምዝግበኦ፡ እቲ ጸብጻብ ንተሳተፍቲ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።

Last modified on Friday, 13 May 2016 21:57