መእረምታ፡

2016-05-13 19:31:57 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2060 times

ጨንፈር ደቡብ ጀርመን/ሽቱትጋርትን ከባቢኡን/ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ንዕለት 04.06.2016 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ክካየድ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘርጊሕዎ ዝጸንሐ  መጸዋዕታ፡ ንዕለት 11.06.2016 ከምዝተሰጋገረ ብወግዒ ንሕብር። ብስሪ እዚ ናይ ግዜ ምቅያር ዝተፈጥረ ዘይምጥዕዓም  ምስዝህሉ፣  እቕሬታ  እንዳሓተትና፡ ዕለት 11 ወርሒ 06. 2016 ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ግዜን ቦታን ብኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ዝምራሕ ናይ ህዝብ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ደጊምና እንዳሓበርና፡ ኩለን ግዱሳትን ክዱስን ዜጋታት ክሳተፎዎ ብኽብሪ ንጽውዕ።

ኣኼባ ንህልዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ዝጠመተን ናይ ስርዓት ለውጢ ዝሓቶ ብድሆታትን ዝሓዘ ክከውን እዩ።

ቦታ ኣኼባ፡

Heidelbeerstr.5

70329 stuttgart - Obertürheim

ኣኼባ ዝጅመረ ሰዓት፡ ልክዕ ሰዓት 14፡30 (ሰዓት ክልተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ)

ርሑስ በዓለ-ትንሳኤ ይግበረልና።

ሽማግለ ጨንፈር

13.05.2016

Last modified on Friday, 13 May 2016 21:38