ዕዉት ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ተሰላልሲሉ!

2016-04-25 08:55:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3680 times

ብቀዳም ዕለት 23 ሚያዝያ 2016 ብውህደታዊ ስጉምቲ ክልቲኡ ማሕበራት፣ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ኦስሎን ከባቢኣንን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ዝተዳለወ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተሰላሲሉ። እቲ ገምጋም መሰረታውያን ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ’ዚ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝሕመረቱ ኣኼባ መጠነ ሰፊሕ ተሳትፎ ዜጋታት፣ መንእሰያትን ዓበይትን ኣመዝጊቡ፣ ምርድዳእን ምውህሃድ ብዝሰፈኖ ርሱንን ሃብታምን ኣስተምህሮታትን ናይ እንካን ሃባን ክትዓትን ድማ ካብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 10 ናይ ምሸት ቀጺሉ።

ኣብ ምውህሃድ ናይ ክልቲኡ ማሕበራት ወከልቲ ዝኾኑ ብጾት መድሃኔ ሃብተዝግን መሓረና ገረዝገሄርን ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምስማዕ፣ ነቲ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማዕታት ከፊቶሞ፣ መደባት ኣኼባን ዕላምኡን ኣነጺሮም ድሕሪ ምሕባር ድማ፣ መድረኽ ንወሃብቲ ኣስተምህሮ ዝኾኑ ብጾት ወልደኣብ ፍሰሃጼንን፣ ሹማይ በርሀን፣ ባህልቢ ክፍሉን ኣረኪቦም።Woldeab

 

ብምቅጻል ቀዳማይ መዳሪ ዝኾነ ብጻይ ወልደኣብ ፍሰሃጼን፣ ኣቦ መንበር በርገሳዊ ማሕበር ምንቅስቃ ሕብረት ኤርትራውያን ንመሰረታውያን ስቪላዊ ሰብኣዊ መሰላት ወዲ ሰብ ብሓፈሻ ብዝምልከት ንዓለምለኻዊ ውዕላት (International Conventions on Civil and Political Rights) ናይ ዝተጠቕሰ ዛዕባን ኣብ ትግባረ ዘይወዓለ ቅዋም ሃገረ ኤርትራን ብምውካስ ዘዳለዎ ሰፊሕን ዝርዝራውን ኣስተምህሮ ሂቡ። ብጻይ ወልደኣብ ኣብ መደረኡ መሰረታውያን ሲቪላውያን መሰላት ወዲ ሰብ፣ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል፣ ኣብ ዝደለኻዮ ናይ ምንባርን ምንቅስቃስን መሰል፣ ኣብ ዝደለኻዮ ሃይማኖትን ናይ ምእማንን ምኽታልን መሰል፣ ወዘተረፈ ዝብሉ መሰላት ብዘይ ዝኾነ ኣድልዎ ንማንም ሰብ ዘብኡ ዝተዓደሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዝኾነ መንግስቲ ኮነ ብዓል ሰልጣን ኣውን ንትግባሪኦም ኮነ ንህልውንኦም ክድርቶምን ክቅይሮን፣ ብኣሉታ ክጸልዎምን መሰል ኮነ ስልጣን የብሉን ክብል ኣስሚርሉ። እንተኾነ ግን ብምባል ብጻይ ወልደኣብ፣ እንተኾነ ግን ኣብዘን ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝበሃላ ኩነታት መሰረታዊ ሲቪላዊ መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ገጽ ኤርትራን ኤርትራውያንን ክግምገም እንተኾይኑ፣ ብመሰረቱ የሎን ኢልካ ዝድምደም ከምዝኾነ በብእዋኑ ብስርዓት ኢሰያስ ኣብ ሊዕሊ ንጹሓት ዜጋታት ዝግበር ቅትለታትን፣ ናይ ምስዋርን ስጉምታታን ብምጥቃስ ኣብሪሁ። ኣብ መወዳኣታ ብጻይ ወልደኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፍልልያቱ ወጊዱ ሰሚሩ ብምቅላስ ንዘሎ መላኺ ስርዓት ሓግሒጉ ድሕሪ ምጥፋእን፣ ልዝብን ምርድዳእን ብዘለዎ መንፈስ ቅዋማውን ዲሞራስያውን ስርዓት ክተክል ምስ ዝበቅዕን ጥራሕ እዩ ተጠቃሚ ናይ ሰቪላውን ፖለቲካውን መሰላቱ ክኸውን ዝኽእል ብምባል ንኣስተምህሮኡ ብለበዋ ዛዚሙ።

Shumai Berhe

ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነን፣ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣብ ዝተፈላለየን ዝለዓለን ጽፍሕታት ምምሕዳር ዘገልገለን ብዓል ሰፊሕ ተመኩሮ ዝኾነ ብጻይ ሹማይ በርሀ ብወገኑ፣ ንኣምር ፖለቲካዊ መሰላት ወዲ ሰብ ብሰፍሕ ገሊጹ። ንኩነታት መሰረታዊ ፖሎቲካዊ መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ክግምግም እንከሎ ግን፣ እዘን ዓመታት እዚኣተን ከምቲ ብስርዓት ኢሳያስን ብገለ ደገፍቱን ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካውን ሲቪላውን መሰላት ዘስተማቀረለን ናይ ናጽነት ዓመታት ዘይኮነስ፣ በንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ልምሰት ዘጋጠመሉ ናይ ክሳራን ዕጹብ ሃገራውን ህዝባውን ዕንወትን ዓመታት ከምዝነበራ ኣገንዚቡ። መደረኡ ብምቅጻል ንሱ፣ ሎሚ ንኤርትራዊ ዜጋ ካብ ማንም ቦታ ንላዕሊ ንሂወቱ ኣስጋኢት ዝኾነት ቦታ፣ ንሳ እታ ሃገረይ ዝብላ ኤርትራ እያ ኮይኖቶ ዘላ ክብል ኣስሚርሉ። ብጻይ ሹማይ ንሰፊሕን መሳጥን ኣስተምህሮኡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንጡፋት ኣባላት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ብፍላይ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ማሕበር፣ ምንቅስቃስ ወዘተ ንዝበሃሉ ምውድዳባት ከም ናብቲ ቀንድን ናይ ሓባርን ዝኾነ ዕላማና ከብጽሑና ዝኽእሉ መሳሪሕታትን መንገድታትትን ገርና ንውሰዶም እሞ፣ ኣብ ዓወት ንኽንበጽሕ ነንሕድሕድና ተጫኒና፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንቅድሚት ንገስግስ ክብል ብለበዋ ዛዚሙ።

bahlbi

ብጻይ ባህልቢ ክፍሉ፣ ኣብ ጉኒ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንነጻነት ሃገርን ህዝብን ዝተጋደለን፣ ሓጂ ኣባል መሪሕነት ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾነን፣ ነቲ ንሱ ብኣካል ዝተሳተፎ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ነጻነት ሃገር መበገሲ ብምግባር መደረኡ ጀሚሩ። ብጻይ ባህልቢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ናጻ ንኽወጽእ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ረዚን ዋጋ ዝሓተት መሪር ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ሰጊሩ ኣብ ምሕራር መሬት እኳ እንተበቅ፣ ካብቲ ኣቀዲሙ ዘየስተብሃለሉን ዘይለበመሉን፣ ኣብ ውሽጢ ሰውራን ግዜ ቃልስን ብሕቡእ ተጠጂኡ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ ድሕሪ ምሕራር ሃገር ክፍጠር ዝነበሮ ዘቤታዊ ምልኪ ፈጺሙ ክገላገል ኣይከኣለን ክብል ተንቲኑ። እዚ ዘይበሃል መስዋእትን ስንክልናን ዘስዓበ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሬታዊ ሓርነት ኣረጋጊጽካ፣ ንህዝባዊ ሓርነት ካብ ናይ ባዕዳውያን ምልኪ ናብ ናይ ዘቤታዊ ምልኪ ምስግጋር ኣይነበረን፣ ፈጺሙውን ኣይኮነን ይብል ባህልቢ ኣብ መደረኡ። ንኩነታት ፖለቲካውን ሲቪላውን መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ዝሓለፋ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ኣዛሚዱ እንክገልጽ እውን ብጻይ ባህልቢ፣ ብቋንቋኻ ዝዛረብ ስለዝመለኸካ ወይ ስለዝገዝኣካ ነጻነት ረኺበ ክበሃል ኣይከኣልን፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ድማ ናጻ ኰና ተጠቀምቲ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላትና ክንከውን በቂዕና ዘይኮነስ፣ በንጻሩ እቲ ምልክን ዓመጽን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳገደደ መጺኡ፣ እቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ሃገር ዝነበረ ናይ መግዛእቲ ኩነታት ዝሓሸ ነይሩ ዝበሃለሉ እዋን ተበጺሑ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ብጻይ ባህልቢ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሰርዓት ህግደፍ ተታሊሉ ናይ መበል 25 ናይ ናጽነት ብሩራዊ በዓል ንምጽምባል ክደናገርን ክታለልን ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ መደረኡ ዛዚሙ።

Oslo Meeting240416 2ነፍሲ ወከፍ መደረ ብቋንቋ ትግርኛ ተዋሂቡ፣ ብምትሕብባር ኣቦ መንበር ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾነ ሓው ሰዒድ ድማ ብዓረበኛ ተተርጒሙ።

ድሕሪ ናይ 20 ደቓይቅ ናይ ዕርፍቲ ግዜ ዝጀመረ ናይ ሕቶን መልስን፣ ሪኢቶታትን ለበዋታትን ካልኣይ ክፋል ኣኼባ፣ ልዝብን ሃገራዊ መንፈስን ሓላፍነትን ብዝመልኦ ኣገባብ፣ ንልዕሊ 3 ሰዓታት ቀጺሉ።

ሪኢቶኦም ዝሃቡ ሓያለይ ተሳተፍቲ ኣኼባ፣ ንጉዕዞ 25 ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ጉዕዞ ክብሉ ገሊጾሞ። ስለዝኾነ ድማ ብዚ ስርዓት ህግዲፍ ምስ ገለ መገልገልቱ ኮይኑ ዝነፍሖ ዘሎ ናይ ሓሶትን ኮንቱን ፕሮፓጋንዳ ተታሊሉ ን24 ግምቦት ከም መዓልቲ ምሉእ ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳውያን ጸላኣቱን ምርግጋጽ ልዑላዊት ሃገሩን ካብ ምዝካር ሓሊፉ፣ ብሩራዊ ኮነ ወርቃዊ ድምቀታት ከምዘይውስኸላ ኣረጋጊጾም። እቶም እንተስ ተታሊሎም፣ እንተስ ብወጽዓ ህዝቦምን ሃገሮም ንዝረኽብዎ ውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ ናይዚ ኣዕናዊ ምልካዊ ስርዓት መገልገልቲ ኮይኖም ዝዋስኡ ዘለዉ ዜጋታት ግን ሎሚ ብሕልኖኦም ዘየቅስኖም ጽባሕ ኸኣ ብታሪኽ ዘነውሮም ስጉምቲ ወሲዶም ከምዘለዎ ኣኼበኛታት ኣብ ሪኢቶታቶም ገሊሶም።

ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት ህዝቢ ተኣኪቡ ብጉዳይ ህዝባውን ሃገራውን ኩነታቱ እሂም ሚህም ዝብለሉ፣ ብኡ ገይሩ ድማ ሃገራዊ ንቅሓቱ ዘዕኩዀሉን ሓድነቱ ዘደልድለሉን ከምዚ ዓይነት ክፉት ህዝባዊ ኣኼባታት ብብዝሒ ንኽህልዎ ተላብዮም።

ኣኼባ ከምቲ ኣብ ምጅማር ኣብ ምውዳእ ኣውን ብምስጋናን ብዝኽረ ሰማዕታትን ተዛዚሙ።

ዓወት ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ!

Last modified on Monday, 25 April 2016 11:42