መግለጺ መሪር ሓዘን

2016-04-20 20:57:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3035 times

መስዋእቲ ናይ ሓርበኛን ጽኑዕን ተቓላሳይ ኣልኣዛር ቀለታ ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንቤተ-ሰቡን ኣዝማዱን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስዋእቲ ናይ ተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለታ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንነብስሄር መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፥ ንቤተ-ሰቡን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃብኩምን ጠሉ ድማ የውርደልኩምን እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

  

ኣቦናን ሓውናን መቓልስትናን ጅግና ተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለታ ብቀዳም 16 ሚያዝያ ብዝሓደሮ ሕማም ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስውእ ተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለታ፡ ካብ ማሕበር ሸውዓተ ኣትሒዙ ኣብ ምግዳል ዝጸንሐ ሓርበኛ ተቓልሳይ ኢዩ። ኣብ ክፍላ ናይ ሰብዓታት ድማ ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣባል ሰራዊት ሓርነትን ኣባል ክፍሊ መጓዓዝያን ኰይኑ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተጋዲሉ። ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ተሰደ እውን ደኺመ ከይበለ ቅድም ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ስዒቡ ኣባል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብጽንዓት ተቓሊሱ።

 

ስውእ ኣልኣዛር፡ በዚ ጥራሕ ኣይኰነን ዝዝከር፡ እንታይ ደኣ፡ ንስድርኡ እውን ኣብ’ቲ ንሱ ንምዕዋቱ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ጐድኑ ደው ኢሎም ንኽቃልሱ ዘብቅዐ ኣቦ ኢዩ። ጓሉ ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ኰይና ትቃለስ ምህላዋ ንግዲኡ ዝገልጽ እኹል ምስክርነት ኢዩ። ስውእ ኣልኣዛር ቀለታ ኣቦ ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

Last modified on Wednesday, 20 April 2016 23:04