ሓደጋ ላምፓዱሳ ካብ ዘጋጥም ክልተ ዓመት ኮይኑ፡ ናይ ኤርትራውያን ሬሳ ከዓ ሕጂ’ውን ንቡር ስርዓተ ቀብሪ ክረክብ ይጽበ ኣሎ

2015-10-05 10:03:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3103 times

3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰብ ጽቡቕ ድሌት ህዝብ መራሕትን ዓለምን ከቢድ ሓዘንን ስንባደን ዘውረደት ዕለት እያ። ኣብ ቀዳማይ ዓመታዊ ዝኽሪ ናይዛ ዕለት ኣብ 2014 እውን ሓዘንን ስንባደን ናይዛ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ናይ ብዙሓት ህይወት ዝበለዐት ዕለት ኣይነከየን።

LampadusaWA 1

እዚ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ንኽብሪ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን መዘከርታ ዝኸውን ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከም ዝካየድ ትጽቢት ነይሩ። እንተኾነ ናይዞም 368 ግዳይ ባሕሪ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣስከሬን እነሆ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ መሬት ተኸዚኑ ኣሎ። እቲ ብኽብሪ ዝቕበርሉ ዕለት ደኣ መዓስ እዩ ክኸውን???
LampadusaWA 3
ካብ ሓድጋ ላምፓዱሳ ዝተረፉን ኣዕርኽቶም ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሓለፈ ዓመት

ንዝክሪ እቶም ግዳያት ላምፓዱሳን ካለኦት ኣብ ምረበዳን ባሕርን ዝሃለቑን ኤርትራውያን ዝምልከት ኣብቲ ኣብ ላምፓዱሳ ብዝለዓለ ድምቀት ዝተኻየደ ቀዳምይ ዓመታዊ ዝኽሪ 3 ጥቅምቲ 2014 እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጸብጻብ ኣዳሊና ኔርና።


ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውረጳን ኢጣልያን ኣብ 1ይ ዝኽሪ

ህልቂትላምፓዱሳ ተሳቲፎም፡ ጉጅለ ህግደፍ ግና በዂሩ

ብልኡኽ ሰደህኤ ኣብ ላምፓዱሳ

ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱሳ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጣልያን ከምኡ እውን ወከልቲ ዞባውያንን ዓለም ለኻውያንን ትካላትን  ብሰባኣዊ መሰል ዝግደሱ ማሕበራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ተዘኪሩ። ብዘይካ’ዚ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዘጋጠመ እሞ 368 ህይወት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ሕደጋ ዝተረፉ እውን ተሳቲፎም ነይሮም። ከምኡ እውን ቤተሰብ ግዳያት፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝርከቦም ኤርትራውያን ፖለቲክዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራት እውን ኣካል ናይቲ ዝኽሪ ነይሮም። ናይቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብኩራት ግና ብዓንተብኡ ፍሉጥ ነይሩ። በዂሩ ከዓ።

ካብቶም ኣብ ናይ 3 ጥቅምቲ 2014 ስነስርዓት ዝኽሪ ላምፓዱሳ ኣብቲ መዓርፎ  ነፈርትን ሓደጋ ዘጋጠመሉ ኩርናዕን ዝተሳተፉ፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ወኪል ዝተመዘዛን ሓላፊት ወጻኢ ጉዳይ ኢጣልያን ወ/ሮ ፈደሪካ ሞገሪኒ፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፓርላማ ኣቦመንበር ጀርመናዊ ኣቶ ማርቲን ስቹልትዝ፡ ፕረሲደንት ባይቶ ኢጣልያ ወ/ሮ ሉራ ቦድሪኒ፡ ናይ ፖርትጋል ፓርላማን ናይ ሕብረት ዞባ መዲተራንያን ናይ ሓባር ፕረሲደንትን ወ/ሮ ማርያ ዳ ኤ ኢስተቨስን ተወካሊ ጳጳስ ፍራንሲስ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪኣ ቨጅሊዮን፡ ከምኡ እውን ብዙሓት ሓለፍቲ ኢጣልያ፡ ተወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሙሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ሰብኣዊ ማሕበራትን ይርከብዎም።


LampadusaWA 4ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጣልያን ኣብ ሕልናዊ ዝኽሪ ግዳያት ሓደጋ ላምፓዱሳ.

ካብቶም ዝተሳተፉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣባ ሙሴ፡ ዶ/ር ኣልጋነሽ (ጋንዲ)፡ ኣንባሳድር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ መድረኽ፡ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ካብ ሰደህኤን፡ ከምኡ እውን ተወከልቲ ኤርትራዊ ውድባት፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ኢጣልያን ካሎት ከባብታት ኤውሮጳን ይርከብዎም። ስርዓት ኤርትራ ኣይተዓደመን ብድሌቱ እውን ኣብዚ ናይ ዙሓት ብሰንኩ ዝሃለቑ እሞ “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ኢሉ ዘነኣኣሶም ኤርትራውያን ግዳያት  ዝኽሪ ኣጋጣሚ ኣይተረኽበን።

LampadusaWA 5

ኣብቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ላምፓዱሳ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ብ3 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኮፈረንስ፡ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ሕጺር ግዜ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ኣጋጣሚ ብዙሓት ተሳተፍቲ መደረታት ኣስሚዖም። ኣብዚ ኣጋጣሚ ወ/ሮ  ሞገሪኒ ናይ መንግስቲ ኢጣልያን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ባሕሪ መዲትራንያን ህይወት ናይ ምድሓን ቅሩብነት ዳግማይ ገሊጸን። ኣቶ ስቸልትዝ ድማ ብዛዕባ ሓደጋ ላምፓዱሳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ቤተሰብ ግዳያት ዘሕደሮ በሰላን ብዛዕባ “ክብርን መትከላትን ኤውሮጳ” ገሊጾም። እዞም ክልተን ካለኦት ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተዛረቡን ኩሎም ኣብ መጻኢ እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝፍታሕ ተመባጺዖም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ናይ ዝኽሪ ሰነ ስርዓት ንዝወደቡ ኣካልት ወኪሉ ኣዝተዛርበ ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከጋጥም ዘይግበኦ ዝነበረ” ክብል ገሊጽዎ።

LampadusaWA 6.  
ድሕሪ እቲ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ኮንፈርስን ምፍጻሙ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ምስ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉን ቤተሰብ ግዳያትን ኮይኖም፡ ኣብ ጃላቡ ተሳፊሮም ናብቲ ካብ ገማግም ላምፓዱሳ 1.5 ኪሎሜትር ጥራይ ዝርሕቕ እቲ ኣሰቃቂ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ተጓዒዞም። ኣብኡ ምስ በጽሑ እቶም ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ኢጣልያን ሓለፍቲ ናብቲ እታ ስደተኛታት ኣሳፊራ ዝነበረት ጀርልባ ዝጠሓለትሉ ፍሉይ ቦታ ዕታር ዕንባባታት ነጺጎም።

ደሓር ኣብዚ ዕለት መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ላምፓዱሳ ብፍላይ ብ3 ጥቅምቲ 2013፡ 368 ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ናይ መዘከርታ ናይ ጸሎት ስርዓት ኣካይዶም። ኣብዚ ድማ ንኽብሪ እቶም ግዳያት ላምፓዱሳ ሽምዓታት በሪሁ።


LampadusaWA 7

ድሕሪ እቲ ሃይማኖታዊ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት፡ ኣቶም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ እሞ ኣብቲ ዝኽሪ ዝተሳተፉ ዝመርሕዎ ዓብይ ሰልፊ ናብቲ 155 ሰባት ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም  ዝወጽሉ ቦታ ኣምሪሖም። ዋላ’ኳ ብርቱዕ ዝናብ ዝዘነበሉ ምሽት እንተነበረ፡ ሰልፈኛታት ግና ጉዕዘኦም ኣይተዓግተን። ቀጺሉ ከዓ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዝነበሩ ካቶሊካዊ ቀሺ መዛዘሚ ጸሎት ተኻይዱ።

ኣቐዲሙ ብ1 ጥቅምቲ 2014፡ ቤተሰብ ግዳያት ላምፓዱሳን ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉን ኣብ ቫቲካን ቤተ ክርስትያን ካተድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቀባብላ ተገርሎም ነይሩ። ኣብዚ ናይ ኣቀባብላ ኣጋጣሚ እቶም ጳጳስ ቫቲካን ነቶም ግዳያት ላምፓዱሳ እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ግቡእ ቀብሪ ግበረሎም ወይ ድማ ኣብ ኢጣልያ ናይ ሓባር መቓብር ክግበረሎም  ሓገዝ ከም ዝገብሩ ቃል ኣትዮም ነይሮም።

Last modified on Monday, 05 October 2015 12:30