ባሕቲ መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብክብ በለ ድምቀት ተዘኪሩ

2015-08-30 16:12:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3885 times

መበል 54 ዓመት ዝኽሪ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ30 ነሃሰ 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብክብ ዝበለ ደረጃ ተዘኪሩ ውዒሉ። ነዚ ታሪኻዊ መድረኽ ዝወደበት “ኣውሃህዲት ኮሚተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትዮጵያ” እያ። ኣብዚ ዝያዳ 3 ሺሕ ኤትራውያን ዝተሳተፍሉ ናይ ዝኽሪ መድረኽ ናይ’ዛ ወዳቢት ኮሚተ ጸብጻብ ቀሪቡ። ኣብዚ ጸብጻብ ድማ ነቲ መድረኽ ምውዳብ ዘድለየሉ ምኽንያታትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰምን መከራን ብዝርዝር ተገሊጹ።

ኣብዚ መብዝሕትኦም መንእሰያት፡ ስድራቤታትን ህጻናትን ኤርትራውያን ዝተሳተፍሉ መድረኽ፡ ኣብ ትሕቲ “ማሕበር ስነ ጥበባውያን ኤርትራውያን ስደተኛታት” ዝብል ማሕበር እትነጥፍ ጉጅለ ሙዚቃን ድራማን ዝተፈላለዩ መደባት ኣቕሪባ። ብፍላይ ድማ ብግጥምታትን ናይ 60ታት ደርፍታትን ዝተወሃሃደ ሙዚቃዊ ድራማ ኣዝዩ ሰሓቢ ነይሩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ “ዝዜ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበትን፡ ነቲ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ኮነ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ዘጋጥሞም ስቓይን ሞትን ብሰፊሑ ዘረኣየት ስለ ዝነበረት ኣብ ተሳተፍቲ ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደረት ነይራ። ብዘይካዚ ስደት ግዝያዊ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ከም ዘይኮነ ዘንጸባርቑ ግጥምታት እውን ቀሪቦም።

AddisSeptemberpic1

ኣብዚ “ከም ገስጋስ ናይ ናጽነት ንቕሎ ንሓርነት” ዝብል ጭረሖ ዘምረሐ መድረኽ፡ ተወካሊ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዕም። እቶም ተወካሊ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ጠቒሶም፡ እቲ ስርዓት ብሰንኪ ሕማቕ ባህርያቱ ይቃላዕን ይንጸልን ከም ዘሎ ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ኢትዮጵያ ብዘይካቲ ስደተኛታት ክትቅበል ዘለዋ ዓለም ለኻዊ ግዴታ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ኣሕዋት ብፍሉይ ከም እትርእዮ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ 26 ሰነ 2015 ማዕረማዕረ ናይ ጀነቫ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዓብይ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Sunday, 30 August 2015 18:18