Print this page

ኤርትራ “ኣዝዩ ዘሰክፍ ጽቕጠታት” ኣብ ህዝባ ጌና ተካይድ ኣላ ተባሂሉ

2015-03-23 18:08:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4367 times
Rate this item
(0 votes)

እታ ንግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ቆይማ ዘላ ሽማግለ፡ ብዕለት 16 መጋቢት 2015 ብጉዳይ ሰብኣዊ-መሰላት ኣብ ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ጀነቫ ተጋቢኡ ኣብ ዝወዓለ ሙሉእ ባይቶ፡ ግህሰታት ሰብኣዊ-መሰላት መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት ንኣዋህሊላቶ ዘላ ሓበረታታት ኣፍኣዊ ጸብጻብ ኣቕሪባትሉ ኣላ። እዛ ሽማግለ’ዚኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ዝድለ መጽናዕቲ ከተካይድ ብዘይምኽኣላ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዝትዕቑቡ ግፍዒ ዝወረዶም ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ 500 ዝእኽሉ ምስክርነታቶም ብቓልን ብጽሑፍን ክትረክብ ክኢላ ምህላዋን፡ ኣብ ሃገር ኤርትራ “ኣዝዩ ዘሰክፍ ጽቕጠታት” ጌና ይቕጽል ምህላዉ ፈሊጣ ምህላዋን ሓቢራ። እቲ ጌና ስዒቡ ዝቐርብ ጽሑፋዊ ጸብጻብ’ውን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ክቐርብ ምዃኑን፡ እቲ ምእካብ ሓበረታት’ውን ጌና ትቕጽል ምህላዉን ተሓቢሩ።

እቲ ንኣመሉ ንስደት መንእሰያት ኤርትራ ወግሐ ጸብሐ ከላግጸሉ ዝስማዕ ነውራም ስርዓት ኣስመራ፡ ሕጂ’ውን ነዞም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ህሉው ምዃኑ ብግብሪን ብኣእጋሮምን ዘረጋግጹዎ ዘሎዉ ስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራ፡ እቲ ንዓዶም ዘግድፎም ዘሎ ጸገማት ግህሰታት፡ ኤርትራዊ ዘይኮነስ፡ ብኮንትሮባንዶ ካብ ካባቢ ኤርትራ ሶሊኹ ዝኣቱ ዘሎ ግህሰት ከምዝኾነ ንምርኣይ እዮም ካን ትያትሮ ክሰርሑሉ ዝፍትኑ ዘሎዉ፡ ዝመስሉ።

Last modified on Monday, 23 March 2015 20:05