ኤርትራዊ ልኡኽ ኣብ ኣኼባ ጆሃንስበርግ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክድግፋ ጸዊዑ

2014-12-06 17:52:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3804 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

5 ታሕሳስ 2014

ድሕሪ'ቲ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ጆሃንስበርግ ዝተኻየደ ብዛዕባ ሃለዋት ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ፍልስጤም፡ ስዋዚላንድን ምዕራብ ሰሃራን ዝዘተየ ዓወደ-ምይይጥ (ዎርክሾፕ)፡ ኣብ'ቲ ኣኼባ እተሳተፈ ኤርትራዊ ልኡኽ ብ5 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በቲ ን15 ሃገራት ዝውክል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (Southern African Development Community/SADC ንኤርትራ ዝድግፍ ግብረ-ሓይሊ ንምቛምዝተወስደ ስጕምቲ ታሪኻዊ ክብል ኣመጒስዎ።

ኣቶ ኣቢ ዲትልሃከ፡ ዳይረክተር ፈጻሚ ኣካል ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንወከልቲ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ተኻፈልትን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ንምብዳህ ብዕቱብነት ክተሓሓዝዎ ዘይምርኣዩ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉ ሓቢሩ።

ኣብ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ዝግሃድ ዘሎ ጭቆናን ምፍንቓልን፡ ኣፍሪቃውያን ዲሞክራስያውያን ሓይልታትን  ሲቪላውያን ማሕበራትን ብሓባር ክብድህዎ ዝግብኦም  እዋናዊ ሕቶ ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ መታን ሕማቕ ከይንርኢ፡ እቲ ኣንጻር ባዕዳውያን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ተጋድሎ ብዅሎም ኣፍሪቃውያን ዝተፈጸመ ተወፋይነት ሕጂ እንደገና ክሕደስ ወይ ክድገም ኣለዎ ኢሉ።

ዳይረክተር ባይቶ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጕዳይ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ኣጀንዳ ንምግባርን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንምግልጋልን ማሕበሩ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ነቲ ካብ 3-4 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ-ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ዝተገብረ ውሳኔታት ጸሚቑ ብምቕራብ ድማ፡ እዚ ነቲ ንኤርትራ፡ ፍልስጤም፡ ስዋዚላንድን ምዕራባዊ ስሃራን ዝምልከት ብሓምለ 2014 ዝተገብረ ኣዋጅ ዓሰራይ ጕባኤ መድረኽ ሲቪላዊ ማሕበራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ ክብል ገሊጽዎ። ብድሕር'ዚ፡ ኣቶ ዲትልሃከ፡ ንኤርትራዊ ልኡኽ መልእኽቱ ንጋዜጠኛታት ከስምዕ ናብ መድረኽ ዓዲምዎ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ ኣባል ኣውሃሃዲ ኣካል ኤርትራዊ መድረኽ ንዲሞክራስያዊ ዘተ ንኣባላት ኤርትራዊ ልኡኽ ድሕሪ ምልላይ፡ ነቲ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዝገለጾ ደገፍዘመጕስ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣንቢቡ። እቲ መግለጺ፡ ንኣፍሪቃውን ኣህጕራውን ደገፍ ዝጽውዕን ኣብ ኤርትራ ኣወንታዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ዞባውን ኣህጕራውን ደገፍ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ዘብርህን ነበረ።

እቲ ኤርትራዊ ልኡኽ፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃም፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ወይዘሮ ሳልዋ ኑር፡ ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሳኢት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነበሩ። እቲ ልኡኽ፡ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ብዝርዝር ገሊጹን ካብ ተሳተፍቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱን።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ ሰንበት፡ እቲ ልኡኽ ኣብ ከተማታት ደርባንን ጆሃንስበርግን ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይድ ኢዩ። ( ነዚ ዑደት ዝምልከት ሰፊሕ ሪፖርታጅ ውን ከነስዕበልኩም ኢና)።

እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ፡ እቲ ልኡኽ ዘቕረቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢዩ።

ጋዜጣዊ መግለጺ

(ብቕልጡፍ ዝዝርጋሕ)

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ንኤርትራ የብርሳን  ንህዝባ ድማ  መዘና ዘይብሉ ስቅያት የውርደሉን ኣሎ።  ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ኣሕዛንን ኣሰንባድን ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ኢዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ብዘይ ክስን ፍርድን ምእሳር፡ ደረት ዘይብሉ ምሕያር፡ ምስዋርን ብዘይ ፍርዲ ምቕታልን ....ወዘተ ነታ ሃገር ህዝባ ክነብረላ ዘይኽእል ርስንቲ እቶን ገይርዋ ኣሎ። ብሰንኪ'ዚ መሪር ጭቆና ጅምላዊ ስደት፡ ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት ስደት ኣብ ዘሰንብድ ብርኪ በጺሑ ኣሎ።

ውድቀት ናይ'ቲ ስርዓትን ለውጥን ዘይተርፍ ኢዩ። ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ ናይ'ቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ዘለዉ ሓይልታት ኢዩ ወዲቑ ዘሎ። ስልጣን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝቀባበለሉ መስርሕ ኰነ፡  ናጽነት ናይ ምዝራብን ናይ ምእካብን ዘይምህላው፡ ንሓደጋታት ናይ ባዶነትን ምብትታን ብዝያዳ ኢዩ ኣጕሊህዎ ዘሎ። ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት "ናይ ዕላማ ሓድነት ምርግጋጽ"፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዘካየድናዮ ነዊሕ ቃልስን ባህግታትን ዘባራብር ኢዩ። ስለ'ዚ፡ ናብ ዲሞክራሲ ዘብጽሓና ሕግን ስርዓትን ዝሓለወ መሰጋገሪ መድረኽ ኣድላዪነቱ ዓቢ ምዃን ክንፈልጥ ይግባእ።

ኣህጕራውን ዞባውን ደገፍ ኣብ ኤርትራ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ እጃም ከምዘለዎ እምነትና ኢዩ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ መበል 10ይ ጕባኤ መድረኽ ሲቪላውያን ማሕበራት ደቡብ ኣፍሪቃ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገለጾ ደገፍን ንኤርትራ ዝድግፍ ግብረ-ሓይሊ ምቛሙን ነመጕስ።

እዚ ኣብ ዓውደ ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ናይ  ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO) እተሳተፈ ኤርትራዊ ልኡኽ እዚ፡ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ የቕርብ።

  • መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቝባን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰላም ክነብሩን ኣብ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ናይ'ታ ሃገር ክሳተፉ ዘኽእሎም ዘድሊ ሕጋዊ ሰነዳትን ክህቦም፤
  • ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲቪላውያን ማሕበራት ንቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ዝገብርዎ ደገፍ ክብ ከብሉ፤
  • ሕብረት ኣፍሪቃ ብመሰረት ቅዋሙ ናይ ኣሳላጢነት እጃሙ ክጻወት፤
  • ጐረባብቲ ኤርትራን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብመሰረት ኣህጕራዊ ውዕላትን ንመሰላትን ድሕነትን ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከሕልዋን ንጽውዕ።

ዓርቢ 5 ታሕሳስ 2014

ጆሃንስበርግ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኤርትራዊ ልኡኽ ኣብ ኣኼባ ዓወደ-ምይይጥ/ዎርክሾፕ ዘይመንግስታዊ ውድብ ልምዓታዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ (SADC-CNGO)