Print this page

ካብ ተመኩሮና ንመሃር

2023-02-11 10:06:46 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1101 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ትጽቢት ህዝብና፡ ሓድነት መሬትን ህዝባን ዝዕቅብ፡ ብቕዋም ዝምራሕ፡ ብዙሕነት ዘኽብር፡ መሰል ውደባን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ዘይጻባእ፡ ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያውን ልምዓታውን ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምህናጽ ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ኣብ ህላወ ህግደፍ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ከኣ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጹር እዩ። እቲ ትማሊ ኮነ ሎሚ ብህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ከኣ  እዚ ዝተጠቕሰ ባህጊ ህዝብና ዝረጋገጸሉ ጥጡሕ ባይታ ንምውሓስ እዩ።

ናይቲ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ፡ እቲ ግዳይ ወጽዓን ጥልመትን ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓላፍነትን ብጽሒትን ናይተን ኣብ መስመር ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ኣገዳሲ ባእታታትን ድማ እቲ ቃልሲ ኣንፈቱ ከይስሕት ኣብ ምእላይ ዕዙዝ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዞም ካብ ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ፡ ክሳብ ሎሚ ዝቐሰምዎ ኤርትራዊ ተመኩሮ ብምውህላል፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣፉ መሊኡ ነቲ ህዝብና ሃንቀው ዝብሎ ለውጢ፡ “በይነይ ከረጋግጾ እኽእል እየ”  ዝብል እምነት ከም ዘየብሉ፡ ካብቲ በብግዜ ዘውጽእዎ ኣዋጃትን መግለጽታትን ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ብግብሪ ግና፡ “እቲ አብግዜኡ ዝእወጅከ ናይ ልቢ ድዩ ኣይፋሉን?” ክትብል ዘገድዱ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ናይ ምዕብላል ወስታታት ይረኣዩ እዮም። ምስዚ ኩሉ “ሓቢርካ ምቅላስ ምስጢር ዓወትና እዩ”  እናተባህለ በብኩርናዑ ዝጭራሕ ዘይንጸግ’ኳ እንተኾነ፡ ግብራውነቱ እንተ ዘይሰሊጡ ግና  ዘተዓዛዝብ እዩ ዝኸውን።

ነዚ ዘይሕለፍ ኣገዳስነት ተረዲእካ፡ ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ናይ ምፍጣር  ፈተነታት ምክያድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ተመኩሮ እዩ። ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ገዲፍካ፡ እቶም ካብ ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓልታት ኤርትራ 1999” ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽሉ ዘለዉ ሃቐነታት  ኣብነት እዮም። እዞም ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተበግሶታት ዘይምዕዋቶም፡ ዘየቕስን ተመኩሮ ኮይኑ፡ ዝመሃረሎም እንተተረኺቡ፡ መምሃሪ ዝኸውን ኣሰር እናመዝገቡ ከም ዝሓለፉ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ተታሒዞም ዘለዉ ሓቢርካ ዘቃልሱ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ምድኳን ንቕሎታት፡ ዋነኦም መንዩ ብዘየገድስ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓደስቲ ምህዞታት ጌርካ ምውሳዶም ቅቡል ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ዘለዎ ብምዃኑ፡ እቶም ናይ ሎሚ ሓደስቲ ተበግሶታት ብተመኩሮ ዝሃብተሙ  ብምዃኖም ብልጫ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

ከም ብሓድሽ ዝውሰድ ተበግሶ ኮነ፡ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐ ምፍጣር  ጥሙር መቃለሲ መድረኽ፡ “ብሉጽን መዋጺእን እዩ” ንክበሃል፡ ተሳተፍቱ ይውሓዱ ይብዝሑ ካልእ ኮይኑ፡ መዕቀኒኡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ምምሃሩን ዘይምምሃሩን ክኸውን ይግበኦ። ነቲ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወተ ተመኩሮ ኣመላኺዕካ ምድጋሙ ግና ውጽኢቱ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ”  ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ኣብቲ ነባር ተመኩሮ ዘይተዋሰአ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ሎሚ ዘልዕሎም ዘሎ ጭረሖታት ኩሎም ፍጹም ቅድሚ ሕጂ ከምዘይተላዕሉ ጌርካ ምውሳዶም ቅኑዕ ኣይኮነን። አቶም ነባራት ምስ ሓድሽ ምዕባለ ከም ዝሳነዩ ጌርካ ምቕናዮም  ከኣ  ቅቡል እዩ።

ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ከሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ግጉይ ተመኩሮታት ሓደ፡  ኣብ መንጎ እቲ ዝእወጅን ዝትግበርን  ዘሎ ዘይምቅዳው እዩ። “እቲ ቅኑዕ መንገድን ምሩጽ ኣተሓሳስባን ምሳይ ጥራይ እዩ ዘሎ” ምባል፡ ንካለኦት ዕድልን መሰልን ዝኸልእ፡ ንመስርሕ “እንካን ሃባን” ዝዓጹ ስለ ዝኾነ፡ ዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ዝደግም እምበር፡ ናብ ዘተኣማምን መዋጸኦ ዝመርሕ ኣይኮነን። “ግድን ኣነ መመቲረ ዘኾልሰኩም ሓሳብ እንተዘይውሒጥኩም”፡ ምባል  ብሓባር ዘሰጉም  ከምዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ካብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮታትና ዝተገንዘብናዮምን ክንቃለስ ካብ ዝድርኹናን እዩ።   

እቲ እንቃለሰሉ መድረኽን ነሰጉሞ ኣተሓሳስባን ካብ መጀመርታኡ ኩልና ኢድና ዘንበርናሉን ርኢቶና  ዝሓወስናሉን ክኽውን ይግበኦ። ምናልባት ብትሕዝቶኡ ዝፈላለ፡ ነናትና ኣተሓሳስባ ይህልወና’ሞ፡ ናብቲ ናይ ሓባርና ሓዳስ ኤርትራ ናይ ምግሃድ ሸቶ ክንበጽሕ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ሒዝና ኣብ ዙርያ ሰደቓ ተራኺብና ሓቚንና፡ ናብ ንኹላትና ዘማእክል ሓሳብ ከነጻዕዮም ይግበኣና። ቀጻሊ ሕድሕድ ርክባትና፡ በቲ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ዘጥረናዮን ዝተረዳዳእናዮን ዕግበት መሰረት፡ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብ ብሓባር ምቅላስ ዘትክል ክኸውን ይኽእል። ናብዚ ንምብጻሕ ዘይተደላይ ግዜ ምብኻን ዘይምረጽኳ እንተኾነ፡ ብመጠንቲ መስርሕ ዝሓቶ ውረድ ደይብ እኹል ግምት ምሃቡ ዘይስገር እዩ።  ምኽንያቱ እምብዛ ብታህዋኽ ተሻቢብካ ኣብ ዘይብሱልን ዘይኣሳታፍን ኩነታት በይንኻ፡ “ንሕና ኬድና ኢና፡ ዝሰዓበ ይስዓበና” ምባል ደሓር ዘይሩ ዘይሩ፡ ግዜን ንዋትን ምስ ከሰርካ፡ ናብቲ “ሀ” ኢልካ  ዝጀመርካሉ ኩነታት ዝመልስ ስለ ዝኾነ።  ካብ ከምዚ ንምድሓን ብዝከኣል መጠን ምሳኻ ክኸይድ ንዝኽእል ሓይሊ ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ግቡእ ጻዕርን ጹረትን ከየርኣየ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጠንጢንዎ ምኻድ ግና ከምቲ “ተመሊስካ እትረዶስ፡ ሓዲካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣማስያኡ ዋጋ ዘኽፍልን ዘይተደላይ ግዜ ዝበልዕን ስለ ዝኾነ። ኣብ ደምብ ተቓውሞና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ኣብ ምፍጣር እምብዛ ግዜ ምውሳዱ ግና ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።

እንምስርቶ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ፡ ብኹለ-መዳያዊ ዓቕሚ ናይቶም ዘቖምዎ ኣካላት እዩ ዝምዘን። ናይ ብቑዓት መስረቲ መድረኽ እንተኮይኑ ከም ዝሕይል፡ ናይ ድኹማት እንተኮይኑ ድማ ከም ዝደክም ርዱእ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ብቑዕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክንሓስብ እንከለና፡ ኣብ ውደባታት ናይቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝጽዕቱ ሓይልታት ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋማዊ ጽንዓትን ዘደልደሉ ክኾኑ ይግባእ። ከምዚ ዘይምዃኑ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ተመኩሮና ከነስተብህሎ ዝግበኣና እዩ።

Last modified on Saturday, 11 February 2023 11:22