Print this page

ተዓዘብቲ ዘይኮነ፡ ሰብ ጉዳይ ንኹን

2022-11-24 10:11:50 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 931 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዞባና፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዎ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ተሃዋሲ እዩ። ናይ ዓለምና ሓያላት ኣብ ኩለ-መዳያዊ ውድድሮም ካብ ዝብህግዎም ዞባታት ሓደ ብምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ብሰንኪ ታህዋሲ ባህርያት ናይዚ ዞባ ኣብኡ ዝርክባ ሃገራት ህውከት፡ ዕግርግርን ሻቕሎትን ከምዘይፍለየን ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ። ብፍላይ ኤርትራ ኣካልዚ ዞባ ብምዃና ዝሓለፈቶ ላዕልን ታሕትን ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ተመኩሮኣን መስካሪ እዩ። ሎሚ እውን ካቡኡ ኣይወጸትን። መሰረታዊ ትርጉም ቃልስና ቅድም ኮነ ሎሚ ግዳይ ናይዚ ፖለቲካዊ ሕልኽልኻት ካብ ምዃን ወጺእካ ኣብ ህዱእ ዞባ ብጸጋኻ እትጥቀመሉ ውሑስ ኩነታት ንምፍጣር እዩ።

እቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡ ክንከባለል ዝጸንሐን ላዕልን ታሕትን ዘይተፈልዮን፡ ፖለቲካዊ ጉዕዞና ገዲፍካ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ተርእዮታት ጥራይኳ እንተዳህሰስና ሃገርና ክሳብ ክንደይ  ብዞባዊ ምዕባለ ከም እትጽሎ ምርዳእ ኣየጸግምን። ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሓደገኛ ጉጅለ ህግደፍ ቀዳማይ ቆላሕታኡ ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዩ ዞባዊ ጉዳያት ኣብ ምትሕልላኽ ዘተኩር ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ጌና ግዳይ ኣሉታዊ ዞባዊ ጽልዋ ካብ ምዃን ኣይወጸትን። ህግደፍ በብግዜኡ ብዘይርትዓዊ ምኽንያታት ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ ኢዱ እናሰደደ  ምስ  ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክኣጉዶ ዝጸንሐ ሓዊ  ነዚ ዘመልክት እዩ። እቲ ጉጅለ ዘይዛመድ ዛዕባታት እንዳዛመደ ንህዝብና ወትሩ ምስ ምዕራባዊ ዓለም ከባእሶ ዝኣልሞ ተንኮላት ኣካልዚ እዩ። ህግደፍ ድሕሪ ብ2018 ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ዝምድና ምእታዉ ከኣ ኣሉታዊ ዞባዊ ጽልዋኡ ወሲኹ። እቲ ዘተባብዕ ግና ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ዝኣመሰሉ ናይ ኣረኣእያ ስንክልና ዘለዎም ወገናት ከምቲ ዝተጸበዮ ገጽ ዝሃቦ ዞባዊ ሓይሊ የለን።

ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብርተሰብ ዓለም ደዊኑን ንህዝባ ጠሊሙን፡ ዞባዊ ህውከት ክፈጥር እንከሎ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ናይ ዓቕምና ውሱንነትን ናይ ምጽውዋር ዓቕልና ድሩትነትን ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ “ሰብ ጉዳይ ኢና”  ክንብል ጸኒሕና  ኢና። ሎሚ እውን እቲ ዘዛርብ ብመንጽርዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ምዕባለ፡ ኣድማዕነትና ትሑት ምዃኑ እዩ እምበር፡ ኣብቲ መድረኽስ ኣለና። ኣድማዕነትና ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር ምቅላስ ጥራይ ምዃኑ ብኣተሓሳስባ ተገንዚብና ናብ ተግባር ምስጋርና ኣብ ግዜኡ “ተዓዘብቲ ዘይኮና ሰብ ጉዳይ ምዃና” ብግብሪ ዘርኣናሉ ነይሩ። ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ምፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)ን ካለኦት በብግዜኡ ክፍጠሩ ዝጸንሑ ጽምዶታትን ልፍንትታትን ከም ኣውንታዊ ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ክንድቲ ምምስራቶም ከድምዑ ዘይምኽኣሎም ድማ ክንሓዝነሎምን ክንጠዓሰሎምን ዘይኮነ፡ ክንመሃረሎም ዝግበና እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ፡ ናትና  ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ምቅላስ ከኣ እንዳሓየለን እንዳሰጠመን ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፡ ብኣንጻሩ ምርሕሓቕና ኣገራሚ እዩ።

ብ2018 ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን  ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ክሕቆን ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ተኸቲሉ፡ ሓድሽ መልክዕ ምስ ሓዘ፡ ብዙሓት ምዕባለታት ተራእዮም። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ ዝያዳ ኣግዲድዎን ሓድሽ ናይ ውግእን ስግኣትን መልክዕ ኣትሒዝዎን። ነቲ ኣብ ደንብ ተቓውሞ ኤርትራ መሰረት ሒዙ ዝነበረ፡  ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣንጻር ህግደፍ ብሓባር ናይ ምስላፍ ኣንፈት ዘይትስፉው መልክዕ ኣትሒዝዎ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ደማዊ ውግእ ኣኸቲሉ። ኣብቲ ዝተረፈ ክልላት እታ ሃገር ከኣ፡ ነቲ ኣብ ሕቑፊ ሓደ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ተኸኣኢሉ ክጐዓዝን መሰረታት ልምዓት ክዝርግሕን ጀሚሩ ዝነበረ ኣካላት፡ ናብ ሓደገኛ ምብትታንን ሕድሕድ ምጉናጽን መሊስዎ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን ጸገም ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ናብ ዞባዊ ሓደጋ ይምዕብል ከም ዘሎ  ኣፍካ መሊእካ እትዛረበሉ እዩ።

እዚ ዞባዊ ሓደጋ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ንክዓርግ፡ ብግሁድ ይኹን ብስዉር ካብ ቀረባ ይኹን ካብ ርሑቕ፡ ዝዋስእሉ ብዙሓት እዮም።  ህግደፍ ከኣ ቅድሚት ዝስራዕ ተዋሳኣይ እዩ። እዚ ሎሚ ንሕና እንምስክሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኢትዮጵያውያን ኣትየሞ ዘለዉ ጸገም ብውግእ ከምዘይውዳእ ተገንዚቦም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ናይ ሰላም ስምምዕ ምፍርራሞም፡ ኣብ ምትግባሩ ህግደፍ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይንዎም ከም ዘሎ፡ መዘራረቢ ብዙሓት ኮይኑ ስለ ዘሎ፡  ኣግሂድካ ክዝረበሉ ዘለዎ ህግደፍ ዝሓላለኾ ዞባዊ ጸገም እዩ።

እቶም ንህግደፍን ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ኣብ ምውጋድ ቀዳሞት ተሰለፍቲ ክንከውን ዝግበኣና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ኣካላት፡ ናይ ተሰማዕነትና ድሩትነት ብዘየገድስ፡ ምስቲ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ኮይና፡ “ተዓዘብቲ ዘይኮና፡ ሰብ ጉዳይ ኢና” ዝብል ድምጺ፡ ኣብዚ ዝሕቆን ዘሎ ዞባና ከነቃልሕ ይግበኣና። ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ሓላፍነትናን ኣብ ጉዳይና ናጻ ናይ ምውሳን መሰልናን  ዘንጊዕና፡ “እገለ ምስዚኦም እዩ፡ እገለባ  ምስቲኦም እዩ” እንዳበልና፡ ተለጠፍቲ ናይ በበይኖም፡ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ኣካላት ከይኮና፡ ቁመናና ኣደልዲልና ክንረግጸሉ  ኣብ ዝግበኣና ወሳኒ መድረኽ ኣለና።

ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ዲሞክራስያዊ መትከል ብዙሕነት ተቐቢልካ፡ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ቀዳምነትካ ኣነጺርካ፡ ኣብ ዙርያ’ቲ ዘሰማምዓካ ኣተሓሳስባ ኣትኪልካ፡ ዝተበታተነ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ምቅላስ፡ ካብቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝግበኦም ነቲ ሓደ ዘርብሕ ነቲ ካልእ ከኣ ዘኽስር ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ሓባር ዓወት ዘብጽሕ እዩ። ካብቲ ብዙሕ ብሓባር ናይ ምቅላስ ምስጢራትና፡ በይንኻ ከተተግብሮ ዘይከኣልካ ሓቢርካ ከተዕውቶ ምኽኣል እዩ። ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ፡ “መተካእታ ዘይብሉ ግደታን መዋጸኦን እምበር ምርጫ ኣይኮነን” እንብል ከኣ ካብዚ መሰረታዊ እምንቶዚ ብምንቃል እዩ።

ብሓባር ምቅላስን ውድባዊ ኮነ ሰልፋዊ ዓቕምኻ ምሕያልን ዝመጋገቡ እምበር ዝጻረሩ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ኣብ ሰልፍኻ ወይ ውድብካ ዝደለብካዮ ዓቕሚ እዩ ነቲ ናይ ሓባር መድረኽካ ዘሕይሎ።  ብሓባር ተቓሊስካ ንምዕዋት ውዳበታትካ ከተፍርስ ናይ ግድን ኣይኮነን። ውዳበታትና ዓቂብና ነቲ ሓቢርና ከነዐውቶ ንኽእል ኢና ኢልና ዝጀመርናዮ ተበግሶ፡ ብሰንኪ መሰረታዊ ዘይኮኑ መፈላለይ ዛዕባታት፡ ኣብ ጉዕዞኡ ሰንከልከላት ዘጋጥሞ ዘሎ ንድሕሪት ከይምለስ ሓቢርካን ዓቲብካን ምቅላስ ኢዩ።  ከምቲ በብግዜኡ እንጭረሖ ሓድሽ ህይወት ብምስራጽ ኣብቲ በዓል ህግደፍ ዝዘርግዎ ዘለዉ ዞባዊ መጻወቲ ሜዳ “ዕዉታት ሰብ ጉዳይ’ምበር ተዓዘብቲ ከምዘይኮንና”  ከነርኢ ብቃልን ግብርን ቅሩብነትና ነሕድስ።

Last modified on Thursday, 24 November 2022 11:23