Print this page

ኣውራስን ወራስን፡ ሓላፍነቶም ማዕረ’ዩ

2022-03-29 08:30:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1191 times
Rate this item
(0 votes)

ቃልሲ ብቆጸራ ኣቐዲምካ ኣብ ዝሓሰብካዮ ናይ ግዜ ገደብ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ብምዕባለታት ዝጽለውን ዝግዛእን መስርሕ እዩ። እዚ ማለት ቃልሲ ተጀሚሩ ክሳብቲ ዝተዓለመሉ ሸቶ ንክበጽሕ በቲ ጀማሪ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ እቲ ዝቐደመ እጃሙ ኣበርኪቱ ነቲ መጻኢ እንዳውረሶ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል እዩ። እቶም ዝወራረሱ ኣካላት ከከምቲ ዝሓልፍዎ መድረኽ ነናቶም ብጽሒት ኣለዎም። እቲ ዘውርስ መሰረት የትሕዝ እቲ ወራሲ ከኣ ኣብ ልዕልቲ ኣቐዲሙ ዝተነጸፈ ባይታ ናቱ ይምልእ። እጃሙ ምስ ወደአ ከኣ ንተካኢኡ ወለዶ   የውርስ፡ እቲ መስርሕ ከምኡ ኢሉ ዋሕዙ ይቕጽል። ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 60ታት ተጀሚሩ ኣብ 90ታት ምዝዛሙ ከኣ ናይዚ መስርሕ ምውርራስ ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ።

መስርሕ ምውርራስ ብግቡእ ምክያዱን ዘይምክያዱን ንቕንዕና፡ ተዓዋትነትን ቀጻልነትን ሓደ ቃልሲ ዝውስን እዩ። ቀጻልነት ኣብ ቃልሲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ  ወሳኒ ባእታ እዩ። እዚ ቀጻልነት  ብምውርራስ እዩ ዝረጋገጽ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ነዚ ሓቂዚ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። እቶም ነቲ ቃልሲ ዝጀመርዎ ገለን ብመስዋእቲ ገለን ድማ ብዕድመ ምድፋእ ካብቲ በሊሕ ቦታ ናይቲ ቃልሲ ክእለዩ እንከለዉ ሳላቲ ዝተከኦም  ሓድሽ ወለዶ  መሳርዕ ቃልሲ ከይዛረየ ኣብ ዓወት በጺሑ።  ሳላ እቶም ቀዳሞት ዘውረሱ፡ እቶም ዝወረሱ ከኣ ናይቶም ዘውረስዎም ሕድሪ ኣጽኒዖም  እጃም ብምድራብ ምስ ቀጸልዎ እቲ ናይ ቃልሲ ሰንሰለት ብግቡእ  ስለ ዝሰጠመ ንጸላኢ ኣሲሩ ዘሕቅቕ  ዓቕሚ ክኸውን በቒዑ።

መስርሕ ቃልሲ ዝነቐለሉ መሰረት ከይሰሓተ ክቕጽል እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝጸልውዎ ሓደስቲ ምዕባለታት  የጋጥምዎ እዮም። እቲ ቃልሲ ከኣ ነዞም ሓደስቲ ምዕባለታት ምስቲ መሰረታዊ ዕላማ ኣብ ግምት እናእተወ ከመሓድሮም ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ምውርራስ እቶም ዝወርሱ ካብቶም ዘውረስዎም ክኸድዎ ዝጸንሑ ኣገባብ ዝተፍልየ ክኸውን ዝዝኽእል። እቲ ጸላዊ ምዕባለታ ካብቲ ናትካ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ከባብያዊ ናይ ኣሰላልፋ ሓይልታት ለውጢ ዝፈጥሮ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ንክትበቅዕ እምበኣር ኣዝዩ ውሕሉል፡ ተዓጻጻፍን ጸዋርን ግና ከኣ ዝነቐለሉ ሸቶ ዘይዝንግዕ ምዃን የድሊ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጀምረ፡ ኣብቲ መስርሕ ብዙሓት ናይ ውሽጥን ግዳምን ምዕባለታት ኣጋጢመምዎ እዮም። ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ጸገማትን ሕጽረታትን ከኣ ከከም ኣመጻጽእኦም ወጊንዎም። ሳላ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ቃልሲ ካብቲ ዝተላዕለሉ ሸቶ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ኣየላገሰን።

እቲ ዝወርስ መንእሰይ ሓላፍነት ምስተረከበ፡ ነቲ መስርሕ ቃልሲ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክብ ናይ ምባሉ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ክበቅዕ ግና ነቲ ካብቲ ዘውረሶ ነባር ዝርከቦ ጸጋን ክብርን መንቀሊ መሰረቱ ገይሩ ኣብ ርእሲኡ ናቱ ዓቕሚ ወሲኹ ዝብርኽን ዝስስንን ክኸውን ይግበኦ። እዚ ማለት ምስቲ መድረኽ ዝሰማማዕ ምውሳድ እምበር ብስም ምውራስ ግዜኡ ዝሓለፎን ንድሕሪት ዝመልስን ኣካይዳ’ውን ይገፋፍጥ ማለት ኣይኮነን። ነዚ እንተዘይበቒዑ ግና ወራስነቱ ኣድማዒ ትርጉም ኣይህልዎን። ዘዝመጸ ወራሲ ወለዶ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እናደርበየን እናነኣኣሰን ግድን “ከም ብሓድሽ ካብ ናተይ እንተዘይ ነቐልኩ”  እንተ ኢሉ ወትሩ “ዘዝወረሰ ጀማሪ” ናይ ምዃን ሓደገኛ ዝሕተላን ጽበትን እዩ  ዘጋጥም። ምውርራስን ቀጻልነትን እውን ትርጉም ይስእን። በዚ ከኣ ታሪኻዊ ዋሕዚ ሕብረተሰብ ይመዛበልን ዋና ይስእንን።

ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ሕቶ ምውርራስ ዝያዳ ካልእ ግዜ ኣዛረብትን ኣሻቐልትን ካብ ዝኾኑ ዛዕባታት ሓደ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣውረስትን ወረስትን ሓሓሊፉ ዝረአን ዝስማዕን ዘይምቅዳው ይንጸባረቕ። እዚ ምውርራስ ብናይ ክልቲኦም ቅሩብነትን ሓላፍነትን ዝትግበር እምበር፡ ናብ ሓዲኦም ዝድርበ ተሓታትነት ኣይኮነን። እቲ ዝትክእ “ክንድቲ ክቕረቦ ዝግበኣኒ ተቐሪበ እየ እሞ ክወርስ ” ዝብል ድሉውነት ከርኢ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ። እቲ ዘውርስ ከኣ “ደጊም ግደኻ እዩ” ኢሉ ሓላፍነት ናይ ምርካብ ድልውነት ከርኢ ምርጫኡ ዘይኮነ ባህርያዊ ግደታኡ እዩ። ምውርራስ ብሓንሳብ ተጀሚሩ ዝውዳእ ቅጽበት ዘይኮነ፡ ነብሱ ብዝኸኣለ መስርሕ ዝትግበር ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። እቲ ብሱል መስርሕ ምውርራስ፡ ኣውራስን ወራስን ቅርቡነቶም ዘርእይሉ ጥንቃቐ ዘድልዮ ወሳኒ መላግቦ እዩ። ብፍላይ እቲ ዝወርስ መንእሰይ ወለዶ ኣብቲ ቃልሲ ተሰሊፉ ነብሱ ክኢሉ መሪሕ ሓላፍነት ክርከብ ዘኽእሎ መባእታዊ ተመኩሮ ዝቐስመሉ ግዜ ከም ዘድልዩ ክርዳእ ይግበኦ። ቅድሚ ሓላፍነት ከኣ ቃልሲ እዩ ክርከብ ዝግበኦ። እቲ ዘውርስ ብወገኑ ክሳብ ሕጂ ዘጽናሕኩዎ ቃልሰይ ከቐጽለለይ እዩ ዝብሎ ምስ ረኣየ፡ ካብ ምርካብ ድሕር ክብል ኣይግበኦን። ናይቲ ዘውርስ ኣካል ኩነታት እቲ ወራሳይ ጥጡሕ እንከሎ ምዝንጋዕን ኮነ ናይቲ ወራሲ ኩነታት ከይበሰለ ብኣቋራጭ እንተዘይወረስኩ ዝብል ታህዋኽ ግና ክልቲኦም ሃሰይቲ እዮም።

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ናይ ግድን ተደላላይቲ ኣውራስን ወራስን ቅድሚ ኩሉ እቲ ሓደ ብዘይ ናይቲ ካልእ ህልውና ከምዘየብሎም ክኣምኑ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ካብዚ መስመርዚ እንተወጺኦም እቲ ኣውራሲ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሲ ብዘይወራሲ ክጠፍእ ምዃኑ ክእመን ይግበኦ። እቲ ወራሲ ከኣ ነቲ ዘውርሶ ግቡእ ኣፍልጦ እንተዘይሂብዎ ዝብገሰሉ መሰረት ከምዘየብሉ ክግንዘብ ይግበኦ። ምኽያቱ ቀንዲ ጠመተናኳ ንቕድሚት እንተኾነ፡ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ብዘይትማሊ ህልውና የብለንን። ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ሓደ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣይጠቅምን እዩ፡ እቲ ካልእ ከኣ እዚ ናይ ትማሊ ነባር እንታይዶ ሰሪሑ እዩ? ክበሃሃሉ ግዜ ምቕታል ውጽኢቱ ብዘይ ታሪኽን ዓወትን ምትራፍዩ ዘኸትል። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካ፡ዊ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ኤርትራ ናይቲ ወራሲ መንእሰይ ከምቲ ዝድለ ዘይምስታፍ ዘሰክፈን  ናይ ዘይምቕጻል ሓደጋ ከየጋጥም ስለ ዝሰግኣ እየን። እዘን ውዳበታት ነቲ መንእሰይ ኣብ ጐነን ኣየሰልፈኦን፡ ወይ እዚ መንእሰይ ኣብ ውድባት ናይ ምስላፍ ትብዓት የብሉን ዝብሉ ምክሳሳት ደጊም ይኣክል ክበሃሉ ይግበኦም። ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዘታኣታተዎ ናይ  ሕሰምን ስቓይን ውርሻ ገጽ ከይሃብካ፡ ኣብ ገዛእ ውራይካን ትውልዳዊ ሓላፍነትካን ክትዕደም ወይ ኩሉ ክሳብ ዝጣጣሓልካ ክትጽበ ዘይኮነ፡ ባዕልኻ ደፊእካ ምእታውን ነቲ ብማዕዶ እትፈርሖ ኩርኳሕ ቃልሲ ናይ ምጽራግን ሓልፍነት ናይቲ ወራሲ ሕድሪ መንእሰይ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ቅኑዕ መስርሕ   እዩ።

Last modified on Tuesday, 29 March 2022 10:38