Print this page

ዓምን፡ ሎምዘበንን

2021-12-31 19:16:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1209 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ “2021 ዓሚ፡ 2022 ድማ ሎምዘበን” ኣብ እንብለሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “ሎምዘበን ኮይነ፡ ኣለኹ” እትብል ዘላ ዓመት “ዓሚ” እትበሃለሉ ግዜ እውን ዑደቱ ሓልዩ ጽባሕ ደበኽ ክብል እዩ። ወዮ ኩሉ ግዜ፡ ናይ ግዜ ጉዕዞ ቅልጣፈ ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ዘይንስጉምን ከኣ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ኢና  እንብል። ከብቲ ልሙድ መስርሕ ዘይወጸት ክነሳ፡ “ሎምዘበን  ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ምባልና እውን ልሙድ እዩ።

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን እዩ። ዓምን ሎምዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ ንሕና  ደቂ ሰባት እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግሞ ይግበኣና። እዛ ናይ ዓመታት ምርኽኻብ ንዓመታ ቆጸረኣ ኣኽቢራ ከም እትመጽእ እውን ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይቲ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ንምውጋድን ነቲ ኣውንታ ድማ ዝያዳ ንምሕያሉን እዩ።

ኣብታ ዝሓለፈት ድሮ ዓሚ ኮይና ዘላ 2021፡ ኤርትራና ከመይ ከም ዝሓለፈታ  ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦም ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ “ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና  ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ ቀጻሊ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን።  እንተኾነ ኮይኑስ  ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡  ከም ዝተወግኡን  ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ርሑቕ ከይከድና ከካብ መቕርብና ንርደኦ ዘለና እዩ። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይተሳተፈን” ክብሉ ጀሚሮም ዝነበሩ፡ ሎሚ ብመርትዖታት መህደሚ ብዘይርከቦ መጻወዲያ ሓቂ ተታሒዞም እዮም። ኣብቲ ውግእ ምስታፍ ጥራይ ኣይኮነን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሲቪላዊ ቅትለትን ንብረቱ ምርሳይን ተሳቲፉ ዝብል፡ ነቶም ራሰይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍር ስማዕ እዩ። እዚ ጉዳይዚ  ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ዝዝረበሉ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ዝምታ ንብረት ሲቪላውያን፡ ቅትለትን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን  ተጻርዩ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ከይድገም ከነወግዞን ክንመሃረሉን ዝግበኣና ጽዩፍ ተግባራት ሓደ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ምምርሳሕ ምኽኑይ ንምግባር ዝሓለፈ ጌጋታት ምጽብጻብ ውሕሉል ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ኣብ ሓደ ነጥቢ ጠጠው ክብልን ክውገዝን ይግበኦ። ምጽብጻብ እንተቀጺሉ ግና “ገበረኒያ ክገብርሲ ዓዲ ነየጋብር” ከም ዝበሃል ኣብ ምፍድዳይ ሕነ ከይንነብር ዘየስግእ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ትግራይ ዝምርምር ፍሉይ ኮሚሽን ኣውጺኡ ኣሎ። ድሮ ውጽኢት ናይዚ ኮሚሽን ከይተፈለጠ ከኣ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ከም ኣብነት ወሲድና ንሰበ ስልጣን ኤርትራ ከም ግብረ-መልሲ ንኢድ ኣእታውነታ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ብእገዳታት ክትቐጽዕ ጀሚራ ኣላ።

ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። 2022 ካብ 2021 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽን ዝሑል ውግእ እንደገና ከይክሰት ዝስገኣሉን  ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኾነሉ፡ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነብሱ ዝኸኣለ ናባና ከይተረፈ ስግኣት ዘሕድር እዩ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፈኸም ዝብል ዘሎ ምትፍናን ኣብዚ ናይ ህግደፍ ዲዕ ዝበለ ኢድ ኣእታውነትን እውን ንህዝብናን ሃገርናን ስግኣትን ሻቕሎትን ዘሕድር እምበር  ምልክት ብስራትን ተስፋን ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ኣብ 2022 ካብ ዘሰክፉ፡  እዚ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ዞባና ዘድበንብን ዘሎ ውግእን ሳዕቤናቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምልባዕ ኮቪድ-19ኳ ነዛ ሓዳስ ዓመት ኣብ እንቕበለሉ እዋን ኤርትራ እንኮ ዜጋታታ ክኽተቡ ዘይፈቐደት ሃገር ትበሃል ኣላ። “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ”  ከም ዝበሃል፡ ኮቪድ-19ን ውግእን ኣብ ህዝብና ኣሕዲርዎ ዘሎ ሓድሽ ስግኣት ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ፡ ውግእ እንተዘይኮይኑ ሰላማዊ መፍትሒ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ናይ ደሓን ሓዲድ ስሒቱ፡ ክወጾ ኣብ ዘይክእል ዘይጉዳዩ ሰልሚ ተሸኺሉ  እዩ።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2022 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሓልፍ፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት ግድን ክማላእ ዝግበኦ ቅድመ-ኩነታት፡ ሓደ ከኣ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን እዚ ግንዛበዚ ነይሩና እዩ። ካብዚ ግንዛበዚ ነቒልና ኢና ከኣ፡ ኣብ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወሰነ ርሕቀት ዝሰጐምና። እዚ ግደታ እምበር ምርጫ ዘይኮነ  ኣብ ዝሰፍሐ ጽላል ምጥርናፍ ንምሕያል ኣብዛ ዘፋነናያ ዓመት ብመንጽርቲ ግዜ ዝጠልበና ብቑዓት ኣይጸናሕናን። ኣብ ሓዳስ ዓመት 2022ከ ኣብዚ መዳዚ ከመይ ክንከውን ኢና? ዝብል ሕቶ ግን፡ ግድን ክምለስ ዘለዎ እዩ። ነዚ ሕቶዚ ብኣውንታዊ እንተዘይመሊስና ግና እቲ ናይ ዓመታት ምልውዋጥ ኣብ ዕድመና ምውሳኽ እንተዘይኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ። ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ግደ ክጻወት ከም ቀደሙ ድልዊ ክኸውን እዩ።

Last modified on Friday, 31 December 2021 20:23