ክቡራትን ክቡራንን
ኣቦ መንበርን ኣባላትን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ፤
ኣቦ መንበርን ኣባላትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ፤
ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፣ ኣባላት ጉባኤን ዕዱማትን፤
ኣብዚ ካብ ዓመትን ፈረቓን ንላዕሊ ብኣካል ምርኻብ ዝኸለከልና ቀታሊ ሕማም ለበዳ ኮቪድ19፡ ብካልእ ስልቲ፡ ብናይ ማዕዶ/ ቨርቹዋል መራኸቢ፡ ጉባኤኹም ምስልሳል ምብቃዕኩም ዮሃና እብል። ነቶም እዚ ሕማም ዝቐዘፎም መንግስተ ሰማያት፡ ነቶም ስንክልና ዝገደፈሎም ከኣ ምሉእ ምሕረት እናተመነኹ፡ ወዲ ሰብ ነዚ ሓደገኛ ሓማም ክስዕሮ እትስፎ። ኣብ ክሊ’ዚ ኩነታት እተካይድዎ ዘለኹም ጉባኤ እምበኣር፡ ከምቲ ንምድላዉ ዝተዓወትኩምሉ ንምዝዛሙ ከኣ ዓወታት ከሰንዮ እናተመነኹ ብስም ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምታይ አመሓላልፍ።
ክብራትን ክቡራንን
ዞባዊ ጉባኤ ኤውሮጳ ጉባኤ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጉባኤ፡
ንሕና ከም ሃገር ኰነ ከም ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ምዕባሌታት ኢና ዘሎና። ነቶም አብ ውሽጡ ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነ ከኣ ንኣህጉራዊ ፖሊቲካ ስሒቡ ዘሎ ምዕባሌታት እዩ። ዓበይቲ ተወዳደርቲ ሃገራት ከይተረፈ ዝሰሓሓባሉ ተርእዮታት ከይኑስ፡ ናይ ማዕዶ ውግኣት ክበሃል ብዝኽእል ዝተኣታተዋሉ ዘለዋ ኣብነታት ኣሎ’ዩ። ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ናብ መወዳእታኡ ዘይንጹር ናይ ምድኻም ውግኣት (war of attrition) ይቕየር ኣሎ ዝብሉ ሸነኻት ውሑዳት ኣይኰኑን። ንሕና ከም ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ክንዋሳእ ከሎና፡ በቲ ምዕባሌታት ብቐጥታ ንጽሎ። ብዛዕባኡ ንጹር መርገጽ ሒዝና፡ ክንጐዓዝ ድማ የድልየና። ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ሓይልታት፡ ውሁድ መርገጽ ሒዙ ይጐዓዝ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝተፈላለየ ምርገጻት ሒዙ’ዩ ክጐዓዝ ጸኒሑ። ሰልፍና ነዚ ብዝምልከት ምስ እዉጅ መስመሩ ዘሳኒ መርገጻቱ ብንጹር ኣብርሁ ኣሎ። እቲ መርገጻት ብዘተ ማዕቢሉ፡ ናይ መላእ ደምበ ተቓውሞ ሓፈሻዊ መረዳድኢ መርገጽ ንክኸውን ከኣ ክጽዓረሉ ጸኒሑ።
ኣዋጃት ማእከላይ ባይቶ ከም ዘብርሆ፡
ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ፖሊሲ ናይ ሰልፊ ተመርኲሱ፡ ነዚ ኣዕናዊ ኲናት ዝኹንን ሰላማዊ ስልፍታት፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ስጉምታትን ናይ ኤርትራ ምትእትታውን ዝጻረር ምሕዝነታዊ መርገጻት ከም ዘንጸባረቐ፡ ጸብጻባት በጺሑና እዩ። እዚ ጉባኤኹም ከኣ ከምዚ ንዝበለ ንጥፈታት ብምድጋፍ፡ ናይ ሰልፊ መርገጽ ብዝያዳ ከተንጸባርቑ ዘሎና እምነት ልዑል እዩ።
ክቡራትን ክቡራንን ጉባኤኛታት
ኣብ መዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ድሕር’ቲ ብ2019 ዘተኻየደ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ዓቢ ክፋል ናይ ኣትኩሮና ተዋሂብዎ ምጽንሑ፡ ብደረጃ መሪሕነት ኣብያተ ጽሕፈትናን ዞባታትናን ዝተዋሳኣናሉ መዳይ ምዃኑ፡ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ጉባኤ ብዝተዋህበና ሓላፍነት፡ ከም ሰልፊ ኩሉ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝዀነ ሓይልታት ንምጥርናፍ ዘካየድናዮ ንጥፈታት ኣዝዩ ዝምስገን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ድሕሪ ስምምዕ ለንደን፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ምውህሃዳዊ መድረኽ ምጅማሩን፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላውን ኣወንታዊ እዩ። እንተወሓደ ነቲ ናይ ሓድሕድ ምትፍናንን ምንጽጻግን ወጊዱ፡ ናብ ልዝባት ክንኣቱ ኣብቂዑና። ግን እቲ ዝበሃግናዮ ኩሉ ረኺብናዮ ማለት ኣይኰነን። ክንዛነ ዕድል ብዘይህብ ጻዕርታትና ክንቅጽል የድልየና። ከም’ዚ እንከሎ ግን ማዕረ’ቲ ዝተጸበናዮ ኣይኹን’ምበር፡ ኩልና እቶም ንፍትሒ እንቃለስ መምስ ርእይቶና እንከሎና ምክብባርን ምጽውዋርን ከነስተናግድ በቒዕና ኢና። ሕጂ ናብ ሳልሳይ 6 ወርሒ ናይ ምውህሃዳዊ መድረኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰፊሕ ኩሉ ሓቆፍ ኤርትራዊ ጸረ ምልካዊ ጽላል ንምፍጣር ዘኽእል መጽናዕታት ተዳሊዩ ኣሎ። ንሕና ከም ሰልፊ ካብ መድረኽ ምውህሃድ ሰጊርና፡ ነዚ መጽናዕታት ኣጽዲቕና፡ ሰፊሕ ጽላል ናብ ምፍጣር ንበገስ ዝብል ርእይቶ ኣሎና። ንኹለን መሻርኽቲ ሓይልታት’ውን እዚ ርእይቶና ኣቕሪብና ኢና። ማእከላይ ባይቶ ብዘጽደቖ መሰረት ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ናብ ምድላዉ ክንኣቱ ብወገንና ወዲእና ኣሎና። ግን ‘ብሓደ ኢድ ኣይጣቓዕን’ ከም ዝበሃል፡ መሻርኽትና ዘይወድእዎ ጉዳያት ተረኺቡ ብምህላው እቲ መስርሕ ጌና ኣብ ትጽቢት ኣሎ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት፡ ኣውራ ድማ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዝተፈላለየ መርገጻት ብምንጽብራቑ ነቲ ሓባራዊ ዕዮ ኣዳኺምዎ። ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ህንጸት ምትእምማን (Process of trust building) እውን ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ። ንሕና ነቲ ኩሉ ህዝብና ዝደልዮ፡ ኩሎም ፈተውትና ዝጽውዕዎ፡ ኩሉ ተቓዋማይ ድማ ዝጭርሓሉ፡ ስሙር ዕዮ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ኣይክንደክምን ኢና። ንእሽቶ ቁልዒ ናይ ምትሕባባር እውን እንተዀነት ከነጉህራን ናብ ሃልሃልታ ስምረት ከነማዕብላን ክንጽዕር ኢና።
በቲ ካልእ መዳይ ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ነተን ኣብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጥራይ ተጸሚደን ዘለዋ ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። እቲ ቃልሲ ናይ ኩሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓይልታት እዩ። ስለ’ዚ ቀጻሊ ዘተ ብምክያድ፡ ሓደ ሸለል ዘይበሃል፣ ተረጊጹ ዘይሕለፍ፣ ሓባራዊ ድምጺ ኤርትራውያን ዘቃልሕን መሰላት ኤርትራውያን ዝሕሉን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምምስራት ተደላይነቱ ህጹጽን ዕዙዝን እዩ። በዚ መሰረት መሪሕነታት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ምስ መሪሕነት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን (ዓምይኤ) ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ልዝብ ጸኒሑ። ሕጂ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 መዘክር መርድዳእን ስምምዕን ክኽትም በቒዑ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ብምውህሃድን ናይ ጽምዶ ስራሓትን ጀሚሩ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ሓይሊ ወይ ጽላል ምምስራት ዘማዕዱ ስምምዕ እዩ። ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ምስ ዓምይኤ ሓባራዊ ዕዮ ብተግባር ክጅምር ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ጉባኤ
እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓበይቲ ሃገራውን ከባቢያውን ኩነታት ከም ሰልፊ ዝምልከተናን፡ ብቐረባ እንሰርሓሉ ዘሎናን ጉዳይ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍና ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ኣብ’ዚ ዓበይቲ ጉዳያት ኣገዳሲ ብቑዕ ተራ ዝህልወና ግን፡ መጀምርታን ልዕሊ ኩሉን፡ ንሕና ምስ እንህሉ እዩ። ምስ ህላዌና ዝመጣጠን፡ ስጡምን ብቑዕን ሰልፊ ምስ እንሃንጽ እዩ። እንተዘይሃሊና ወይ እንተደኺምና ማዕረኡ ተራና ይህሰ። በዚ መሰረት ሰልፍና ምህናጽን ምዕባዩን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ጠጠው ኣይብልን’ዩ። ብዝተነጸረ፡ ካልእ ምንቅስቓሳት ንህንጻ ሰልፍና ኣይትክኦን እዩ። እዚ ማለት፡ ኣብ ጥዑምን ህዱእን ኩነታት ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ። ኣብ ጽንኩር፡ መሪርን፡ ዝተሓላለኸን ኩነታት እውን ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ። እቲ ሰልፊ ብቑዕ ዝኸውን ከኣ፡ ንጹር ራእይ ዝወነነ፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዝሓለወ፡ ኣብ ግዜ ህቦብላን ዘይርጉእ ንፋስን ዘይነቓነቕ፡ ምስ ዝኸውን እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ንዝምድናታቱ ዝጠምር ሕግታት ዘለዎ፡ ኣብ ግዜኡ ጉባኤታቱ ዘካየድ፡ኣብ እዋኑ ምቅይያር መሪሕነታቱ ዘዘውትር፡ ምልኣት ተሳትፎ ሕብረተሰባዊ ክፍልታትና ዘረጋግጽ ሰልፊ ክኸውን የድልዮ። ኣውራ ከኣ ነዚ ኩሉ ብግቡእ ዝርዳእ ንቑሕ፡ ሓያልን ውፉይን ኣባል ዘለዎ ሰልፊ ምስ ዝኸውን እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣባል ዘለዎ ሰልፊ፡ ንዲሞክራስያን ግዝኣተ ሕጊን ዕጥቁ ስለ ዝገብሮም፡ ሕማቕ ኩነታትን ፈተነታትን እንተጋጠመ’ውን፡ ነቲ ፈተነ ሰጊሩ ዝቕጽል ዘይሰዓር ወይ ዘይሓቅቕ ሰልፊ’ዩ ዝኸውን።
ዞባ ኤውሮጳ እምበኣር፡ ብተረድኦይ ዓቢ ተልእኾ ተሰኪሙ እዩ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ። ጉባኤኹም ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ሰዲህኤ እዩ። ምዕዋቱ ከኣ ናይ ሰልፊ ዓወት’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ እውን ዓቢ ናይ ዓወት መቓልሕ ክሰድድ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ሰዲህኤ ኤውሮጳ፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰልፍና ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ምዕሩግ ቦታ ከም ዝሕዝ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ኣብቲ መሪር ኩነታት ናይ ሰልፊ ጾር ክስከሙ ዝበቕዑ ኣባላትን ጨናፍርን ነይሮሞ። ሕጂ’ውን እዚ ምዕሩግ ቦታ’ዚ ክሕደስን ብዝለዓለ ንጥፈት ግቡእ ሰፈሩ ክሕዝን ጉባኤኹም መነሃርያ ክትገብርዎ እዋኑ እዩ።
በዚ መሰረት ጉባኤኹም ዓወታት ከሰንዮ፡ ንመስመር ሰልፊን ተራኡን ዘዕዝዝ ክኸውን እናተመነኹ፡ ብውጽኢት ናይ ጉባኤ መሰረት ከኣ፡ ኩለን ጨናፍር ኤውሮጳ፡ ክገጥመን ዝጸንሐ ሽግራትን መሰናኽላትን ሰጊረን ክስስና፤ ብሓድሽ ንያትን ብሓድሽ ተወፋይነትን፡ ኣባላተን ከብዝሓን ኣድማዒ ዕዮታት ከብርክታን፡ ትጽቢትናን ትጽቢት መላእ ኣባላት ሰልፍናን ምዃኑ ከመልክት እፈቱ።
ዕዉት ጉባኤ ይገብረልኩም!
ሰዲህኤ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!
ተስፋይ ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
ጥቅምቲ 30, 2021