Print this page

ልኡላውነት ናይ ምዕቃብ ብደሆ

2021-06-23 06:35:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1965 times
Rate this item
(0 votes)

ቃልስና ካብ መሰረቱ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር ነይሩ፡ ሕጂ እውን እዚ ሓላፍነትዚ ምህናጽ ልኡላዊት ሃገር ወሲኹ ህያው ኣሎ። ልኡላውነት ሃገር ክንብል እንከለና ካብ ክብርን ሓድነትን ህዝቢ ፈሊና እንርደኦ ዘይኮነ ምስኡ ሓቢሩ ዝግለጽ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ብፍላይ ምስ ምትግባር  ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተተሓሒዙ ንልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ከሰሓሕብ ጸኒሑ እዩ። ዝንባለታት ጥራይ ዘይኮነ “ኣየናይ ይቐድም፡ ምትግባር ብይን ዶብዶ ወይስ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ህዝቢ ካብ ወጽዓ ሓራ ምውጻእ?” ዝብል ኣዝዩ ኣከራኻርን ከም ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ መፈላለይን ኮይኑ ዝቐረበሉ ኣጋጣምታት እውን ነይሩ። ካብዚ ብምንቃል ኣብቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክግበር ዝግበኦ ዝምድና እውን ናይ መቀራረብን መረሓሓቕን መምዘኒ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት እውን ነይሩ።

ቃልሲ  ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንግሆኡ ዝተበገሰሉ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ክሰፍሕ እንከሎ፡ ምውሓስ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ከኣ ብሓደ ካብዞም ከሰሓሕቡ ዝጸንሑ፡ ነጻጺልካ ብምሓዝ ንልኡላውነት ሃገር ወይ ክብሪ፡ ሓድነትን ሓርነትን ህዝቢ ዘይኮነ፡ ንክልቲኦም ሓቚፉ ብዝሓዘ ኣገባብ እዩ ዝረጋገጽ። ልኡላውነት ኤርትራ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ግምት ብዘየእተወ፡ ብሩባታት፡ ጐላጉል፡ ወደባትን ባሕርን ዝመልከዓት ሃገር ምውናን ጥራይ ማለት ኣይኮነን። በቲ ሓካልእ ገጹ እውን ካልእ ኩሉ ብቕዓት፡ ሓርበኝነትን ሓድነትን ብዝውንን  ግና ሃገር ብዘየብሉ ህዝቢ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ልኡላውነት ሃገርን ህልውና ህዝብን ሓደ ካብቲ ሓደ ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ምዃኖም ሓላፍነታዊ ግንዛበ ክንወሰድ ይግበኣና። ንልኡላውነት ክትቃለሰ እንከለኻ እንተላይ ንሓድነትን ሓርነትን ህዝቢ፡ ንሓርነት ህዝቢ ክትቃለስ እንከለኻ እውን እንተላይ ንልኡላውነት ሃገር ትቃለስ ኣለኻ ማለት ምዃኑ ካልእ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ። እቲ “ጉዳይ ሃገርዶ ጉዳይ ህዝቢ ኣየናይ ነቐድም?” ዝብል ናብ “ደርሆዶ እንቋቁሖ ይቕድም” ዝዓይነቱ ሸንኮለል  ዝወስድ ስለ ዝኾነ፡ ንጉዳያት  ኣስፊሕና ከነገናዝብ ይግበኣና  እዩ። ክነጻጸሉ ዘይግበኦም ጉዳያት  ነጻጺልካ ሸንኮለል ኣብ ምባል እቲ ቀንዲ ተጠቓሚ መላኺ ጉጅለ ኢሳያስ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሸንኮለል ተኸዊሉ ብልኡላውነት ንክጣላዕ ስለ ዝሕግዞ።

ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ሓንሳብ ተቓሊስካ ምስ ኣመዝገብካዮ፡ ኣኺልዎ ኢልካ እተዋድቖ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዘየቋርጽ ሓለዋን ክንክንን ዘድልዮ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ልኡላውነት ሃገርናን ብዙሕነታዊ ሓድነት ህዝብናን ወትሩ ነቒሕና ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎም ዝግበኣና። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ሃገርና ኣብ ትሕቲ፡ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ብዝተኾየጠ፡ እሞ ከኣ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ሕግን ትካላትን “ኣመሓድር ኣለኹ”  ዝብል ኣካል ኣብ ዘላትሉ፡ ንልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቖም ዕድል ክፉት እዩ። ብዙሓት ናይዚ ዓውዲ ክኢላታት ከም ዝግምትዎ፡ ጉጅለ ኢሳያስ ከጸብቕ እዩ ዘይተዓደለ እምበር፡ ኣብዚ መዳይዚ ክጽይቕ ኣይክእልን እዩ ኢልካ ምድምዳም ኣጸጋሚ እዩ። ሎሚ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ስም ኤርትራን ናይቲ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለን ዝለዓለሉ ዘሎ ኣገባብን ቅኒትን ከኣ ነዚ ስግኣትዚ ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዲክታተር ኢሳያስ ነቲ ንብዙሓት ዘዛረበን ዘዛርብ ዘሎን፡ ትካላውነትን ግሉጽነትን ዘይነበሮ፡ መንቀሊኡ ኮነ መዓርፎኡ ዘይፍለጥ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጐዝጒዙ ከቕርቦ ዝጸንሐ ጠገለ ዘይነበሮ ግና ከኣ ሓሲቡ ዝገበሮ ኣዕናዊ ምርጫ ምንባሩ፡ እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ምልክታት ናይቲ ዝተጠቕሰ ስግኣትን ሓደጋን ውጽኢት እዩ። ኢትዮጵያውያን እቲ ቅድም ምሃለውለው ኢሳያስ ዘርኣይዎ ስቕታን ጉርሕን ድማ ነቲ ዝበሎ ናይ ምርጓድ ዝንባለ ነይሩ። እዚ ስቕታ ኢትዮጵያውያን ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ንክጽይቕ ከም ዘተባብዖ ዘረድእ እዩ። ሎሚ ግና ገለ ርትዓውያን ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያውያን ምስ ሓደ ኣብ ሃገሩ እሾኽ ዝዘርአ ጽቡቕ መጻኢ ዘይረኣዮ፡ ኣብ ጥዕናኡ ዘጠራጥር ብቒምን ቅርሕትን ዝመረተ “መራሒ ሃገር” ምዝማድ ክሳብ ክንደይ መዘዝ ከም ዘምጸኣሎም ዓው ኢሎም ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሕና ኢስያስ ልኡላውነት ሃገርና ኣሕሊፉ ከይዕድለልና ክንሰግእ እንከለና፡ ብሕቡእ ስምምዕ ወደብን ባሕርን ከይምጥው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክብርን ሓድነትን ናይቲ ብቃልሱ ልኡላዊት ሃገር ዘውሓሰ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከየእቱ እውን ኢና። እንተኾነ እዚ ኢሳያስ ካብ ትንዕምንዕ ሓሊፉ ተደቕዲቕዎ ዘሎ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዝህድድ ሓደገኛ ኣቕጣጫ፡ እንተገደደስ ዋጋኡ ይኸብርን ዝወስዶ ግዜ ይነውሕን እምበር ዘይዕጸፍ እዩ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ ድሌት፡ ኣፍልጦን ፈቓድን ህዝብና ክኸይድ ይደሊ ስለ ዘሎን ኣብ መወዳእታ ውሳነ ህዝቢ ክስዕር ናይ ግድን ስለ ዝኾነን። ምስዚ ኩሉ እምበር “ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ናይ ምዕቃብ ብደሆ” ዝከኣል ግና ከኣ ብቐሊሉ ዝዋሓስ ስለ ዘይኮነ፡ ብዓንተብኡ ክንዕጠቐሉ ዝግበኣና ናይ ሓባርና ሓላፍነት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ሓላፍነቱ መተካእታ ዘየብሉ ምዃኑ ንካልኢት’ውን ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ሎሚ ንልኡላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ዝጻብኡ ወስታታት ዋናኦም ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ንእኩይ ተግባራ ጉጅለ ህግደፍ ዘራጉዱ ኣእማን ዝድርብዩ ካልኦት ወገናት እውን ኣለዉ። ዝተፈላለዩ ዘቤታዊ ዝንባለታትን ምስ ጐረባብትና ህዝብታት ዘለና ማሕበረ-ባህላዊ ምምስሳልን እንዳመዝመዙ፡ ንሓንሳብ ማዕረ ኤርትራዊ ሃገርነት ንሕንሳብ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ኣበሪኾም፡ ዝተፈላለዩ ኣንጻር ሓድነት ህዝብና ዘቐንዑ ኣጀንዳታት ምሂዞም ዝንቀሳቐሱ ንዕዘብ ኣለና። እዚኣቶም ዝኸድዎ መንገዲ ክሳብ ክንደይ ነቲ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ናይ ምዕቃብ ሓላፍነትና ከም ዘኽብዶን ከም ዝሓላልኾን ክግንዘቡ ከኣ ብዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽሮም ንፈቱ። ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነትን ንኹልና ኤርትራውያን፡ ትሕቲ ኤርትራዊ ሃገርነት ዝስራዕ መንነትና ብዘየገድስ ዝምልከት እዩ። ነዚ ንኡስ መንነትና ነንጸባርቐሉ ናይ እምነት ድዩ ናይ ባህሊ፡ ናይ ቋንቋ ድዩ ከባቢ ዛዕባ፡  ማዕረ እቲ ዝዓበየ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ሰሪዕና ንጉጅለ ህግደፍ ስዒርና ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ኣብ ድልዱል ባይታ ከነውሕስ ከቢድ እዩ። እንተኾነ፡ ብዘይዕጸፍ ቅሩብነትን ዓቕምን ህዝብና ከነዐውቶ ኢና።

Last modified on Wednesday, 23 June 2021 08:39