Print this page

ሳዕቤን ውግእ ኣብ ትግራይ፡ ናብ ኤርትራ

2020-11-14 10:14:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2146 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ውግእ ምስተጀመረ፡ “እቲ ውግእ ኣብ መንጐ መነመን እዩ?፡ ናብ ውግእ ዘብጸሐ ጠንኪኸ እንታይ እዩ?፡ ብድሕሪቶም ተዋጋእቲኸ መን ኣሎ?” ዝብሉ ሕቶታት ካብቶም ቀልጢፎም ዝለዓሉ እዮም። ናይዞም ሕቶታት ርጉጽ መልሲ ምርካብ ቀሊል ኣይከውንን። ምኽንያቱ ርጉጽ ሓበሬታ ውግእ ብባህሪኡ ሕቡእን ምስጡርን ኮይኑ ብኣዝዩ ረቂቕ ሕሳብ ዝወሃብ ስለ ዝኸውን። ከምዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ንዕዘቦ ዘለና መራኸብታት ዓጺኻ፡  ሓበሬታ ኣብ ዘይረከበሉ ኩንነታ’ውን ስለ ዝካየድ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ሓያልን መጀመርታኡ እምበር፡ መወዳእታኡን ሳዕቤኑን ምግማቱ ዘጸግም ውግእ ይካየድ ኣሎ። እቶም ሕድሕድ ተዋጋእቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እዮም። ዋላ’ኳ ልሙድ ኮይኑ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጐ’ቶም ዕጡቓት ሓይልታት ጥራይ ዝካየድ ዘሎ ኣምሲልካ ዝግለጽ እንተኾነ፡ እዚ ግን ንኣሰላልፋ ናይቲ ሓይልታት ዘመልክት እምበር፣ ብኽልቲኡ ወገን ንህዝቢ እውን ዝምልከት እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝካየድን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሳዕቤን ዘየኸትልን ውግእ ስለ ዘየለ።

ናብዚ ውግእ ዘብጸሖም ምኽንያት፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ኣብ ኣዝዩ ብዙሓት ጉዳያት ብዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ዝተሰነየን እዩ። ፍልልይ ኣብ ምምዛን ተመኩሮ ናይ 27 ዓመታት ምምሕዳር ኢህወደግ ገዲፍካ፡ ጉዳይ ሕገመንግስቲ፡ ኣብ ግዜኡ ምክያድን ምንዋሕን ምርጫ፡ ጉዳይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፖሊሲን ሕቶ ስልጣንን……ወዘተ ካብቶም ናብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ዝማዕበለ ፍልልያት ዝተራእየሎም ዛዕባታት እዮም። ብፍላይ ጉዳይ ምክያድን ዘይምክያድን ምርጫ ፡ ኣብ ሕድሕዶም ከም ሕጋዊ ኣካል ኣፍልጦ ምክልላእ ስለ ዘስዓበን፡ እቲ ዝበለሓ ናብዚ ውግእ ዝደፈአ ጠንቂ እዩ ኢልካ ምውሳዱ ይከኣል። ነዚ ፍልልያት ኣብ ምብራህን “ኣነ እየ ቅኑዕ ዘለኹ” ንምባልን ብኽልቲኡ ወገናት ክወሃብ ዝጸንሐን ዝወሃብ ዘሎን መርትዖታት ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ እዩ።

ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራን ዝምድና ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን እውን ክንድቲ ኢትዮጵያዊ ዛዕባታት ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ሓደ ካብ ዝፈላልዮም ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ልኡላውነትና ከም ገጸበ-በረኸት ኣሕሊፉ ንምሃብ ከዕለብጥ ዝጸንሐ፡ ዲክታተር ኢሳያስ ተዓራሪኹ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለትየ ባሕርና መጸት” ክብል ጸኒሑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግና፡ ዕቃበኡ ኣብቲ ዘይተወገነ ጉዳይ ዶብን ናይ ገለ ተጋሩ ባእታታት ሸታሕታሕን ገዲፍካ፡  “ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ” ኣብ ዝብል ጸኒዑ ኣሎ። እዚ እዩ ከኣ ንህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ “ጉዳዮም እዩ” ኢልና ጐሲናዮ ዘይንሓልፈሉ ምኽንያት። ቀንዲ ተገዳስነትና ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ማእከሉ ልኡላውነትን ረብሓን ኤርትራ ምዕቃብ እዩ። ኢድ ኣእታውነት ኢሳይስ ግና ልኡላውነት ሃገርና  ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኢትዮጵያ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ከም ዘስዕብ ብዙሓት ወገናት ይእምቱን ይሻቐሉን ኣለዉ። ካብቲ ከስዕቦ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ንምድሓን ውግእ ጠጠው ኢሉ፣ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ዝምሕጸኑ ዘለዉ እውን ብዙሓት እዮም። ስምዕታን መጸዋዕታን፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ጳጳስ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያ ቫቲካንን ዝተፈላለያ ሃገራት በብውልቀንን ከም ኣብነት ይውሰድ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ናይ “ጉዳይኩም ብሰላም ፍትሑ” መጸዋዕታ ምቕባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ባዕሉ እውን ናይ “ጉዳይና ብዘተ ንምፍታሕ ሓግዙና” መጸዋዕታ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት የቕርብ ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ቅድም ብውግእ ዘዕውቶ ሸቶታት ኣለኒ ብዝብልን “ኣብ ሓጺር ግዜ ንውደኦ ውሽጣዉ ጉዳይና’ዩ” ዝብል መልክዕ ብምትሓዝን “እምቢታ” መሪጹ ኣሎ። እቲ ዝፍራሕ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ሳዕቤኑ ኣብ ኤርትራ ከም ዝገድድ ዘማትእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጀኦግራፍያዊ ቅርበትና ናብ ቦታ ውግእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉጅለ ኢሳያስ ኢዱ ዝሕውሰሉ ዘሎ እውን ስለ ዝኾነ።

ብድሕሪ  እዞም ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት መን ምስ መን ተሰሊፉ? ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልስታት ጌና ግምታዊ እዩ። ጉጅለ ኢሳያስ ምስቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰልፉ ከም ዘሎ ግና ርኡይ እዩ። ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ቅድሚ ውግእ ዝብሎ ዝነበረ፡ ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወግዒ ቦታታትን ዕለትን ጠቒሱ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብድሕሪኡ ይወግኦ ከምዘሎ ሓቢሩ እዩ። ኣብቲ ውግእ ዝተማረኹ ኤርትራውያን ከምዘለዉ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።  መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ሰራዊቱ ዘድሊ ሎጂስቲክን ሓይሊ ሰብን ንምቕራብ ብወገን ኤርትራ ይጥቀም ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ምንቅስቓሳት ኣለዉ። ስለዚ ኢሳይስ ድሕሪቲ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝምልከት “ጸወታ ተወዲኡ እዩ” ምባሉን፡ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ንሕውሰሉን ነሕይሎን እምበር ስቕ ኢልና ንርእዮ ኣይኮነን” ምድጋሙን ኣብዚ ውግእ ከም ዝሕንብስ ንምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። ኢሳያስ ኣብዚ ውግእዚ ኢዱ ንከእቱ ዘገድዶ ኢትዮጵያ ንምጥቃም ዘይኮነ፡ ህውከት ዝኣረገሉ መዕንገሊኡን ካብ ቀደሙ ዝሕባኣሉን ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ባህሪኡ ነቒሎም ኢሳያስ ኢድ ዘእቱ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ዞባዊ ህውከት ንምፍጣር ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ውግእ’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ንሕና በዚ ኣብ ትግራይ ተኣጒዱ ዘሎ ውግእ ተሻቒልና፡ “ጉዳዮም ኣብ ክንዲ ብውግእ፡ ብዘተ ክፈትሕዎ ይግበኦም” እንብል ዘለና፡ ንረብሓ እቶም ህይወቶምን ንብረቶምን፡ ትርጉምን ሰዓርን ተሰዓርን ኣብ ዘይህልዎ ውግእ ዘህልኹ ዘለዉን ንዞናዊ ርግኣትን ስለ እንሓሊ ጥራይ ኣይኮናን። ብዓብይኡ እዚ ውግእዚ “ድሕሪ ትግራይከ ናበይ?” ዝብል ሕቶ እንተኣስዒቡ፡  መልሱ፡ “ናብ ኤርትራ” ከም ዝኸውን እውን ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ይግበኦ። ነዚ ኣብ ግምት ከነእቱ ካብ ዘገድዱና፡ ብዓብይኡ እቲ ናይ ኢሳያስ ናይ “ሓደ ኢና” ወደኽደኽን ናይ ብልጽግና “እንኳዕ ደሓን መጻእካ” ዳንኬራን ኣሎ። ናብ ኤርትራን ባሕራን እናማዕደዉ “ድሕሪ ሑመራ፡  ናብ ኣስመራ” ዝዝምሩ ኢትዮጵያውያን  እውን።

ኣብዚ እዋንዚ  ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና እሙናት ካብ ዝበሃሉ ሽሞኛታት ሓደ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ትግራይ፡ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ብ12 ሕዳር 2020 ምስ ተለቪዥን ከተማ ኣዲስ ኣበባ  (ኣዲስ ሚድያ ኔትዎርክ) ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ገበናት ህወሓት ክጽብጽብ እንከሎ፡ “ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ ገበነኛ ውድብዩ።” ኢሉ። ብዘይካዚ እቲ ከም ስሙ ናግራም፡ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ፡ ኣብዚ ሳልስቲ “ቅድም ምስ ሻዕብያ ኮይንካ ንትግራይ ምድምሳስ፡ ድሕሪኡ ንኤርትራ በይና ምስ ተረፈት ምልኣማ” ዝበሎ እውን ኣብዚ ዝድረብ እዩ። እዚ ኣበሃህላታት እምበኣር መልእኽቱ ናብቶም ንልኡላውነት ሃገርና እንሕለቕ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ረዚን እዩ። እቲ “ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ” እናተባህለ ዝኽሰስ ዘሎ ሓይሊ እንተተሳዒሩ፡ “ድሕሪኡኸ ናበይ?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ከኣ ግድን እዩ።

Last modified on Saturday, 14 November 2020 11:19