Print this page

ኣጽኒዕካ ምሓዝን፡ ሒዝካ ዘይምስዳድን

2020-10-23 08:38:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2179 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ቅድሜና ዘሎ መሰረታዊ ዕማም፡ ህዝብን ሃገርን ምድሓንን ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብዘተኣማምን ምትካልን እዩ። ናይዚ  ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ጉዳያት ምውሓስ ሓድነት ኤርትራውያን መሰረታዊ እዩ። ሓድነት መሰረታዊ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ኩሉ እቲ ዝእመም መደባት ኣብ ምዕዋት ቅድመ ኩነት ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ባዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ኣካላዊ ሓድነት ጥራይ ማለት  ዘይኮነ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት’ውን እዩ። ሓድነት ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ፡ ንተመኩሮና ብመንጽር ህላወን ብኩራትን ሓድነትን ምስ እንግምግሞ ኣውንታውን ኣሉታውን ሳዕቤናቱ ንምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ዝብል ነባር እምነትና ከኣ ንኹልና ኤርትራውያን ዘሰማምዕ’ዩ።

ሓድነት ደረጃታት ዘለዎ፡ ካብ ንእሽቶ ጀሚሩ ብመስርሕ እናዓበየን እናደልደለን ዝኸይድ፡ ሓደስቲ ተርእዮታት ኣብ ግምት እንዳእተወ፡ ኣብ ቀጻሊ ምዕባለ ዝነብር ኢዩ። ሓድነት ጻዕርን ምሕብሓብን ዘድሊዮ ሓንሳብ ተጀሚሩ ብቐሊል ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ትዂረት ናይ ሓድነት ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣብ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ኮታ ኣብ ኩሉ ውዳበታትን ጽፍሕታትን ዝረጋገጹ ሓድነታት ኣዕኑድ ናይቲ ክረጋገጽ ዘለዎ ድልዱል ሓድነት ህዝቢ  እዮም።  እዚ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ዝኾነ ሓድነት፡ ከም ዘየቋርጽ ዋሕዚ ተታሒዙ ዝኸይድ'ምበር ብሕዝ ግድፍ ዝእለ ስለዘይከውን መሰረቱ ክጸንዕ ይግበኦ። ምእንቲ እዚ ህያው ክኸውን ከኣ ኣዕሚቕካ ምድኳኑ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መስርሕ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ካብ ዘጋጥሙ ብደሆታት፡ ንሓድነት ምስ ናይ መንነት ብዙሕነት  ብዘሳኒ መንገዲ ክትገጥሞ ምብቃዕ እዩ። ኣብዚ መስርሕዚ ዘጋጥም፡ ሓድነት ከተዕውት ክትብል፡ ነቲ መለልዪ ብዙሕነት ዝኾነ መንነት ግቡእ ኣድህቦ ምሃብን ዘይምሃብን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዘጋጥም ሓደ ጫፍ ሒዝካ ናይ ምውጣጥ ሕጽረት ቀሊል ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ተራእዩ እዩ። ሓድነት ህዝብን ሃገርን፡ ነቶም ከም ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ካለኦትን ብዙሕነታትን ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ግምት ከተእቱ ምኽኣል ንቀጻልነትን ጽንዓትን ሓድነት ዓብይ መተኣማመኒ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ዝድኰን ሓድነት፡  ናይ ምቕጻሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ሓድነት ክሳብ ክንደይ ኣብ ምዕዋት ቃልስና ወሳንን መተካእታ ዘይብሉን ምዃኑ፡ ቅድም ኣብ ምዕቋብ ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ኢዩ። ሎሚ’ውን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ፍቱን መሳርሒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ብኩራት ሓድነት ዘጋጥም  ዕንክሊል ክሳብ ክንደይ ከም ዘኽስር እውን ብመጽንር ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስና ፍሉጥ እዩ። ንሕና እዞም ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ መጻሕፍቲ ከይገንጸልና ናትና ኤርትራዊ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። በብእዋኑ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ሓድነትና ይሕይል ከም ዘሎ ዝሕብር ዜና ክቃላሕ እንከሎ፡ ተስፋን ትጽቢትን ህዝብና ይልምልምን ይብርኽን። ብኣንጻሩ ወረ ምርሕሓቕና፡ ምብትታንናን ምክፍፋልናን ክስማዕ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ለውጢ ዝሃርፍ ህዝብና ተስፋ ከም ዝቖርጽን ከም ዝሻቐልን ምግንዛብ ጥራይ ሃብታም መምህር እዩ።

እንሕዞ ጉዕዞ ናብ ሓድነት ንድሕሪት ዘይምለስ ምእንቲ ክኸውን፡ “ሓድነት ምስ መንን ኣብ ምንታይ? መዓስን እንታይ ሸቶ ንምዕዋትን?” ዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ መባእታዊ መጽናዕቲ ምክያድ ኣድላይ እዩ። ተደላይነቱ ከምዘለዎ ኮይኑ ግን፡ ብጉልባብ መጽናዕቲ ንህጹጽ ኣገዳስነት ሓድነት ጓሲኻ፡ ዘይተደላዪ ግዜ ምብላዕን ምኽንያታት ምኹማርን ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብዚ ቅድመ ምብጋስ ናብ ሓድነት ዝግበር መጽናዕቲ ዘይተጠቕሱ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጥሙ ጥንቁቕ ኣተኣላልያ ዘድልዮም ብደሆታት ኣየጋጥሙን ማለት ኣይኮነን። ናብ ሓድነት ክትነቅል እንከለኻ ነዚኣቶም’ውን ቅሩብ ምዃን ግድን እዩ። ብመሰረቱ እቶም ኣብ ሓድነት ዝጽመዱ ኣካላት ዝፍተኑ፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ዝምዕብል ዕንቅፋታት ብከመይ ይፈትሕዎ ኢዩ? ወይ ብትዕግስቲ ሕድገታትን ህዝባዊ ሓልዮትን እንዳ ወገንካ ክትቅጽል ምብቃዕ፡ ወይ ብክስገር ዝኽእል ንኡስ ጸገም ተሰናቢድካ ንድሕሪት ምምላስ እዩ። እዚ እዩ ከኣ “ኣጽኒዕካ ምሓዝን፡ ሒዝካ ዘይምስዳድን” ዝብለና።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነ፡ ናይ 2019 3ይይ ሓድነታውን ጉባአኡ “ሰዲህኤ……… ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነት፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲምክራሲ፡ ሃገራዊ ብልጽግናን ልዑላውነትን ንዘለዎ ባህጊ ብግብሪ ንምርግጋጽ ከይተሓለለ ክቃለስ አዩ።…..” ብዝብል ንሓድነት ዘለዎ ድሉውነት ኣስፊሩ ኣሎ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ግደ ናይቶም ኣንጻር’ቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘባህርሮ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተሰለፉ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውዳበታት ንምዕዛዝን ካብ ዝሐለፈ ተመኩሮና ተማሂርና ሓድነት ንምርግጋጽ ዘሎ ዕዙዝን ተገዳስነትን ንምርኣይ ከኣ ኣብ መእተዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ “ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንዓወት ቃልስና መሰረታዊ ውሕስነት ምዃኑ ኵላትና እንሰማማዓሉ ጕዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንብዙሕ ዓመታት ጸጊሙና ምጽናሑ ድማ ዝከሓድ ኣይኰነን። ሎሚ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታቱ ተማሂሩ፡ ናብ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ገጹ የድህብ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ጕዳይ ምዃኑ ጕባኤ መዚኑ።“ ይብል።

ሰዲህኤ፡ ኣብ ጉባአኡ ምውሳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ንደሓር ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጻዕሩ፡ ማዕረ ማዕረ’ቲ ሰልፊ ናይ ምሕያልን ውሽጣዊ ሓድነት ናይ ምድልዳልን ዋኒኑ፡ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ። እዚ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ድልዱል መሰረት ናይ ምንባር ጻዕሩ በቲ ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝግበር እሂን-ምሂን ጥራይ ከይተደረተ ኣባላቱ ኣብ ኩሉ ህዝባዊ ምልዕዓላት ከበርክቱ የተባብዕ። ሰዲህኤ፡ ብ2017 እዩ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዳህሲሱ፡ ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛምን ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ”  ዝመሰረቱ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ንድፊ ዘቐረበ።

ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ተስፋ ዝህብ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጥምረት ንምብጻሕ፡ ኣብ መስርሕ ዝረኣዩ ምዕባለታት ንምውጋን ነቲ ኣብ ንድፉ ኣብ መስርሕ ዝኽሰት ሓድሽ ሓሳባትን ተርእዮታትን ብምጽውዋር፡ ትዕግስቲን፡ ህዝባዊ ሓላፍነትን  እንዳኸለሰ ከመዓራሪ ጸኒሑ። ንመጻኢ እውን ሓድነትና ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ንህግዲፍ ዘወግድ፡ ድሕሪኡ ከኣ ተዛሪቡ ዘስምዕ፡ ወቒዑ ዘድምዕ ሃገር ዘህንጽ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝብጻሕ ጻዕሪ ሰዲህኤ ቀጻሊ እዩ።

Last modified on Friday, 23 October 2020 10:42