Print this page

ሓቢርና ንጽናዕ፡ በበይንና ከይንምናዕ

2020-05-01 08:39:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2529 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

“ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣበው፡ ሰፊሕን ዓሚቕን ትርጉም ዘለዎ እዩ። እቲ ሓሳብ ክጠቓለል እንከሎ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ሸቶ ንምብጻሕ ዝሓዝካዮ ጉዕዞ፡ ዕንቅፋታት እንተጋጠሙኻ እውን ንኹሉ ክኢልካን በዲህካን፡ መንገድኻ  ምቕጻል ወሳኒ ምዃኑ ዘዕጥቕ እዩ። እዚ ረዚን ምሳልያዊ ኣበሃህላ፡ ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኮነ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመኩሮ ቃልሶም ኣመስኪረምዎ እዮም። እዚ ተባዕ ናይ ጽንዓት ኣበሃህላ ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እውን ምስ ኩሉቲ ዘጓንፈና ዘሎ ሕልኽልኻት ህያው እዩ።

ጉዕዞ ኣብ ቃልሲ፡ ከምቲ ስሙ ዘመልክቶ መሪርን ብሕልኽልኻትን መልከዓቶም እንዳቐያየሩ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ዝተመልአ እዩ። ብቐንዱ ናይቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምን ዕርፊ ኣጽኒዕካ ብምጥዋቕ ክሕለፍ ዝግበኦን መሰናኽላት ሃንዳሲ፡ እቲ ኣንጻሩ እትቃለስ ዘለና ጸላኢ ህዝብናን ጸላኢናን እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ሓይሊ መግዛእቲ እቲ ቀዳማይ ክእለ ዝነበሮ ዕንቅፋት ነይሩ። ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምእንቲ መሰል፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ከኣ ህግዲፍ እቲ ቀንዲ ክእለ ዘለዎ ሃንዳሲ ሕልኽልኽን ዓንቃፊ ምዕባለን ኢዩ።  መስርሕ ቃልሲ ኩርኳሕ ንክኸውን ኣዕናዊ ግደ ናይቲ ጉልባቡ ዝቐለዐ ጸላኢ ዕዙዝ ኮይኑ፡ ኣባና ኣብቶም ኣንጻር ወጽዓ እንቃለስ ዘጋጥም ድኽመታትን ዝርኣ ሕጽረታትን እውን፡ ነቲ ናይ ጸረ-ህዝቢ ሓይልታት ውዲታት ኣብ ምግዳድ  ዝፈጥሮ ጥጡሕ ባይታ ኣለዎ። ብወገን ሓይልታት ለውጢ ክውገድ ዝኽእል ዕንቅፋታት ከነወግድ ምብቃዕ፡ ውዲታት ጸላኢ ንከይዕወት ወሳኒ ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ፡ ሓቢርካ ምስራሕ፡ መሰረታውን እዋናውን ዕማምና ክነሱ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘተኣማምን ደረጃ ከነዕውቶ ዘይምብቃዕና ክሳብ ክንደይ መፍቶ ህግዲፍ ንኸውን ከም ዘለና ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

“ሓድነት ንዓና ሓይልታት ለውጢ ዋሕስ ዓወትና እዩ። ንጸላኢና ህግዲፍን ካብ ድኽመትናን ምፍልላይናን ዝዕንገሉ ኩሎም ጸረ ህዝቢ ወገናትን ከኣ ሕማም ርእሶም እዩ”፡ ክንብል እንከለና መልእኽቱ ንጹር እዩ። ጉጅለ ህግድፍ መስርሕ ቃልስና ኣብቲ ዝዓለሞ ሸቶ ከይበጽሐ ንምኹላፉ ዝጥቀሞም ሜላታት ብዙሓትን ረቀቕትን እዮም። ዘይሩ ዘይሩ ከኣ ሓድነትና ምዝራግ ማእከሉ ዝገበረ ምዃኑ እሙን እዩ። ቃልስና ንምዕዋት ኣብ ክንዲ ብናትና ዝተጸንዐ መደብ ንኸይድ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ብዝከኣሎ ደረጃ ካብ መስረታዊ ጉዳይና ወጺና እንህውትተሉ ሓደስቲ ኣጀንዳታት እንዳፈጠረ ናቱ እሱራት ክንከውን ወትሩ ውራየይ ኢሉ ዝሰርሓሉ መርዛም ምህዞ እዩ። ናይ ሓሶት ሰባት ክኣስርን ክቐትልን እንከሎ፡ ኣንፈትና ኣስሒቱ ብዛዕባኡ ክንዛረብ  ጅሆ ይሕዘና። “እገለ ሞተ፡ እገለባ ሓመመ” ዝብል ኮነ ኢልካ ዝተቓመመ መዳህለሊ ሓሶት ይህንድስ እሞ፡ ብዛዕባኡ ክንዛረብ ከኣ ካብ ግዜና ኮነ ካብ ዓቕምና ከነባኽን ጸኒሕና። ሎሚ ሎሚ ግና ምናልባት ደኣ ሓድሽ ከይምሃዝ እምበር፡ እቶም ናይ ክሳብ ሕጂ ማእለማታት ህግዲፍ መብዛሕተኦም ኣሪጎም ዕዳጋኦም ዝሒሉ እዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢሳያስ ሞይቱዶ፡ ብኻልእ ህግዲፋዊ ባእታ ተተኪኡዶ፡ ተባሂሉ ዝተወርየ፡ ህዝቢ ፈጺሙ ኣየቕለበሉንኳ እንተዘይበልና፡ ናይ መብዛሕትኡ ርኢቶ ኣብ ክንዲ ሃንደፍ ኢልካ ምቕባሉ፡ “እዝስ ግደፍዎ ደኣ ህግዲፍ ባዕሉ ንመዳህለልን ኣቕጣጫ ንመቐየርን ዝሰንዖ ድርዕቶ ሓሶት እዩ” ክብሎ እዩ ቀንዩ። ደሓር ከኣ ምናልባት ስነፍጥረታዊ ሞት ተሪፍዎ እንተዘይኮይኑ፡ ኢሳያስን ጉጅለኡን ብደረጃ ኣተሓሳስባ ሞይቶም ካብ ልቦና ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝወጽኡኮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ “እመርሖ ኣለኹ” እትብሎ ህዝቢ፡ ኣባኻ ዝነበሮ እምነት ካብ ምስሓብ ዝዓቢ ሞትከ ኣሎ ድዩ?

እቲ መዳህለሊ ሜላታት ህግዲፍ ብዙሕ እዩ፡ ከምዚ ክውረ ዝቐነየ ናይ ገለ ሕማምን ሞትን ምውራይ፡ ምስ ገለ ሃገራት ህውከት ምፍጣርን ኣብ ዘይምልከተካ ናይ ካለኦት ዋኒን ጠብሎቕ ምባልን፡ ዝኾነ መበገሲ ባይታ ዘየብሉ ቁጠባዊ ውጥን ክንትግብር ኢና ኢልካ ናይ ሓሶት ቃል ምእታው፡…..ወዘተ  ኩሎም፡ መዳህለልቲ እዮም። ዕላመኦም ከኣ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ሓይልታት ለውጥን ህዝቢ ኤርትራን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ሓይልታት ለውጢ ምትእምማን ንምዝራግ እዩ። እቲ ተንኮል ህግዲፍ ምትእምማን ኣብ ምጥፋእ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ እንተኾይንሉ ኣብ ሕድሕድና ምንቛትን ምግድዳዕን ክፍጠር እውን ካብቲ ቀንዲ ዝሰርሓሉ  እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ  “ሓቢርና ንጽናዕ፡ በበይንና ከይንምናዕ” ብዝብል ብዛዕባ ተደላይነት ሓቢርካ ምቅላስ መምስ ነብስና ክንላዘብ ናይ ግድን ዝኸውን።

እቲ ካብ ምግድዳዕ ዘድሕነና ሓድነት፡ ብናይ ኩልና ቅሩብነትን ኣበርክቶን ዝዕመም እምበር፡ ብናይ ውሱናት ኣበርክቶን ሓልዮትን ዝሕፈስ ማና ኣይኮነን። እቲ ሓደ “ነዓ ናባይ” በሃላይ፡ እቲ ካልእ ከኣ ነቲ መንገዲ በይኑ ክኸዶ ዘገድድ ዘይኮነስ፡ ነቲ ተመዓዳዲናዮ ዘለና ርሕቀት ንምቅርራብ፡ ከካብ ዘለናዮ ተጓዒዝና ኣብ ማእከላይ ናይ ኣተሓሳስባ ቦታ ንምርኻብ ቅሩብነት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ናብቲ ናይ ሓድነት ዕዳጋ ክትስጉም እንከለኻ፡ እንታይ ከም እትሸይጥን ከም እትዕድግን ወጢንካ ምውራድኳ ኣድላይ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ንዝጸንሓካ ምሃብን ምቕባልን ቦታ ክትገድፍ ድልዊ ምዃን ከኣ ኣድላይ እዩ። ንኩነታትና ምስቲ ለባማት ወለድና “ኣዴኻ ዝበለትካ ዘይኮነስ፡ ዕዳጋኻ ዝሃበካ ግበር” ዝበልዎ ኣዛሚድና ክንሪኦ ከድልየና ኢዩ።  

ብዘይ ሕድገትን ምክእኣልን ዝብጻሕ ሓድነት የለን። ኣብ ሓድነት ዘይምብጻሕ ከኣ በበይንኻ ኮይንካ ብምግድዳዕ ዘዝባኸነ ግዜ እንዳጸብጸብካ ምቑዛም መፍቶ ጸላኢ ምዃን እዩ። ሓድነት ንስሙ ሓድነት ዘይኮነ፡ ብሓደ ከተዕውቶም ኣብ ዝግበኣካ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለ እዩ። ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ምውጋድ፡ ናጻ ኤርትራዊ ውሳነ ምውናን፡ ልዕልናን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ምዕቃብን ብሓባር ከሰልፉና ካብ ዝኽእሉ ኣበር ዘየብሎም ዛዕባታት እዮም። ብቕንዕናን ሓላፍነትን እንተመዚናዮም ኣብዚ ንዋሰኣሉ ዘለና ሜዳ ቃልሲ፡ እቶም ዝፈላልዩና ብብዝሒ ኮነ ብኽብደት ካብቶም ዘሰማምዑና ንታሕቲ እዮም። እቶም ዝፈላልዩና፡ ሎሚ ኣብቶም ዘሰማምዑና እንተ ኣድሚዕና ጽባሕ መሊሶም ዝውሕዱን ዝንእሱን እዮም። ኣብቶም ዘሰማምዑና ንኣነነትን ጽበትን ስዒርና፡ ብሓባር ክንቃለስ እንተዘይበቒዕና ግና፡ እቶም ናይ ሎሚ ናእሽቱ ዝፈላልዩና  እውን፡ ጽባሕ ዝያዳ እዮም ዝፍንትሩ።

ስለዚ ኩነታትና ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ተረዲእና፡ ወጽዓ ህዝብና መመሊሱ ይኸብድ ከም ዘሎ ተገንዚብና፡ ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኩሉ ዝከኣሎ በታኒ ሴፍ ካብ ምምዛዝ ንድሕሪት ከምዘይብል ኣስተብሂልና፡ “ሓቢርና ንጽናዕ፡ በበይንና ከይንምናዕ”

Last modified on Friday, 01 May 2020 10:43