Print this page

ብብድሆታት ዝቝዝም፡ ንዕድላት ድማ ዘባኽን መሪሕነት

2020-03-23 08:30:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2529 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞከራስን ፍትሕን ብሓፈሻ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ብፍላይ፡ ተበዲልና እምበር በዲልና ዘይወጾም መራሕቲ ኢዮም። ስለዝዀኑ ድማ፡ ይቕሬታ ክሓቱ ወይ ሕድገታት ክገብሩ ባህርያቶም ኣየፍቅደሎምን ኢዩ። ጌጋኻ ከይኣረምካ፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ዝተበገሰ ተጻይ መልሲ እንዳሃብካ ሃገር ምምራሕ ስለዘይከኣል ከኣ፡ እንሆ ኤርትራን ህዝባን ብስእነት ሰላምን ሰናይ ምሕደራን ንእልቢ ዘይብሉ ጸገማት ተቓሊዖም ይርከቡ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ዕጫ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ድንቍርና፡ ህውከትን ስደትን ኰይኑ ኣሎ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ንምሽፋንን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢዩ እምበኣር ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብድሆታትን ዕድላትን ዝብል ቃላት ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት እናደጋገመ ንህዝቢ ከደናግር ክፍትን ዝጸንሐን ዘሎን።  ብዓይኒ ሓቂ እንተርኢናዮ ግን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ብብድሆታት ዝቝዝም ንዝተፈጥሩ ዕድላት ድማ ብኸንቱ ዘባኽን ስርዓት ኢዩ።

ናጽነት ኤርትራ ብ1991 ምስ ተረጋገጸ፡ ንብድሆታት  ህንጻ ሃገር ንምስዓር ዘኽእሉ ብዙሓት ዕድላት ኢዮም ተኸሲቶም ነይሮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢሎም፡ ከም ተቓወምቲ ብናጽነት ክዋስኡ ዘኽእሎም ዘተ ንምግባር ቅሩብነቶም ዝገለጽሉ እዋን’ዩ ነይሩ። መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ናይ ሓድሽ ወለዶ መራሕቲ ተባሂሎም ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ከኣ ብፍላይ ክድግፎም ድልዊ ነይሩ። ዓለም ብዓለማ ብኢትዮጵይ ጀሚርካ፡ ናጽንትን ልዑላውነትን ናይ ኤርትራ ተቐቢላ፡ ምስ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ኤምባሲታት ኣብ ኤርትራ ከፊታ። ጣልያን፡ መገዲ ባቡር ኤርትራ ባዕለይ ክሰርሖ ኢላ ተመባጺዓ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንኽጣየሱ ዘድሊ ሓገዛት ክገብር ወሲኑ። ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ከኣ፡ ነታ ዘላቶም ዓቕሚ ኣብ ህንጸት ሃገሮም ከውዕሉ፡ ብሓብር ድዮም ወይስ በብውልቆም ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ገንዘቦም ከዋፍሩ ክጓየዩ ዝተራእይሉ ወቕቲ’ዩ ነይሩ።

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ግን፡ ነዚ ዕድላት’ዚ ብምሉኡ ኣባኺኑ’ዩ ናብ ብድሆታት ቀይርዎ። ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ዘይሳነ፡ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንዅሎም መራሕቲ ኣፍሪቃን  ብምቍንጻብን ብምጽራፍን ኢዩ ፈሊምዎ። ንጣልያን ውን ከምኡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድና እንተዘይሃብኩምና ይትረፈና ዝብል መልሲ ሂቡ፡ ብጕልበት ኤርትራውያን ነቲ መገዲ ባቡር ዘመናዊ ንምግባር ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝነበረ ንምጽጋን ክንደይ ግዜን ገንዘብን ከጥፍኣሉ መሪጹ። ንወኪል ኤምባሲታት ሕብረት ኣውሮጳ ኣባሪሩ፤ ስደተኛታት ከይምለሱ፡ ምስኦም ተሓኤን ዕላማታቱን ክምለሱ ኢዮም ካብ ዝብል ስግኣት ናይ መምለሲኦም ገንዘብ ደኣ ሃቡኒ እምበር፡ ከመይ ከምዝምለሱስ ባዕለይ ኢየ ዝፈልጦ ብምባል ነቲ ተበግሶ ኣምከኖ። ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ድማ፡ ንገሊኦም ፕሮጀክትታቶም ሰሪቑ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘየኽእል ምስምስ፡ ንኣብነት ፋብሪካ ክገብር እንተበሉ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ዘይርከቦ ቦታ ክተኽልዎ ወይ ድማ እዚ ፕሮጀክት’ዚ ድሮ ብኻልኦት ቀሪቡ ኣሎ ኢሉ ከምክኖን ቦንድ’ዶ ናይ ገዛውቲ ፕርጀክት’ዶ እናበለ ሃብቶም፡ ገንዘቦምን ጕልበቶምን ክዝርፍ ኢዩ ተራእዩ። እትረፍ’ዶ ኣውፈርቲ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ውሕዳት ሰብ ርእሰ-ማል ሃገሮም ራሕሪሖም ክወጹን፡ ሃብቶም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከዋፍርዎን ተራእዮም።

እቲ ጸይቂ ስራሕ ኣብ’ዚ ጥራሕ ተደሪቱ’ውን ኣይተረፈን። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት የመን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ውግእ ብምብራዕ ንዞናና ናብ ዘይርጉእን ናይ ውግእን ወረ ውግእን ዞና ቀይርዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብምልዮናት ዝቝጸሩ ነበርቲ ናይ’ዘን ሃገራት ኣደዳ ሞት፡ ስንክልና፡ ምፍንቓልን ስደትን ኰይኖም። እታ እንኮ ዝነበረትና ዩኒቨርሲቲ ተዓጽያ፡ ብወተሃደራት ዝካየድ ኣብያተ-ትምህርትን ኮለጃትን ተተኪኣ። በዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኤርትራ፡ ዝነበራ ዕድላት ኵሉ ባኺኑ፡ ስማን መልክዓን ተደዊኑ፡ ዜጋታታ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲ ቅንጸላን ስደትን ኰይኖም። ዋላ እቶም ነቲ ውልቀ-መላኺ ናብ ስልጣን ዘምጽእዎ ተጋደልትን መራሕቲ ብጾቱን ከይተረፉ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ኣይደሓኑን። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኢያ ተቐይራ። ነዚ ናይ ቤት ማእሰርቲ መነባብሮ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ፡ ከም ድላይካ ከይሰጋእካ ክትዛወር ትኽእል እናበለ ክንየተሉ ይስማዕ ኢዩ። እወ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘረባ የለ፡ ተቓውሞ የለ፡ መሰል የለ፡ ባእሲ የለ፡ በቶም ዝሕልውኻ ወተሃደራት ዝወሃበካ ትእዛዛት እናፈጸምካ ኢኻ ትነብር። ነዚ’ዩ ሰላም ሰፊኑ ኢሉ ክምክሓሉ ዝስማዕ።

ሕጂ ብዛዕባ ኣየናይ ዕድል ኢዩ ስርዓት ኢሳያስ ክዛረብ ዝፍትን ዘሎ ብዙሕ ብሩህ ኣይኰነን። እንታይ ከይረገጣ ዝተረፈቶ ጩራ ብርሃን ኣልያ ኰይና ኢያ ዕድላት ኣሎ ክብለና ዝፍትን ዘሎ። እዛ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ምስ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንትን ገይረያ ኢሉ ዝዛረበላ ዘሎ ምሕዝነት እንተዀይና፡ ሰላምን ልምዓትን ንምምጻእ ዘይኰነስ ንህውሓት ንምቕርቃርን ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ጐብለልን ናይ’ቲ ከባቢ ንምዃን እንተዘይኰይኑ ካልእ ዝርአ ወይ ዝጭበጥ ዕላማ ኣይርኣናላን። ቅድሚ ሕጂ እውን ንኤርትራ ዝሓወሰት ኢትዮጵያ ክመርሕ ስለዝደለየ ኢዩ ንክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ውግእ ዝነቖተን ፍልልይ ምስ ወያነ ዝተኸስተን።

ኣብ ህልው ኵነታት ኤርትራን ኣብ ምዕባለታት ከባቢናን፤ ከምኡ’ውን ኣብ ዕድላትን ብድሆታትን መደባት ስራሕ 2020 ብዝብል ኣርእስቲ፡ ሓጐስ ገብረሂወት (ክሻ)፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብርሃ ክሳን ወለንኪኤል ኣብርሃን ዝርከብዎ ዝለዓለ  ተላኣኣኺ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት መራሕቲ ማሕበራትን ትካላትን ዘካድዎ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ነቲ ምስ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተበጽሐ ዘይንጹር ውዕላትን ስዒቡ ኣብ ዝተገብረ ብጽሖታት ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ክልቲአን ሃገራት፡ ካብ መራሕ ሃገር ዘይትጽበዮ ኢሳያስ ዘስምዖ ናይ ጥልመት መደረ ንምክሕሓስን ንሱ ዘስዓቦ ህዝባዊ ቁጠዐን ንምዝሓልን ዝዓለመ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ንመንእሰያትና ብሓድሽ ተክኖሎጂ ኣዕጢቕና ኣንጻር እዞም ኣዕነውቲ ሶሽያል ሚድያ ከነዋፍሮም ኣሎና ክብሉ ዝተሰምዑ።

እቲ ተወሲኹ ተባሂሉ ዝተዘርበሉ ደሞዝ ከኣ፡ ብመሰረት ኣብ 2016 ዝተገብረ ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ እሞ ኣብ 2018 ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ዝብሃል፡ እቲ ዝተሓተ ደሞዝ 1800 ናቕፋ ክኸውን ተወሲኑ ክነሱስ፡ ገለ ግን 500 ናቕፋ ይውሃቦም ምንባሩ’ዩ ኢሳያስ ጠቒሱ። ነዚ ድማ ንሱ ከምዘይፈልጦ ዝነበረ ኰይኑ ቀሪቡ። እቶም ነዚ ዝገበሩ ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ምንባሮም ኣሚቱ ወይ ምስ ናይ ቀረባ መራሕቶም ኣባኢሱ፡ ሕጂ ናይ ክልተ ዓመት በብ1300 ንወርሒ ተሓሲቡ ክኽፈሎም ከምዝወሰነ ገሊጹ። እዚ’ዩ ተወሲኹ ተባሂሉ ክግለጽ ዝሰማዕናዮ። ካልእ ዝሰማዕናዮ ወሰኽ ኣይነበረን። ነቶም ኣብ 2020 ክጅመር ተባሂሉ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ስራሕ ኢሎም ሕቶኦም ከቕርብሉ ዝፈተኑ ጋዜጠኛታት ክግስጽ ከሎ ድማ፡ ኣብ 2020 ዘይኰነስ ኣብ 2021 ኢዩ ዝጅምር ክብል ተሰሚዑ። ብሓጺሩ ኣብ 2020 ዝዀነ ይኹን ክግበር ዝተመደበ ምምሕያሽ የለን። ን2021 እንተዀይኑ ድኣ ሽዑ እታ ርሕቕቲ ትመስል ዓመት ምስ መጸት  ዘይመርከብናሉ። ካብ ንዓመታ ደርሆስ፡ ሎምዘበን እንቋቍሖ’ዶ ኣይምሓሸን።

Last modified on Monday, 23 March 2020 09:35