Print this page

ብውሽጢ ፈንቅል፡ ብደገ ይኣክል

2020-01-27 17:54:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2666 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ናይ ለውጢ ቃልስና፡ በቲ ዝደለናዮ ቅልጣፈ ክጐዓዝ ዘይከኣለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ርእሲቲ ናይ ሓይልታት ለውጢ ብሓባር ናይ ዘይምስጓም ድኽመትን ከቢቡና ዘሎ ዓለማዊ ኩነታትን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከፋፋሊ ውዲትን ተንኮልን ጉጅለ ህግዲፍ ዓብይ እጃም ዝሕዝ እዩ። ካብቲ መርኣያታት ናይቲ ውዲት ከኣ እቲ ቀንዲ  ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ ከይራኸብ፡ ብኣንጻሩ ብዓይኒ ጥርጣረ ከም ዝርእአ ምግባሩን እዩ። ብስንኪ እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጸገሙ ሓደ፡ መፍትሒኡ ከኣ ኣብ ኢድ ገዛእ ክነሱ፡ ክሳብ ሎሚ ነዚ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ  ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ቅልጽምካ ምትርናዕ ከይበቐዖ ጸኒሑ።

ህግዲፍ እዚ ድሌቱን ባህጉን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ብሓደ ድምጺ ንከየስምዕን ኢዱ ከየልዕልን  ክጥቀሞ ካብ ዝጸንሐ ሓላኺ ሜላታት፡ ናይ ብሕቲ ሚድያ ከም ዘይህሉ ምግባር፡ ካብ ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ጀሚርካ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ናይ ስለያ መርበብ ዘርጊሕካ ከምዘይተኣማመኑ ምግባርን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ኩነታት ኣጽኒዖም ከቃልዑ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ጋዜጠኛታትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓለቕትን ምእጋድን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ምርሕሓቕ ምፍጣር ጥራይ ዘይኮነ፡ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብርን ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ተጽዕኖን ምድሃልን ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ካብ ሓደ ንሕስያ ዘየብሉ ጨቋኒ ጉጅለ እትጽበዮ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ እኳ እንተኾነ፡ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ዕስክርና፡ ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ፡ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ምእጋድ፡ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላትን ብኩራት ልዕልና ሕግን፡ ኣዝዮም ረቀቕቲ ናይ መቑነን ሜላታት ተጠቒምካ ኣብ ቁጠባ ምህሳዩ፡ ዳርጋ ኩሉ  ስድራቤታት ወላድ መኻን ከም ዝኸውን ምግባር፡ ብሓጺሩ ሃገርን ህዝብን ምብዳም ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሃገር በቆል ጭቆና ካብቲ ናይ ካለኦት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ።

እዚ ጉጅለ ናይ ጸይቅን ወጽዓን ኣእዳዉ ኣንዊሑ፡ ምስ ብረብሓ ዘስልሎም ናይ ወጻኢ ኣካላት ከይተረፈ ተመሳጢሩ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና እውን ክንድቲ ኣብ ልዕሊቲ ውሽጢ ሃገር ዝገብር’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝፍጽሞ ግፍዒ ኣሎ። እንተ ጥዒምዎ ጨዊኻ ናብ ኤርትራ ምምላስ፡ ብጉልባብ 2%፡ መሕወይ ግብሪ፡ ሓገዝ ደቂ ስዉኣትን ቦንድን ብዝብሉ  ጉልባባት ገንዘብ ምኽዕባት። ኣብ ዓዲ  ንዝነብሩ ቤተሰቦም ብዝጥዕሞም መንገዲ ከይሕግዙ ምኽልካል፡ ናብ ቤተሰቦም ኣብ ዝገሽሉ ግዜ ኣዝዮም ዓንቀፍት ማሕለካታት ምፍጣር። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ህግዲፍ ሃይማኖታውን ካልእ ድሑር ስምዒታትን እንዳጻሕተረ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ክናቖቱ ዝሰርሕ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ደጋፊ ህግዲፍ ዝበሃል ከይተረፈ ዝፍጸም ንሕስያ ዘይብሉ ኣተሓሕዛ ኮይኑ፡ ነቲ ኣግሂዱ ዝቃወም ከኣ ብህይወት ከም ዝደልዮ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ልዕሊ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛን ፖለቲካዊ ተመራማርን ማርቲን ፕላውትን ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱን ዝፈተኖ ናይ ስዑር ምልክት ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘረደኣና ከኣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበር ኤርትራዊ ክናበብን ክመላላእን እንተበቂዑ ዕድመ ህግዲፍ ዘሕጽር ምዃኑ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ከም ኣካል ናይቲ ክፈፊልካ ግዛእ ሜላኡ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ዝነብርን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ኤርትራዊ ክፍጠር ዝደልዮ ምርሕሓቕ ከምቲ ዝደለዮ ከምዘይኮነሉ ሎሚ ንርእዮ ኣለና። ኤርትራ ንዝተወሰነ እምበር፡ ንሓዋሩ ኣይኮነንዶ ካብ ህዝባ ካብ ዓለም እውን ብህግዲፍ ተሓዚኣ ተነጺላ ክትነብር ስለ ዘይትኽእል፤ ሎሚ ህግዲፍ ዝነደቖ ናይ ምፍልላይ ሓጹር ይፈርስ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዋላኳ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ይንበር፡ ውሽጡን ድሌቱን ሓደ ብምዃኑ ክሰማማዕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ከኣ ንህግዲፍ ካብቲ ብዙሕ ህልውናኡ ናይ ምርግጋጽ ጸገማቱ እቲ ዝኸበደ ኮይንዎ እነሆ።

ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክረኤ እንከሎ፡ ሎሚ ህግዲፍ ዝዓጸዎ ማዕጾ ካብ ድሌቱ ወጻኢ ይኽፈት ኣሎ። ብዙሓት ናይ ወጻኢ ማዕከናት ነቲ ጉጅለ ዘቃልዕ ዜናታት ክዝርገሓ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ናብ ኤርትራ ምልሓኰን ኣይተረፈን። ብዓብይኡ ከኣ መደበራት ተለቪዥን ኣሰናን ኤሪ-ሳትን ነቲ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዕርዲ ህግዲፍ ድሂነን ኣብ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ገዛ ይጓዝማ ኣለዋ። ህግዲፍ ከኣ ናይ “ነዘን ተለቪዥናት እዚኤን ኣይትርኣይወን” ጉልበቱ ደኺሙ፡ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ክኸውን ተገዲዱ ኣሎ። ወዮ ሓቀኛ ምስሊ ህግዲፍ ምርኣይን ምስማዕን ተሓቢእካ ዝካየድ ናይ ተቓወምቱ ተግባር ጥራይ ጌርካ ዝረአ ዝነበረ፡ ሎሚ ደገፍቱን ሓለፍቱን እውን ኣብዘን መደበራት ይትከሉ ኣለዉ። ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ምሕማዩ’ውን ንቡር ኮይኑ ከም ዘሎ እዩ ዝሕበር። እዚ ኣዝዩ ዓብይ ምልክት ስዕረት ህግዲፍ እዩ።

ሎሚ ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ጐረቤት ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ናብ ኤርትራ ኣትዮም፡ ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ ሃገርና ክሳብ ክንደይ ኣብ ዘሕፍር ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ርእዮም ይምስክሩ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ከተማታት፡ ኣስመራ፡ ከረን፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ምጽዋዕ፡ መንደፈራ፡ ናቕፋ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ካለኦትን  ዝበጽሑ ዝህብዎ ሚዛን ከኣ “ኤርትራ ዋና ዘይብላ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ጸኒሓን ኣላን ምባላ ዘጸግም እዩ” ዝብል እዩ። ጐደናታት ኣስመራ ሰብ ሓሪምወን ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸመዋ ክነግሩኻ እንከለዉ ከኣ መመሊሱ መዓንጣ ከብድኻ ዝቖርጽ እዩ።

እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ምህግዲፍ ዝወረዶን ዘውርዶ ዘሎን ናይ ምክፍፋል ውዲት፡ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወጻእ ብግቡእ ክናበብን ከመላላእን ጀሚሩ ኣሎ።  እዚ ምንባብ ንዓወቱን ራህዋኡን ወሳኒ ምዃኑ ከኣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ፈንቅል ብውሽጢ ይክል ከኣ ብወጻኢ ክናቐዉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ንጸላኢ ዝፈንቀለ ፈንቅል፡ እነሆ ሎሚ እውን ምስ ይኣክል ኣሳንዩ ናይ ዳግማይ ፈንቅል ህዝባዊ ሓላፍነት ይርከብ ኣሎ። ፈንቅልን ይኣክልን ካብ በበይኑ ኩርናዕ ዝስምዑ ትርጉሞም ግና ሓደ ንሱ ከኣ ንህግዲፍ ምጽራግ እዩ።

Last modified on Monday, 27 January 2020 19:23